ገንዘባዊ ሓገዛት

ዩ ኤን ን ገንዘባዊ ሓገዛት ከም መድሓኒን ሓገዝን ኣገልግሎትን ንቶም ኣዝዮም ዱኹማት ሰባት ተጥቀመሉ። ገንዘባዊ ሓጋዛት ንተፈናቐልቲ ዝተፈላለየ ጸጋማቶም ክሽፍኑ ይጠቅሞም፣ ማይን ምግብን መምበርን ጥዕናዊ ሓገዛት ዝርከቦም፣ ከምኡ ውን እቶት ዝረኽቡሉ ዕዮ ክምስሪቱ ይጠቅሞም፣

ንዛ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሳ ዘላ መልእኽቲ ዝተቀበሉ ስደትኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዩ ኤን ንገንዘባዊ ሓገዛቶም ንምቅባል ናብ ዝቀረበ ፖስጣ ኦፊስ ኸይዶም ብናይ ዓይኒ ስካን ክቅበሉዎ ተታባብዖም፣

 እታ መልእኽቲ ክምዚ ተመስል፣ “ካብ ግብጻዊ ፖስጣ ኦፊስ ብናይ ዓይኒ ስካን ገንዘባዊ ሓገዝ ክትቅበል/ሊ እኻ/ኺ”

ናይ ዓይኒ ስካን ዝርከበን ቤት ጽሕፈታት ፖስጣ ኦፊስ

  • ኦክቶበር፣ ሑሰሪ፣ መጀምእዕ ኣገልግሎት፣ ኣልሓይ ኣልሳበዕ፣ ኣልሙታመይዝ፣ ኣልሓይ ኣልሳድስ፣ ኣልሓይ ኣልሳልስ፣ ኣልሓይ ኣልኣወል፣ ዛይድ፣ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኦፊስ ኦክቶበር
  •  ኣልጂዛ፣ ኣርደልዋ፣ ማዲነት ኣልኣውቃፍ፣ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኦፊስ ኣልሃረም፣ ኣልመልካ፣ ኣልሙሃንዲሲን፣ ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኦፊስ ኣልጂዛ ኣልኣወል።
  • ወስጣልበለድ/ማእከል ከታማ፣ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኦፊስ ካይሮ።
  • ደቡብ ካይሮ፣ ኣልማዓዲ
  • ምብራቅ ካይሮ፣ ዔን ሸምስ፣ ዛህራእ ዔን ሸምስ፣ ኣልሻሂድ ዓብዱልሙንዕም ሪያድ፣ ሻርቅ ኣልቁባ፣ ኣልኑዝሃ ኣልጃዲዳ፣ ኣልሓይ ኣልሳምን፣ ኣልሓይ ኣልዓሽር፣ ኣልመሽሩዕ ኣልስዌስሪ.
  • ኣልቃጣምያ፣ እስካን ኣልሻባብ፣ ኣልዑቡር፣ ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኦፊስ ማዲነት ኣልዑቡር፣ ኣልተጀሙዕ ኣልኣወል፣ ማዲንቲ፣ ጃምዕየት ዑራቢ፣ ኣልዓሽር ምን ሮማዳን፣ ኣልምጃውራ ኣልሳዲሳ፣ ኣልምጃውራ ኣልሳልሳ ወልሳላሱን፣ ኣልምጃውራ ኣልታስዓ፣ ኣልምጃውራ ኣልራብዓ ዋ ኣርባዑን።
  • ኣሌክሰንዳሪያ፣ ኣልሙንድራ፣ ኣልሙንተዛህ፣ ማዲነት ፋይሰል፣ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖስጣ ኦፊስ ኣሌክሰንዳሪያ፣ ኣልንቅራሺ፣ ኣልሰራይ፣ ዓረብ ታወር፣ ኣልዓጀሚ ቢጣሽ፣ ሓዲሽ ዓረብ ታወር፣ ኣልሃኖፊል፣ ኦልድ ዓረብ ታወር፣ ኣል ማንጥቃ ኣልሑራ/ ፍሪ ዞን።
  • ኣልደቅሃልያ፣ ጀምሳ
  • ኣልማኑፍያ፣ ማዲነት ኣልሳዳት

ዪ ኤን ብቀጣታ እትህቦም ዓይነታት ናይ ገንዘብ ደገፍ እንታይ ኢዮም?

ንብዙሕ ዕላማ ዝዋሀብ ናይ ገንዘብ ደገፍ: ገንዘባዊ ደግፍ ንመሰረታዊ ድሌታት ይዋሀብ፣ እዘውቲርካ ኣብ ወርሒ ሓንስእ ወይ ኣብ ቄራሪ ወርሓት ሓንሳእ (ደገፍ ን ቁሪ) ንቶም ኣዝዮም ጽጉማት ምዝጉባት ዝኾኑ ስደተኛታትን ዕቑባ ዚደልዩ ሰባትን ይዋሀብ፣ ብመሰረት ውጽኢት ግምገማ።

ካልእ ዓይንት ናይ ገንዘብ ደገፍ፡ ከም ኣብነት መማሓየሺ መነባብሮን ህያብ ትምህርቲን ሓንስእ ይዋሀብ፣ ብመሰረት እቲ ዩ ኤንን መሻርኽታን (ከም ሲ ኣር ኤስ) ዝዓዩሉ መዐቃኒታት

መዘኻኸሪ፡ ነፍሲ ውከፍ እተመዝገበ ስደተኛ ኣይኮነን ናይ ገንዘባዊ ደገፍ ዝዋሀብ። ንቶም ኣዝዮም እተቓልዑ ስደተኛታት ኣብ እተወሰነ መለክዒታት ተመርኪስካ ኢዩ ዝዋሀብ።

ንብዙሕ ዕላማ ዝዋሀብ ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምርካብ ግምገማ ምግባር የድልየኒ ዶ?

ቅድሚ ሕጂ ንተኣፋፊ ኩነታት ንምፍላጥ ዝግበር ቃለ-መጠይቅ ዘይገበርካ እንተደኣ ኼንካ ወይ ካብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ግምገማ ቃለ-መጠይቅ ኣትሒዝካ ኣብ ቁጠባዊ ኩነታትካ (ከም ቃንዲ ምንጪ ኣታዊኻ ምስኣን ዝኣምሰለ) ዓቢ ለውጢ እንተዳኣ ኣጋጢሙካ ብቓጣታ ምስ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ብዙሓት ደገፍ ዚደልዩ ስባት ስለ ዘለዉ፣ ንቲ መሰረታዊ ድሌት ንምርካብን ናይ ተኣፋፊ ኩነታትኩም ንምፍላጥን ምስ ካርታስ ናይ ግምገማ ቃለ-መጠይቅ ክትገብሩ በጃኹም ኣቃዲምኩም ቖጻራ ሓዙ።

