ገንዘባዊ ሓገዛት

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ገዘባዊ ሓገዝ ምትእትታው፡ ንብጣዕሚ ዝተወጽዑ፡ መሰርታዊ ነገራት፡ ድሕነት፡ ሓገዝን ኣገልግሎትን ንምርካብ፡ ደገፍ ንምሃብ ዝተባህሌ እዩ። ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ነቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት፡ ዝተፈላለየ ነገራት ከም መግቢ፡ ማይ፡ ጥዕናዊ ክንክን ገዛ፡ ንመነባብርኦም ከመሓይሹ ይሕግዝ እዩ።

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ እንታይ ዓይነት ቀጥታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ ክህብ ዝኽእል?

ንዝተፈላለየ ዕላማ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ፦ ንመሰረታዊ ድሌታት ዝኸውን ገንዘብ፡ ኣብ ክክልቴ ወርሒ ወይ ሕእንሳብ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ፡ ነቶም ኣዝዮም ውጹዓት ዝኾኑ ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝቐርብ ምዃኑ፡ ውጽኢት ገምጋም ውጹዕነት ይሕብር።
ካልእ ገንዘባዊ ሓገዝ፦ ከም ንመነባብሮን ትምህርትን ዘኣመሰሉ ዝኸውን ገንዘብ፡ ብይ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣርን ካልኦት ዝምልከቶም መሻረኽትን (ከም ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረድኤት ወይ ሲ.ኣር.ኤስ) ዝትግበር ጽላታዊ መዐቀኒታት ንምኽታል ንሓዴ እዋን ይቐርቡ እዮም።

እቲ ንዝተፈላለየ ዕላማ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ኣብ ዝተወሰኔ ናይ ብቑዕነት መዐቀኒታትን ህላዌ ናይ ገንዘብን ተመርኲሱ፡ ነቶም ብጣዕሚ ዝተወጽዑ ስደተኛታት ዝዋሃብ እዩ።

ስሩዕ ናይ ዝተፈላለየ ዕላማ ዘለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ንክወስድ፡ ገምጋም ይገበረለይ ኢሌ ጠለብ ከቕርብ ይኽእል ድየ?

ከም ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ነብስኻን ስድራቤትካን፡ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ግብጺ ክትምዝገቡ ክትክእሉ ኣለኩም። ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድ እንተ ሃልዩኩም፡ ምምዝጋብ ኣየድልየኩምን እዩ።

ንናይ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት  ብቐጥታ ረኺብኩም፡ እንተደኣ ዝኾነ ናይ ውጹዕነት ገምጋም ቃለመሕትት እንተዘይ ተጌሩልኩም ወይ ከኣ ካብታ ናይ መወዳእታ ዝገበርኩማ ቅላአመሕትት፡ ኣብ ገንዘባዊ ኩነታትኩም ዝተቐየረ ነገር እንተ ሃልዩ (ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኹም ዝነበረ እንተ ስኢንኩም) ፡ ቅጸራ ይገበረልና ኢልኩም ጠለብ ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዙሕ ቁጽሪ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝሓቱ ሰባት ስለዘሎ፡ ብኽብረትኩም ምስ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት፡ንናይ ውጹዕነት ገምጋም ቃለመሕትት ቆጸራ ሓዙ። እንተደኣ ብዘይ ቆጸራ መጺእኹሞም፡ ካሪታስ ክተገልግለኩም ቦታ የብላን። ብኽብረትኩም፡ ነቲ ቃለመሕትት ምግባርኩም፡ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ብኡ-ንብኡ ረኺብኩሞ ማለት ከም ዘይኮነ ኣስተውዕሉ። ከምኡውን፡ ስራሕ ናይዞም ናይ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት፡ ብመልክዕ ቃለ-መሕትት ሓበሬታ ንምእካብ፡ ንምሃብን፡ ግብረ መልሲ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ መብርሂ ምሃብን ጥራይ እዩ። ንናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዕነት፡ ካሪታስ ወላ ሓንቲ ውሳኔ የብላን። ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር እዮም እቶም ቀንዲ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ናይ መጀምርታ ቃለ መሕትትን ናይ ይግባይን ውሳኔ ዝውስኑ።

 

ገንዘባዊ ሓገዝ ክትወስድ ብቑዕ እንተ ዂንካ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ፡ በታ ምስኦም ተመዝጊባ ዘላ ቁጽሪ ተሌፎን ክሕብሩኹም እዮም። ብኽብረትኩም፡ ኩሉ ግዜ ምስ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመዝገቤ ቁጽሪ ተሌፎንኩም ይሰርሕ ምዃኑን ዝኾነ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክመጸኩም ስለዝኽእል ኣስተብህሉ።

ከመይ ጌሩ እዩ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ ነቲ ናይ ብዙሕ ዕላማ ዘለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ብቕዓት ክውስን ዝኽእል?