ብዘይ ቖጻራ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈታቶም እንተደኣ ኼድካ ካሪታስ ንኸገልግሉኻ ኣጋጣሚ ኣይህልዎን ይኸውን።ንቲ ቃለ-መጠይቅ ምውዳእ ክባሀል ከሎ ብኡንብኡ ኣብቲ ናይ ገንዘባዊ ደገፍ ክትኣቱ ኢኻ ማለት ከምዘይኮነ ኣስተብህል። ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ን መሰረታዊ ድሌታት ካብ በቲ ቃለ-መጠይቅ ኣቢልካ ናይ ዳታ ምእካብን ኣጋዳሲ ሓቤራታ ምሃብን ከምኡውን ንቲ ናይ ገንዘብ ረድኤት ቃለ-መጠይቅ ብኸመይ ምላሽ ከም እትህበሉ ሓላፍንት ጥራይ ኣለዋ። ካርታስ ብዛዕባ እቲ ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምርካብ ዘሎካ ብቕዓት ዋላ ሓንቲ ውሳነ ኣይገብርን እዩ። ብዛዕባ ናይ ጥረ ገንዘብ ደገፍ ውሳነ ዝምልክት- ቃዳማይ ውሳነ ይኹን ወይ ድሕሪ ናይ ይግባይ ዝግበር ውሳነ- ተሓታቲት ዩ ኤን ጥራይ ኢያ። ናይ ገንዘብ ደገፍ ክትወስድ ብቁዕ እንተዳኣ ኼንካ ዩ ኤን በቲ ብሽምካ ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎን ኣቢላ ሓጻር መልእኽቲ ክትሰደልካ ኢያ።

ንብዙሕ ዕላማ ዝዋሀብ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዩ ኤን መን ዩ ብቖዕ ንምፍላጥ ከምይ ጌራ ትውስን?

ዩ ኤን ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ደገፍ ብቖዕ ውሳነ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ሓበሬታ ኢያ ትምርኮስ። ንምምራጽ ዘገልገል ሓበሬታ ንዚ የጣቃልል፣ ኣብ ግዜ ምዝገባ ምስ ዩ ኤን ዝተኣከበ ሓበሬታ፣ ሓድሓደ ግዜ ሰራሕተኛታት ከሪታስ ዝመርሕዎ ቃሌ-መጠይቅ፣ ኣብ ርእሲ ኢቲ ተምዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ፣ ኢቲ ውሳነ ዝተፈላለዩ ረቓሒታት ከም ገንዘብን ምቾትን ሓደጋን ኣብ ግምት ይእቱ። ክምኡ ውን ዕድመ ናይቲ ስደተኛንን / ደለይቲ ዕቕባን፣ መንበሪ ቦታ፣ ቁጽሪ ስድራ፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ቁጠባዊ ኩነታት፣ ብቀሊሉ ዝርክብ ካለእ ሓጋዛት፣ ፍሉይ ነጋራት፣ ጥዕናዊ ኩነታት ክም ካልእ መዓቀኒ ይረኤ።

ናይ ነፍሲ ወክፍ ስደተኛን ደላይ ዕቕባን ፋይል ምስቶም ካልኦት ስደተኛታትን ደለይቲ ዕቕባን ይዛመድ/ይወዳደር ብድሕሪኡ እቶ ብሸንኽ ገንዘብን ሓዳጋን ኣዚዮም ዝተቓልዑ ሰባት ይምረጹ።

ሓድ ሰብ ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምርካብ ዘለዎ ብቕዓት ወይ ዘይምኻኑ ዝግበር ውሳነ ንቲ ካብ ዩ ኤን ዝርከብ ካልእ ሓጋዛት ብኣሉታዊ ወይ ብኣንውንታዊ መንገዲ ኣይጸልዎን ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝርዝር ምእንቲ ክጠቓለል ገንዝብ ክኸፍል ተሓቲተ፣ ስለዚ እንታይ ኢየ ዝገብር?

በጃኻትኩም ዝኾነ ስብ ገንዘብ ወሲዱ ብቐጠታ ኣብ ዝርዝር እቶም ንኣገልግሎት ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ክእትውኩም ይኽእልየ በሃሊ ወይ ፋይላት ስለምንታይ ቀዳምነት ክም ዚዋሃቦ ንዝዛረብ ሰብ ኣይትእመንዎ፣ ዩ ኤን ንኹሉ ኣገልግሎታታ ብናጻ ኢያ ትህቦ።

መን ኢዮም ብቑዓት ንምውሳን ብኡንብኡ በቲ ሰብ ጣልቃ ኺኣትዉሉ ዘይክእሉ ናይ ቤት ጽሕፈት መስረሕ ጌርካ እዩ ዚግበር፣ ንጥረ ገንዘብ ንምውሳድ መን ኢዩ ብቖዕ ዝሙርክስ ናይ መወዳእታ ወሳኒ ዩ ኤን ጥራይ ኢዩ።

ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምርካብ ብቖዕ ከም ሙኻንይ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል?

ናይ ገንዘብ ድገፍ ክትረክብ ብቖዕ እንተደኣ ኼንካ፣ ዩ ኢን በቲ ኣብ ግዜ ምዝገባ ወይ ብ ሆት ላይን ድዊልካ ንቲ ሰራሕተንያ ዝሃብካዮ ቁጽሪ ተለፎን ጌሮም ሓጻር መልእኽቲ ክሰዱልካ ኢዮም፣ እታ ዩ ኤን እትሰዳ ሓጻር መልእኽቲ ብኸመይ ሓገዝ ከምትረክብ (ኣበይ ከምትቕበል መን ክምዝቕበል ከምኡውን ማንነትካ ንምርግጋጽ እንታይ ሰነዳት (እንተ ተረኺቡ) ክተርኢ ከም ዘሎካ) ዝርዝር ሓበሬታ ክተጠቓልል ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ገንዝብ ደገፍ ዝውዳኣሉ ግዜ፣ ካብ ሰራሕተንያታት ካሪታስ ውን ንምክትታል ሲዒቡ ክድወለልካ ይኽእል ኢዩ። በጃኹም ምእንቲ ኢቲ መልእኽቲ ክበጽሓኩም ኣድራሻኹም ከም እተሓደሰ ኣራጋግጹ። ቁጽሪ ቴለፎን እንተ ቀይርካ በጃኻ በቲ ብ ዩ ኤን ዝባሓት ሆት ላይን ጌርካ ሓብረና ወይ በዚ ሊንክ ጌርካ ን ክፍሊ ምዝገባ ሓብሮም።

ብዛዕባ ኢቲ ዩ ኤን እትህቦ ናይ ገንዘብ ደገፍ ከመይ ጌረ ዝያድ ሓበሬታ ክረኽብ ይኽእል?

ንናይ ገንዘብ ደገፍ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሕቶታት ወይ ርኢቶታት ወይ ጥርዓን፣ በጃኹም በዚ ኣብ ታሕቲ ተጣቂሱ ዝሎ ቁጽሪ ቴለፎናት ምስ መሻርኽትና ክሪታስ- ፕሮጀክቲ መሰረታዊ ድሌታት ተራኸቡ።

ካሪታስ ንኹሉ ሕቶታትኩም መልሲ ክትህበሉ ኢያ፣ ከምኡ ውን ዝያዳ ሓበሬታ ክትህበኩም ኢያ፣ ኣድላይ እንተ ኾይኑ ድማ ኣድልይ ስጉምቲ ክትወስድ ኢያ

ካሪታስ ዓባይ ካይሮ፡

ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሳዓት 8፡30 ቅ.ቃ ክሳብ 3፡30 ድ.ቅ/ ቀዳምን ሰንበትን ዕጹው ኢዩ።

ሆት ላይን 15946

ንምስዳድ ሕቶታትን ጥርዓንን ከምኡ ውን ንገንዘባዊ ሓገዝት ዝምልከት ጠለባት።

ኢቲ ናይ ግምገማ ቃለ-መጠይቕ ምስ ካሪታስ ኣበይ ኢዩ ዝካይድ?

ብምኽንያት እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ጥዕናን ንድሕነትካ ንምጥንቅቕ መብዛሕቲኡ ቃለ-መጠይቓት ብትሌፎን ኢዩ ዝካይድ፣ ኣብ ዝተወሰነ መዳያት ኻኣ ኣብ ነስር ሲቲ ወይ ሲታ ኦክቶበር ወይ እስከንድርያ ወይ ዲምያጥ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ክግበር ይኽእል፣ እንትኾነ ግን ገሊኡ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ቤትካ ክግበር ይኽእል ኢዩ።

እቶም ስድራ ብዛዕባ ኢቲ ቃለ-መጠይቕ ዕለትን ግዜን ኣብ ግዜ ናይ ትሌፎን ቃል-መጠይቕ ዝድለ ሰናዳትን ኣቃዲሞም ክሕበሩ ኢዮም።

ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ኢንታይ ኢዩ ዘጋጥም?

ኩሎም ሰራሕተኛታት ኻሪታስ ንገዝእ ርእሶምን ንቲ ኣብ ኻሪታስ ዘለዎም ሞያን ዕላም እቲ ደውልን ብምጝላጽ ንቲ ናይ ተሌፎን ቃለ-መጠይቕ ክጅምሩ ኢዮም። ሰራሕተኛታት ካሪታስ ምኻኖም ወን ንቲ ብዛዕባ ምዝገባኻ ዚገልጽ ሓበሬታ ኺምርምርዎ ኢዮም። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መጠይቕ ገለ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ክሕተት ኢዩ።

እቲ ቃለ-መጠይቕ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ዝወስድ?

እቲ ቃለ-መጠይቕ ከከም ብዝሒ ኢታ ስድራቤት ኣስታት ሓደ ሳዓት ኣቢሉ ኢዩ ዝወስድ።

ንቲ ቃለ-መጠይእ ብኸምይ ክዳሎ እኽእል?

1-በጃኹም ኢዚ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ሞባይልኩም ምስ ዩ ኤን ክምዝሎ ኣራጋግጹ፣

2-ክምኡ ውን በጃኻ ንናይ ዩ ኤን ካርድኻን ናይ ብምሉኦም ስድራቤትካን ኣዳሊኻዮ ጽናሕ።

3- ኣብ “ቤት ጽሕፈት” ወይ “ካብ ገዛ” ቃል-መጠይቕ እንተዳኣ ጌርካ ከም ናይ ውዕል ሕሳብ ወረቕት (ኤለክትሪክን ጋዝን) ናይ ሕክምና ጻብጻብ ውዝተ ዛምሰሉ ሰነዳት ክተርኢ ክትሕተት ኢኻ።

4- ካብ ጋዛኻ ቃለ-ምጠይቅ እንተ ተገይሩልካ ንኣከብቲ ሓበሬታ እተፈላለየ ቦታታት መንበሪኻ ኺርእዩ ኽተፍቕደሎም ክትሕተት ኢኻ።

ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ መን ክካፈል ኣለዎ?

እቲ ኣብ ዩ ኤን ዝተመዝገበ ቃንዲ ኣመልካቲ ንቲ ቃለ-መጠይስቕ ዝግበረሉ ሕቶታት ምስቲ ኣካቢ ሓብሬታ ኪምልሶን ብዛዕባ ኹሎም እቶም ኣብ ፋይሉ እተመዝገቡ ዉለቀ-ሳባት ቅኑዕ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ክስከም ኢዩ ከምኡ ውን ቅድሚ ኢቲ ቃል-ምጠይቕ ናይ ማንነቶም ካርድ ክቕርብ ኽሕተት ኢዩ። ቃለ-መጠይቕ ንምግባር ናብ ገዛኹም ኽንከይድ እንተ ኣድልዩና ኩሎም ኣባላት ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ኪእከቡን ንቲ ሓበሬታ ብቐጠታ ምስቲ ሰራሕተኛ ኽመልእዎን ነተባበዖም ኢና።

ምስ ዩ ኤን ዘይተመዝገቡ ስድራቤታት ቃለ-መጠይቕ ክግበረሎም ድዩ?

ምስ ዩ ኤን ዘይተመዝገቡ ስድራቤታት ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ ኢዚ ኣይክጠቓለሉን ኢዮም።

ኣብቲ ዝተወሰነለይ ቖጸራ ክመጽእ ኣይክእልን እየ፣ እንደገና ቖጸራ ክሕዝ ይኽእል ዶ?

ኣብቲ ዝተወሰነለይ ቖጸራ ክመጽእ ኣይክእልን እየ፣ እንደገና ቖጸራ ክሕዝ ይኽእል ዶ?

እወ፣ ቖጸራ ክትቕይር እንተ ደሊኻ ብጃኻ እንተ ወሓደ ክልተ መዓልቲ ቕድሚ እቲ ቓለ መጠይቕ ንካሪታስ ሓቢራ። በዚ ዝስዕብ ቁጽሪታት ተሌፎን ብምድዋል ቖጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ሆት ላይን 15946

እዚ ቁጽረታት እዚ ንምምዳብ ጥራይ ምኻኑ ኣስተብህል።

ካሪታስ ብዛዕባ እቲ ምስራዝ ኣቃዲማ እንተ ዘይተነጊራ ምድንጋያት ክህሉ ኢዩ፣ ክሳብ እታ ትቕጽል ወርሒ ድማ ክድወለልካ ኣይኽእልን ይኸውን።

ድሕሪ ኢቲ ቃለ-መጠይቕ ኢንታይ ኢዩ ዘጋጥም?

ናይ ገንዘብ ደገፍ ክትወስድ እንተ ተመሪጽካ፣ ዩ ኤን ብዛዕባ ኢቲ ገንዘብን ከመይ ጌርካ ከምእትቕበሎን እትሕብር መልእኽቲ ክትሰደልካ ኢያ።

እቲ ቃል-መጠይቕ ዚገብረለይ/ዳታ ዝእክብ ሰብ ዝሕፍር ሕቶታት እንተ ሓቲቱኒ እንታይ እየ ዝገብር?

ብዛዕባ ኢቲ ጥርዓን ክትሕብር በጃኻ ምስ ካሪታስ ተራኽብ። እንተ ኺኢልካ ስም ኢቲ ዓንጻሩ ጥርዓን ዘሎካ ቃል-መጠይቕ ዚገብረለይ/ዳታ ዝእክብ ኣቕሪብ።

እቲ ቃል-መጠይቕ ዚገብረለይ/ዳታ ዝእክብ ሰብ ኣብቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝርዝር ምእንቲ ክእትወኒ ገንዘብ ወይ ካልእ ተወሳኺ ኣገልግሎት እንተ ሓቲቱኒ እንታይ እየ ዝገብር?

ዩ ኤን እትህቦ ኣገልግሎት ብናጻ ኢዩ፣ ን ቃለ-መጠይቕ ገንዝብ ኣይትኽፈል ብኡንብኡ ኻኣ ናብ ናይ ዩ ኤን መስመር ሓበሬታ ደዊልካ ሓብር።

ምስ ዝኾነ ይኩን ኣገልግሎት ከም ዚህብ ወይ ከም ዘቃላጥፍ ዚዛረብ ሰብ ውዕል ከይትገብር ንምሕጸናካ፣ ንቲ ኩነታት ከም ምትላል ጌርካ ኣብዚ ኢማአይል ሓብር [email protected]

ክንደይ ክምዝቕበል ብኸመይ ክፋልጥ እኽእል?

ዩ ኤን ክንደይ ከምእትቕበል እትሕብር መልእኽቲ ክትሰደልካ ኢያ።

እታ ዝቕበላ ዝነበርኩ ናይ ገንዘብ ደገፍ ስለምንታይ ወሲኻ/ጎዲላ?

ዪ ኤን ንኣሰራርሓ ስድራ ቤትካ ኣብ ግምት ብምእታው ብገንዘብ ትሕግዘካ፣ ኢቲ እትረኽቦ መጠን ኪቕየር ይኽእል ብሰንኪ ኣብ ኣሳራርሓ ስድራቤትካ ዚርአ ለውጥታት ወይ ከኣ ብሰንኪ እቲ ዩ ኤን እትረኽቦ ምወላ።

ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ናይ ገንዘብ ደገፍ ክረክብ?

ናይ ገንዘብ ደገፍ ንዝተወሰን እዋን (ክስዕ ሓደ ዓመት) ጥራይ ኢዩ ዝዋሀብ፣ ኣብ ምቕጻል ኢቲ ጸገምን ን ኣብ ዩ ኤን እተረኽቦ ምወላ ተመርኪሱ ኻኣ ክሕደስ ይኽእል፣ ዩ ኤን ናይ ገንዘብ ደገፍ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዚቕጽል ዚሕብር መልእኽቲ ናብ በቲ ፋይልካ ዝትመዝገበ ቁጽሪ ተሌፎንካ ክትሰዲድ ኢያ።

ናይ ገንዘብ ሓጋዛተይ መዓስ ከምዘብቕዕ ብኸምይ ክፈልጥ እኽእል?

ዩ ኤን በቲ ኣብ ፈይልካ ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎካ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እትወስደሉ ግዜ ዝሕብር መልእኽቲ ክትሰደልካ ኢያ፣ ኢቲ ሓገዝ ብሃንደበት እንተ ኣቓሪጹልካ እሞ ኣብ መወዳእታ ዕለት ሓገዝካ ብሞባይል ምልእኽቲ  እንተ ዘይተቐቢልካ በጃኻ ምስ ካሪታስ ተራኸብ.

ዝተዋሃበኒ ናይ ገንዘብ ደገፍ ካበይ ኢየ ዝቕበሎ?

ካብ ዝኾነ ኣብ ግብጺ ዚርከብ ቤት ጽሕፈታት ጶስጣ ናይ ገንዘብ ደገፍካ ኸትሪከብ ትኽእል ኢኻ። ብናይ ዓይኒ ስካን ኣቢልካ ጥረ ገንዘብ  ከምእትቕበል ኣንተ ተሓቢርካ፣ ናብ ናይ ዓይኒ ስካን ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ጵስጣ ኽትከይድ ክትሕተት እኻ፣ ኣብ ጥቃ እቲ እተመዝገብ ኣድራሻኻ ዝርከብ ናይ ዓይኒ ስካን ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ዝሕብር መልእኽቲ ክስደደልካ ኢዩ፣ ናይ ዓይኒ ስካን ዘለዎ ዝርዝር ናይ ቤት ጽሕፈታት ጶስጣ ኣብዚ ሊንክ ኽትረኽቦ ትኽእል።

ከመይ ጌረ ኢየ ዝፈልጥ ንቲ ገንዘብ ብናይ ዓይኒ ስካን ኢየ ዝቅበሎ ወይስ ብናይ ዩ ኤን ካርድ?

ኢዚ ሓበሬታ ኣብቲ ካብ ዩ ኤን ዝተሰደደትልካ ሓጻር መልእኽቲ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ብናይ ዓይኒ ስካን ክትቅብበሎ እንተ ኼንካ ኣብቲ መልእኽቲ ክንጸረልካ ኢዩ፣ ከምኡ ውን ዝርዝር ናይ ዓይኒ ስካን ዘለወን ቤት ጽሕፈታት ጶስጣ ዝሓዘለት ሊንክ ኣብታ ሓጻር መልእኽቲ ክስደደልካ ኢያ።

ብዓንጻሩ፣ ብናይ ዓይኒ ስካን ክትወስዶ ከምሙኻንካ ኣብታ መልእኽቲ እንተ ዘይተሓቢርካ ግን ንቲ ናይ ደገፍ ገንዘብ ካብ ዝኾነ ናይ ግብጺ ጶስጣ ኣብዝኾነ ቦታ የሃሎ በቲ ናይ ዩ ኤን ካርድኻ ክተውጾኦ ትኽእል ኢኻ፣ ወላ ዕለቱ ወዲቑ ከሎ።

እታ እትቕበላ ሓጻር መልእኽቲ ከምዚ ትመስል።

ብናይ ዓይኒ ስካን እትወስዶ ገንዝብ።

[NAME][Case ID] ካብ [EPO] ብናይ ዓይኒ ስካን ብምግባር ናይ ገንዘብ ሓገዝ [VALUE] ክረክብ ኢዩ፣ [መወዳእታ ናይ ምቅባል ዕለት]፣ ናይ ዓይኒ ስክን ዘለዎ ዝቃረበ ናይ ገብጺ ጶስጣ ኦፍስ ክትረክብ ናብ [URL] ርአ።

ብካርድ እትወስዶ ገንዘብ፡

[NAME][Case ID] ካብ [EPO] ናይ ገንዘብ ሓገዝ [VALUE] ክረክብ ኢዩ፣ [መወዳእታ ናይ ምቅባል ዕለት]፣ ዝቃረበ ጶስጣ ኦፍስ ክትረክብ ናብ [URL] ርአ።

ብናይ ዓይኒ ስካን ኣቢልካ ሓገዝ ክትቅበል ምኻንካ ርግጸኛ እንተ ዘይኬንካ በጃኻ ምስት ናይ ኤን ማሻርኽቲ  ካሪታስ ናይ ኣገልግሎት ተሌፎን ትራኸብ እሞ ኣድላይ ሓበሬታ ክትዋሀብ ኢኻ።

ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምቕባል ኣብ ጶስጣ ኦፍስ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ሓንቲ ካብዚአን ክትሕተት ኢኻ-

ሀ-ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ኦፊስ ዘሎ ካሽየር ማንነትካ/ናይ ዩ ኤን ካርድኻ ኣርኢዮ፣ ጶስጣ ኦፊስ ብወገኑ ስእልኻን ሽምካን ቁጽሪ ፋይልካን ከራጋግጽ ኢዩ፣ ብድሕሪኡ ገንዘብካ ክትቕበል ኢኻ። ኢዚ መስረሕ ኣብ ኩለን ኣብያት ጽሕፈታት ጵስጣ ሓደ ዓይንት ኢዩ።

ወይ

ለ-ናብታ ኣብቲ ጶስጣ ኦፊስ ዘላ ናይ ዓይኒ ስካን ማሽን ብዓንኻ ኣረጋግጽ፣ ናይ ዓይንኻ ስእሊ ምስቲ ናይ ዩ ኤን መዝገብ ኢንታ ተሳማሚዑ ንታ ናይ ገንዝብ ሓገዝ ክትወስዳ ኢኻ፣ ናይ ዩ ኤን ካርድኻ ምርኣይ ኣድላዪ ኣይኮንን።

በጃኻ ንታ ናይ ዓይኒ ስካን ማሽን ኣብ ማዕረ ሌቨል ምስታ ኣዕንተኻ ከምዛላ ኣረጋግጽ፣ ንታሕቲ ኣይቲጠምት፣ ብቀጣታ ንታ ማሽን ትጥምት ከምኡ ውን ኣብ ግዜ ኢቲ መስረሕ ኣዒንተኻ ሙሉእ ብሙሉእ ተኽፊተን ከምዘለዋ ኣራጋግጽ፣ ኢዚ ኻኣ ምእንቲ ንውሕስነት ጉቡእ ናይ ዓይኒ ስንብራት ምልላይ ኢዩ።

ናብ ጶስጣ ኦፊስ ምስ ኸድኩ መልእኽቲ መጺኡኒ ከሎ - ሓገዝ ከምዘይቕበል ታሓቢረ።

በጃኻትኩም ሓበሬታ ኢታ ሓጻር መልእኽቲ ብጉቢእ ተኽትሉዎ፣ ንዘን ነጥቢታት ኻኣ ዘኩሩ፡

  • ምናልባት ኢቲ ኣብታ መልእኽቲ ተነጺሩ ዘሎ ቃንዲ ዋና ቑጽሪ ፋይል ጥራይ ኢዩ ዝቕበላ ንታ ሓገዝ፣ ኣብ ክንዲ ኢቲ ቃንዲ ኣቅራቢ ጣለብ ንታ ገንዘብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ክቕበላ ኣይኽእልን ይኸውን
  • ንታ ሓገዝ ቅድሚ ኢቲ ናይ መወዳእታ ዕለተ ምውዳቓ ትቕበላ ከምዘለኻ ኣረጋግጽ።
  • ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ፣ ናይ ዓይኒ ስካን ማሽን ኣብ ማዕረ ሌቨል ምስታ ኣዕንተኻ ከምዛላን ኣዒንተኻ ሙሉእ ብሙሉእ ተኽፊተን ከምዘለዋን ብቀጣታ ንታ ማሽን ትጥምት ከምዘለኻን ኣረጋግጽ።
  • ናብ ዝተፈላለየ ናይ ዓይኒ ስካን ዘለወን ቤት ጽሕፈታት ጶስጣ ኺድ።
  • ኢዚ ኹሉ ጌርካ ኢቲ ጉዳይ ምስ ዘይ ፍታሕ በጃኻ ናብ ኻሪታስ ደዊልካ ንቲ ሰራሓተንያ ግለጸሉ፣ ኢቲ ሰራሕተንያ ብወገኑ ብዛዕባ ኢቲ ጉዳይ ምሳኻ ተዛቲዩ ምኽሪታት ከቕሪበልካ ኢዩ።

ንዚ ኹሉ ድሕሪ ምስዓብካ ኢቲ ጸገም ኢንተዘተፈቲሑ በጃኻ ኢቲ ጥርዓንካ ኣብቲ ስርዓት ንምምዝጋብ ምስ መስመር ካርታስ ንማሰረታውያን ጻጋማት ተራኸብ። ኢዚ ኣዚዩ ኣጋዳሲ ስጉምቲ ኢዩ፣ ቃንዲ ጸገምካ ናብ መስመር ካርታስ ንማሰረታውያን ጻጋማት ኢንተ ዘይ ኣቕሪብካዮ፣ ዩ ኤን ንዚ ጸገም ኢዚ ብውጽኢታዊ መንገዲ ክትፈትሖ ኣይትኽእልን ኢያ።

ሓደ ኣማኻሪ ካብ ካርታስ ብዛዕባ ኢቲ ጸገም ኪመያየጥ ኢዩ፣ ጸገምካ ንኽትፋተሕ ክሕግዘካ ኢዩ፣ ከምኡውን ጥርዓንካ ኣብቲ ስርዓት ኪምዝገብ ኢዩ። ኢዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጣቅሰ ስጉምቲታት ብጉቡእ ከምዚሳዓብካዮ ኢንተ ተራጋጊጹ ዩ ኤን ንቲ ናይ ጥረ ገንዝብ ሓገዝ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ምቕባል ዕለት ኢንደገና ንኽትቕበሎ ክትመልሶ ኢያ። ንቲ ገንዘብ መዓስን ካበይን ብኽመይን ክተውጾኦ ከምኢትኽእ ዝትሕብር ሓጻር መልእኽቲ ክትስደደልካ ኢያ።

ኩሉ ኢቲ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኤን ዝቀርብ ጥርዓን፣ ብካርታስ ንማሳራታውያን ጸጋማት ክምዝገብ ከምዝለዎ ኣስትውዕል። ኣብያተ ጽሕፈታት ኤን ኣይምዝገብን ኢዩ።

ህጹጽ ነገር ስለ ዝለኒ ኣብታ መልእኽቲ ዝተቐበልኩላ መዓልቲ ንታ ሓገዝ ንምቕባል ናብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ክኸይድ ኣይክእልን ኢየ፣ ኢንታይ ኢየ ዝገብር?

ዩ ኤን ንስደተንያታትን ንቶም ዑቕባ ዝደልዩ ስባትን ንቲ ሓገዝ ንምቕባል እኹል ግዜ ክትህቦም ትህንጠ ኢያ። ስለዚ ዩ ኤን መብዛሕቲኡ ግዜ ንቲ ምቕባል ዝግበረሉ እዋን ንልዕሊ 15 መዓልቲ የናውሖ፣ ክሳብ ናብ ኣብ ናይ ቁሪ ዝዋሀብ ሓገዝ ድማ ይናውሖ። ዩ ኤን ንቶም ክዋሃቡ ዝተወስውነሎም ስደተኛታትን ዕቕባ ዝደልዩ ሰባትን ሓጻር መልእኽቲ ሰዲዳ ክትሕብሮም ኢያ፣ ስለዚ ቅድሚ ኢቲ ናይ መውዳእታ ዕለተ ምቕባል ናብ ዝቐረበ ጵስጣ ኦፊስ ኬድኩም ክትቕበሉዋ ይግባእ።

ናብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ኸይደ ብናይ ዓይኒ ስካን ገንዘብ ንኽቕበል ዝትሕብር ሓጻር መልእኽቲ መጺኣቲኒ፣ ኢንተኾነ ግን ኣብ ዓይነይ ሕማም ኣሎኒ፣ ኢንታይ ክገብር ኣለኒ።

ናይ ምርኣይ ጸገም ኢንተ ሃሊዩካ ከም ካታራክት ወይ ካልእ ናብ ናይ ዓይኒ ስካን ዘይምልላይ ከምራሓካ ዝኽእል ናይ ዓይኒ ሕማም፣ በጃኻ ኢቲ ጸገም ንመሻርኽቲ ዩ ኤን ካሪታስ ከምዝሓበርካዮ ኣረጋግጽ፣ ብኡመጠን ንቲ ሓገዝ እትቕበለሎ መንገዲ ክዕረ ኢዩ፣ በቲ ሓዲሽ ናይቲ ሓገዝ ምቕባል ግዜ እትሕብር ሓጻር መልእኽቲ ክትመጽኣካ ኢያ፣ምኢንቲ ብናይ ዩ ኤን ካርድ ጌርካ ክተውጾኦ።

ናይ ገንዘብ ደገፍ ክቕበል ዝግቦኦ መን ኢዩ?

ከምቲ ምስ ዩ ኤን ተመዝጊቡ ዘሎ ኢቲ ቃንዲ ኣቅራቢ ጠለብ ብሽም ኩላ ስድራ ቤት ንቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክቕበሎ ይኽእል፣ ርእሲ ኢታ ስድራ ቤት ንሓድ ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ተመዝጊቦም ዘሪከቡ ኣብ ክንዱኡ ንቲ ሓገዝ ኪቕበል እንተዘይወሲኑ/ና ።  ኣብ ፋይልካ ዘሎ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኒቲ ሓገዝ ክቕበል ምእንቲ ክተፍቕደሉ በጃኻ ምስ ካሪታስ ተራኸብ እሞ ኒቲ ናይ ፍቓድ ፎርም መሊእኻ ፈሪመሉ።

ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ ቤተይ [ወዲ/ ሓዊ/ ሰበይቲ/ሰብኣይ] ንታ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክቕበለለይ ይደሊ ኣለኹ፣ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

በቲ ጠለብካ ክትሕብሮም ናብ ካሪታስ ክትድወል ይገባእ። መታን ካልእ ከምቲ ቁጽሪ ፋይልካ ዘለዎ ስብ ንታ ብሽምካ ዘላ ናይ ገንዝብ ደግፍ ንኽቕበለልካ ክትመርጽ፣ ፍቓደንያ ሙኻንካ ዝሕብር ፎርም ንኽትመልእ ትሕተት ትኽውን። ኣዚ መስረሕ ምእንቲ መሰልካ ንኽሕሎ ከምተገብረ ክትርዳእ ኣልካ፣ ስለዚ ምትሕብባርካ ክድልየና ኢዩ።

ምስ በዓል/ቲ ቤተይ እንተ ተባኢሰ ብዛዕባ ምምቕቓል ኢቲ ገንዘብ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኢቲ ቃንዲ ተጠቅሚ ዝቕበላ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ወላካ ኩሎም ስድራቤት ንኽጥቐሙላ ዕላም የሃሉዋ፣ ዩ ኤን መን ዩ ዋና ስድራን መን ዩ ኣብ ክንዱኡ ንታ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝቕባል ንኽትውስን ኣብ መንጎ ባእስን/ፍልልያትን ናይ ሓንቲ ስድራቤት ኣይተኣቱን ኢያ። ንሕና ከም ሓንቲ ስድራ ብሓንሳእ ኬንኩም ክትጥቕሙላን ንፍልልያትኩም ፍታሕ ክተናዱን ነተባብዓኩም።

ኣብ ቁጽሪ ኢታ ስድራ ዝኾነ ለውጢ እንተ ኣግጢሙ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

በጃኻ ን ዩ ኤን በቲ ለውጢ ሓቢራ፣ ብኡ መሰረት ዩ ኤን መታን ኢቲ ጥዑይ ናይ ስድራቤትካ ለውጢ ንመሰረታዊ  ዳታኻ ብጥዑይ መንገዲ ከምዝጸልዎ ንኸራጋግጽ ናይ ምዝገባ ቖጻራ ክዋሃበካ/ኪ ኢዩ።

ንታ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኽቕበል መልእኽቲ ኣይመጽኣንን ኢዩ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ምስ ዝኸይድ ግን ሽመይ ኣብቲ ዝርዝር ይጸንሓኒ፣ ስሌምንታይ?

እቲ እንኮ ማራኸቢ ኣብ መንጎኻን መንጎ ዩ ኤንን ዘሎ፣ እተን በቲ ን ዩ ኤን ዝሃብካዮ ቁጽሪ ተሌፎንካ ዝስደዳ ሓጸርቲ መልአኽቲታት ጥራይ ኢየን፣ ስለዚ በጃኻ/ኺ ናይ መራኸቢ ኣድራሻኻ/ኺ ምስ ክፍሊ ምዝገባ ዩ ኤን ወይ ናብ መስመር ሓበሬታ ኤን ደዊልካ/ የሐድሶ።

ግዜ ምቕባል ኢታ ሓገዝ ሓሊፉኒ፣ ዩ ኤን ንቲ ገንዘብ ክትሰደለይ ትኽእል ዶ?

ኣይፋል፣ ምኽኒያቱ ኢታ ሓገዝ ኣብ ጶስጣ ኦፊስ ክሳብ ኢቲ ናይ መወዳእታ ዘሎ ናይ ምቕባል ግዜ ጥራይ ኢያ ትጻንሕ።

ኢታ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ቅድሚ ኢቲ ኣብታ ሓጻር መልእኽቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ምወዳእታ ቖጻራ ትቕበላ ከምዘለኻ ኣረጋግጽ፣ ምኽኒያቱ ዩ ኤን ድሕሪ ኢቲ ናይ መወዳእታ ቖጸራ ምቕባል ንታ ናይ ሓገዝ ገንዝብ ትመልሳ።

ኣብ ምቕባል ኢታ ናይ ገንዝብ ደገፍ ሽግር ኢንተ ኣጋጥሙኒ ምስ መን ኢያ ዝራኸብ።

ዝኾነ ሽግር ምስ ዘጋጥመካ በጀኻ ናብ ናይ መሰረታውያን ድሌታት መስምር ሓበሬታ ካሪታስ ደውል፣ ኣማኸርቲ ካሪታስ ኣድላይ ምኽሪታት ክህቡኻ/ኺ ኢዩም፣ ንቲ ሽግር ንምፍታሕ ኻኣ ዝድለ ስጉምቲታት ክወስዱ ኢዩም። ኢዚ ኽንብል ከለና ግን መታን ንታ ሽገር ኣለሊና ኣብ ግዜኣ ክንፈትሓ ቃልቲፍኩም ቅድሚ ኢቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ናይ ምቕባል በታ ሽግርኩም ክትሕቡሩና ይግባእ። ናብ ናይ መሰረታውያን ድሌታት መስምር ሓበሬታ ካሪታስ ደውልካ/ኪ በቲ ቃንዲ ሽግር ኢንተ ዘይሓቢርካዩም ግን፣ ዩ ኤን ንታ ሽግር ብጉቡእ መንገዲ ክትፈትሓ ኣይትኽእልን ኢያ።

በቲ ዝተገብረ ውሳኔታትን ክምይ ጌርካ ንታ ሓገዝ ክምትቕበላን እትሕብር ሓጽር መልእኽቲ ካብ ዩ ኤን ብቐጣታ ክትስደደልካ/ኪ ኢያ (ምእንቲ ምኽቲታል ካረታስ ወን ትድውለልካ/ኪ ትኸውን)። ስለዚ ቁጽሪ ትሌፎን ኣብ መዛገብቲ ዩ ኤን ተሓዲሱ ከምዘሎ ክተረጋግጽ ኣጋዳሲ ኢዩ።

ኢቲ ኣብ ክንዳይ ንታ ገንዘበይ ንኽቕበለለይ ዝመረጽኩዎ ሰብ ንታ ገንዘብ ምሃብ ኣቢዩኒ፣ እንታ ክገብር ኣለኒ?

ምእንቲ ንቲ ዝመረጽካዮ ሰብ ሰሪዝካ/ኣሊኻ ካልእ ንታ ገንዘብ ዝቕበለልካ ሰብ ንኽትመርጽ ናብ ክሪታስ ጠለብ ክተቕርብ ትኽእል። ንቲ ጠለብካ መጽናዕቲ ተገይሩሉ ሃናጺ ዝኾነ ውሳነ ክውሰደሉ ኢዩ።

ንታ ናይ ገንዘብ ደገፍ ምስዘይቕበላ እንታይ ይጋጥም?

ኢታ ናይ ገንዘብ ደገፍ ክትቕበላ ኢንተ ዘይትኽእል፣ ኣብ ምቕባል ኢታ ደገፍ ዝኾነ ጸገም የጋኒፈካ ከይህሉ ንኽንፈልጥ ካብ ዩ ኤን ወይ ካብ ሓደ መሻሪኽታ ደዊሎም ከሓቱኻ ኢዮም፣ ንታ ናይ ገንዘብ ደገፍ ንሰለስቲ ትኻታታሊ ግዜ ኢንተ ዘይተቐቢልካያ፣ ፋይልካ ካብ ዝርዝር ናይ ገንዘብ ደግፍ ተኣሊዩ ብ ካልኦት ኣዚዩም ጽጉማት ዝኾኑ ስድራ ክትካእ ኢዩ።

ካብ ምቕባል ኢታ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝዓግተካ ጸገም ምስዘጛንፈካ ናብ መስምር ሓበሬታ ካሪታስ ከምዝደወልካ ክተራጋግጽ ይግባእ።

ካብ ሓንቲ ትካል ተደዊሉለይ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ (ሓገዘይ) ሕቶታት ኣቕሪቦምለይ፣ ኢዚ ኖርማል ዲዩ? ክምልስ ይግበኣኒ ወይ ዕቓቤታት ከርኢ ኣለኒ።

ዩ ኤን ብ “SAGACI” ዚበሃል ኽብረቱ ዘለዎ ናይ ምኽትታል ወጻእተኛ ኩባንያ ጌራ ብዛዕባቲ ናይ ገንዘብ ደገፍ ርኢቶ ንምእካብ በብእዋኑ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝወስዱ ጉጅለ ስደተኛታት ራንደምሊ ትመርጽ ኢያ።

ብግልጺ ክትምልሱሎም ይግባእ ምኽኒያቱ ኢዚኣቶም ን ዩ ኤንን መሻርኽታን ንቶም ስደተኛታት ዝህብዎ ኣገልግሎተ ንኽመሕያይሻ ይሕግዝዎም። ኢዚ ናይ ርኢቶ ምእካብ ሕቶታት ኣብ ናይ ገንዘብ ደገፍ ጉቡእኻ ዝኾነ ጽልዋ ይቡሉን፣ ኩሉ መጽናዕቲታት ምቑጽጻር ኣማራጺ ስለ ዝኾነ ንደገፍካ ኣይትንክፎን ኢዩ። ኢቲ ንስኻ ትህቦ ርኢቶ ኻኣ ብምሉእ ምስጢር ክታሐዝ ኢዩ።

ሰራሕተኛታት SAGACI ኢዚኦም ዝስዕቡ ቁጽሪ ተሌፎናት ክጥቀሙ ኢዮም፣ ዝድውለልኩም ስብ ዝኾነ ካብዚአን ቁጽሪታት ምስዚጥቅም ጥራሕ ክትትሓባበሪዎ ንላበወኩም

01101447053 – 01110464504 – 01015435263 – 01098684165 – 01101447051

01101447083 – 01101447052 – 01015815687 – 01020649547 – 01112139489 – 0110103627

ካብ ዪ ኤን ናይ ገንዘብ ድገፍ ይቕበል የለኹን ወላ ንቲ ምኽኒያት ውን ኣይፈልጦን ኢየ፣ ኢንታይ ክገብር ኣለኒ?

ዩ ኤን ሓበሬታ ናይቶም ኣብ ገብጺ ዝተመዝገቡ ስድራቤታት ብቓጻሊ ትምርምሮ ኢያ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ዲማ ኣብቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ተመርኪሰን ሓያሎ ስድራቤታት ጥረ ገንዘብ ንምርካብ ይምደባ ወይ ይምለሳ ኢየን። ድሕሪ ኢቲ ናይ መወዳእታ ግምጋማ/ቃለ-መጣይቕ (ንኣብነት ምንጪ ኣታዊኻ ምስ ትሽእን) ኣብ ውሽጢ ሰልስተ ወርሒ ኩነታትካ ኣጸቢቁ ኢንተ ተቀዪሩ በጃኻ ቆጻራ ንምሓዝ ናብ ካሪታስ ደዊልካ በቲ ምኽኒያት ሓቢሮም። ዩ ኤን ንቲ ጠለብካ ኢንደ ገና ክተራጋግጾ ኢያ፣ ከምኡውን ካሪታስ ካልእ ቃለ-መጠይቕ ንምግባር ትድውለልካ ትኸውን።

ካብቲ ናይ ገንዘብ ደግፍ ዝርዝር ንምውጻአይ ዝተገብረ ውሳነ ቕኑዕ ኣይመስለንን ኢዩ፣ ክማጎት እደሊ ኣለኹ።

ዩ ኤን ሓበሬታ ናይቶም ኣብ ገብጺ ዝተመዝገቡ ስድራቤታት ብቓጻሊ ትምርምሮ ኢያ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ዲማ ኣብቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ተመርኪሰን ሓያሎ ስድራቤታት ጥረ ገንዘብ ንምርካብ ይምደባ ወይ ይምለሳ ኢየን። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጹጉማት ናይ ገንዘብ ደገፍ ከምዝግባኣካ ንኽትእምን ዝሕግዘካ ብቑዕ ምኽንያታት ኢንተ ሃልዩካ በጃኻ ናብ ካርታስ ደዊልካ ዓንጻር ኢቲ ውሳነ ይግባይ ንምባል ቖጻራ ሓዝ። ዩ ኤን ንቲ ጠለብካ ኢንደ ገና ክተራጋግጾ ኢያ፣ ፋይልካ እንደገና ኣብቲ ናይ ገንዘብ ድገፍ እንተ ተመዲቡ ዩ ኤን ሓጻር መልእኽቲ ክትሰደልካ ኢያ።

ምስ ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን/ካሪታስን ብዛዕባ ኢታ ዝወስዳ ዝነበርኩ ናይ ገንዘብ ደጋፍ ተዛራሪበ ግን ዘይኡሩማት ኔሮም ምሳይ? ኢንታይ ክገብር ?

ዝኾነ ካብቶም ኣብ ሰብኣውያን ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ግዜ ምምይያትኩም ብሞያዊ ኣጋባብ ዘይዛርብ ምሳኻ ክምዘሎ ኢንተ ኣሚንካ፣ ሓደ ካብዝአን መስሪሒታት ክትኽተል ትኽእል/ሊ።

  • ሀ- ብዛዕባ ኢቲ ጉዳይ ንምምይያጥ ናይ ምኽሪ ቃለ-መሕተት ጥለብ
  • ለ- ጥርዓንካ ብጽሑፍ ኣቅሪብካ ኣብ ናይ ዩ ኤን ሰናዱቕ ጥርዓናት ይእቲዎ
  • ሰ- ናይ ዩ ኤን ሰራሕተኛታት ምኽሪታት ንኽህቡ ኣብቲ ከባቢኻ ዑደት ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ጥርዓንካ ብጽሑፍ ኣቅሪበሎም
  • ሐ- ንታ ጥርዓንካ ናብዚ ኢመይል ስዳዳ/ያ፡ [email protected]

 ሰዳዲኣ ዘይተፋልጠ ጥርዓን ፍታሕ ኣይግበረላን ኢዩ፣ ስለዚ ስምካን ቁጽሪ ፋይልካን መራኸቢኻን ክትሕብር ይግባእ፣ ብዘይ ፍቓድካ ማንነትካ ከምዘይከፋፈል ኣረጋግጽ፣ ከምኡ ውን ጥርዓንካ ንቲ ትወስዶ ዘለኻ ሓግዝ ብዝኾነ መልክዕ ከምዘይ ጻልዎ ኣራጋግጽ፣ ኢዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሜላታ – ምስ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛታት ዩ ኤን ወይ ካርታስ ዚተሓሓዝ ጥርዓን ኢንተ ሃልዩካ ጥራይ ትጥቐመሉ፣ ን ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ደገፍ ወይ ሓበሬታ ንምፍላጥ ዚምልከት ሕቶታት ከምዘይኮነ ኣስተውዕል።

ንቫይረሰ ኮሮና ኣብ ግምት ብ ምታው እቲ ቓለመጠይቕ ዚወሃበሉ መገዲ ለውጢ ኣሎዎዶ?

ንድሕነትን  ንምጥንቃቕን  ከምኡውን  ነቲ  ናይ  ምምሕልላፍ  ቫይረስ ኮሮና ንምቕናስ ቃለ-መጠይቓት ብተሌፎን   ኪግበር   እዩ። ኣብ ኣዝዩ  ውሱን መዳያት  ኣብቲ  ቐንዲ  ቤት  ጽሕፈት  ካሪታስ  ቃለ-መጠይቓት   ኪግበር  ይካአል እዩ።

ኣነ ሒዘዮ ዘለኹ ናይ ዩ ኤን ሰነዳት ስለዝኣብቐዕ ኣብዚ እዋን እዚ ክሐድሶ ኣይክእልን እየ ዘለኹ፣ ዘይጠቅም ሰነዳት ክይ ኮውን ይፈርሕ እየ፣ እንታይ እየ ክገብር?

እቲ  ፋይል  ክሳዕ  ዘይተዓጽወ  ወይ  ዘይተገደፈ ግዜኡ ዝሓለፈ ሰነዳት UN ቁቡል ኮይኑ ኢዩ ዝተሪፍ፣ዚኾነ ጸገም ኢንተዳኣ ኣጋኒፉካ ግን በቲ  ናይ  ሓበሬታ  መስመር ወይ ብ  [email protected]   ኣቢልካ ን UN ቃልጢፍካ ሓብር።

ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ዝግበረሉ ክፍልታት ነቲ ናይ ምምሕልላፍ ሕማም ንምቅላል አንታይ ዝመሰለ ናይ ጥዕናን ድሕነትን ስጕምትታትን ኢዩ ዝውሰድ?¬ ¬¬¬¬¬

  1. ኣብቲ መቀበሊ ጋሻ ቦታታት ጸረ ነፍሳት ተነስኒሱዎ ኣሎ።
  2. እቲ እንጥቀመሉ ቦታ  ኣብ  መወዳእታ  ነፍሲ  ወከፍ  መዓልቲ ጸረ ነፍሳት  ብስርዓት ይግበረሉ ።
  3. ንሰራሕተኛታትን ተርጐምትን ሓለውትን ቃለ – መጠይቕ ንምግባር ናይ መከላኸሊ መሳርሒታት ይወሃብ ኢዩ ።
  4. ኵሎም እቶም ናብ  ቤት  ጽሕፈት  ዚኸዱ  ሰባት  ናይ  ገጽ ማስኬራ  ክገብሩ  ኣለዎም ። ማስኬራ ዘይገብሩ  ሰባት  ናብቲ  ህንጻ ክኣትዉ  ኣይክእሉን  ኢዮም።
  5. ግዴታዊ መርመራ ሙቖት ኣብ ኣፍ ደጌታት UN ንዘኣቱ ሰራሕተኛታትን ን ስደታኛታት ይግበር።
  6. ምስ  ኣተሓሕዛ ሰነዳት ኵሉ  ኣድላዪ ጥንቃቐታት  እዩ ዚግበር።

ነቲ ምስ ካሪታስ ዝገበር ክዎ ናይ ተሌፎን ቃለ መጠይቕ ዝኸውን ናይ ምልክት (ሲግናል) ኣፕሊኬሽን ከውርድ ተሓቲተ፣ እዛ ኣፕሊኬሽን እዚኣ እንታይ እያ።

ኣፕሊኬሽን ሲግናል  ልክዕ ከም ዋትስኣፕ ቴለግራም ወይ ማሲንጀር ናይ መልእኽትታት ኣፕሊኬሽን ኢዩ እንተዀነ ግን ዘተኣማምን ኣፕሊኬሽን ኢዩ።

ነዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ብኸመይ ገየረ ክጥቀመሉ የኽእል?

  1. ናብ playstore ኣብ ኣንድሮይድ ወይ ኻኣ appstore ኣብ ኣይፎን ስግናል ኣፕሊኬሽን ድለ።
  2. ነቲ ኣብ ስማርትፎንካ ዘሎ ናይ ሲግናል ኣፕሊኬሽን ኣውርድ ተሌፎንካ ( iOS 10.0+ ወይ ኣንድሮይድ 4.4+) ክትጥቀም ኣለዋ።
  3. ቍጽሪ ተሌፎን እቲ ኽትዛረበሉ እትደሊ ሰብ ክትፈልጥ ኣሎካ።
  4. እዚ ሰብ እዚ ናይ ሲግናል ኣካውንት(ሕሳብ) ክህልዎ ኣለዎ ።
  5. ክልቲኡ ተሌፎናት ንጡፍ መርበብ ሓበሬታ(ኢንተርኔት) የድልዮ ።

ነዚ ስጕምትታት እዚ ኽትስዕብ እንተ ዘይክኢልካ እቲ ሰራሕተኛ ቕድሚ እቲ ቓለ መጠይቕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ኣፕሊኬሽን ሲግናል ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ በጃኻ ነዚ ሊንክ እዚ ርአ፦ https://support.signal.org/hc/en-us

ካብ ርሑቕ (ብተሌፎን) ቃለ መጠይቕ ክገብር ክለኹ ነቲ ዚድለ ሰነዳት ብኸመይ ክሰድዶ የኽእል?

እቲ ዜድሊ ሰነዳት በቲ ናይ ሲግናል ኣፕሊኬሽን ኣቢሉ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ ። ኣብ ኣዝዩ ውሱን ኵነታት ኩሉ ኣድላዪ ጥንቃቐታት እንኮላይ ማስኬራን ናይ ኢድ ጋንትን ጌርካ ሰነዳት ብኢድ ኪብጸሕ ይከኣል እዩ ።

እቲ ቐዳምነት ዚወሃቦ ጕዳያት እንታይ እዩ?

  1. ኣብ ቅድሚ ኮሮና /COVID-19 ዝተመደበ ጕዳያት።
  2. ቀደም ዝተርጋገጸ ጉዳያት ብመንገዲ UN ውይ ን ባድጄታዊ ሓገዝ ውይ ኻኣ ኩነታት ን ምግምጋም።
  3. ሓድሽ ገምጋም ዜድልዮ ጕዳያት ብ 2019/20 ገምጋም ዘይተገብረሉ።
  4. እቲ ናይ ገንዘብ ረድኤት ውሳነኦም ናብ ምዝዛሙ ዝቐረበ ጕዳያት ።

ከመይ ዘመሰለ ጉዳያት ኢዩ ናይ ገንዘብ ረድኤት ዝረኽበሉ?

እዚኣን  ዚስዕባ  ጕዳያት ኢንተለካ ናይ ገንዘብ ረድኤት ክትዋሃብ ኣይትኽእልን ኢኻ ፦

  1. ኣብ UN ፋይልካ ባዕልኻ እንት ዳኣ ዓጺኻ።
  2. ኣብ መስርሕ ዘይላዋ ፋይላት ወይ ኻኣ ብ UN ዝተዓጸወ ፋይላት።
  3. ብዘይ ገለ ምኽንያት ንሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ደገፍ እንተ ዘይ ተቀበለ።