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ምስ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኣሳሰር ናይ ብቕዓት ውሳኔታት ንምውሳድ፡ ኣብ ብዙሓት ምንጭታት ሓበሬታ እዩ ዝምርኰስ። ንምርጫ ኣብ ግምት ዝኣቱ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን ምዝገባ ምስ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣርን ንካሪታስ ዝሃብካዮም ሓበሬታትን፡ ከምኡውን ካልእ ዝተመዝገቤ ሓበሬታን የጠቓልል።  እቲ ውሳኔ፡ ንሓያሎ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ገንዘባዊ፡ ጥዕናዊ፡ ናይ ሓደጋ ኩነታት ድሕረ ባይታ እዩ ኣብ ግምት ዘእቱ። ከምኡውን፡ ዕድመ ናይ ስደተኛ/ሓታቲ ዑቕባ፡ መንበሪ ቦታ፡ ብዝሒ ኣባላት ስድራቤት፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ገንዘባዊ ኩነታት፡ ተበጻሕነት ካልኦት ዓይነታት ሓገዝ፡ ፍሉይ ድሌታት፡ ኩነታት ሕክምናን ስራሕን ካልኦትን ዘኣመሰሉ ተቀያየርቲ ነገራት ኣብ ግምት ይኣትዉ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ድሕረ ባይታ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብምንጽጻር፡ እቲ ዝያዳ ውጽዕተኛ ዝኾነ ይምረጽ። ዝኾነ ምስ ጥሬ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ናይ ብቕዓት ውሳኔታት፡ ንኻልኦት መደባት፡ ሓገዝ ዝኽልክል ወይ ዘዕቢ ኣይኮነን።

ውጽኢት ናይቲ ዝገበርኩዎ ናይ ገምጋም ቃለመሕትት፡ ንገንዘባዊ ሓገዝ ድማ በቒዐ ድየ ወላ ኣይኮንኩን ከመይ ጌረ እየ ክፈልጥ ዝኽእል?

መስርሕ ምውሳን ብቕዓትን፡ ውሳኔ ብቕዓትን፡ ኣንተ ወሕእዴ ሰለስተ (3) ወርሒ እዩ ዝወስድ። ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረክብ ብቑዕ ኮይንካ እንተ ተረኺብካ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ ብናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር መዝጊብካዮ ዘለኻ ቁጽሪ ተሌፎን መልእኽቲ ብምስዳድ ከፍልጠካ እዩ። እቲ ኤስ.ኤም.ኤስ፡ ከመይ ጌርካ ሓገዝ ከም ትቕበል (ሓገዝ ኣበይ ኬድካ ከም ትቕበል፡ መንነትካ ንምርግጋጽ እንታይ ሰነዳት (እንተሃልዮምኻ) ክተርኢ ከምዘለካ)፡ ከምኡውን እቲ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ እትረኽበሉ ናይ መወዳእታ ዕለት ዝሕብር ዝርዝር ሓበሬታ ከጠቓልል ይኽእል። ካብ ካሪታስ ናይ ምክትታል ተሌፎን ክድወለልኩም ይኽእል እዩ።

ብኽብረትኩም፡ ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝሰርሕ ቁጽሪ ተሌፎንኩም ክትህብዎ ከምዘለኩም ኣረጋግጹ ክረኽቡኹም እንተደልዮም ከይስእኑኹም። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፡ ቁጽሪ ተሌፎንኩም እንተ ቀዪርኩም፡ ቀልጢፍኩም ብመንገዲ መስመር ሓበሬታ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ሓብሩ ኢኹም።

ብዛዕባ ውጽኢት ገምጋምካ ክትሓትት እንተ ደሊኻ፡ እንተ ወሓደ ድሕሪ ሰለስቴ ኣዋርሕ ካብታ ቃለመሕትት ዝገበርካላ፡ ንካሪታስ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ፡ ይኹን’ምበር ቅድሚኡ እንተ ሓቲትካዮም ውሳቤ ተዳልዩ ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ።

ኣበይ’ዩ እቲ ናይ ገምጋም ቃለ-መሕትት ዝግበር?

መብዛሕትኡ ቃለመሕትታት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ፡ ኣብ ናስር ሲቲ፡ ኣብ 6 ኦክቶበር፡ ኣሌክሳንድርያ ወይ ዱምያጥ እዩ ዝግበር። ይኹን’ምበር፡ ገሊኡ ቃለ መሕትታት ኣብ ገዛኹም ከለኹም ክግበር ይከኣል እዩ። ስድራቤታት፡ ብዛዕባ ዕለትን ሰዓትን ቃለ-መሕትት፡ ከምኡውን ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ዘድልዩ ሰነዳት ኣቐዲሞም ክሕበሩ እዮም። ኣብ ገዛኹም ቃለመሕትት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ብኽብረትኩም ንካሪታስ ቅኑዕ ኣድራሻኹምን ምልክትን ምሃብኩማረጋግጹ፡ ብኽብረትኩም ኣብቲ ናይ ገዛ ምብጻሕ መደብ ዝተገብረሉ ሰዓትን መዓልትን ኣብኡ ምህላውኩም ኣረጋግጹ።

ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ እንታይ’ዩ ከጋጥም?

ኩሎም ሰራሕተኛታት ካሪታስ፡ ንነብሶምን ኣብ ካሪታስ ዘለዎም ስራሕን፡ ዕላም ናይ’ቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ምብጻሕ ብምልላይ፡ ቃለምህጥት ክጅምሩ እዮም። ኣብ ገዛ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን፡ መንነቶም ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርቡ እዮም። ብተወሳኺ፡ ምሳኹም ናይ ምዝገባ ሓበሬታኹም ደጊሞም ክርእይዎ እዮም። ኣባል ካሪታስ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተዳለወ ናይ ቃለመሕትት ሕቶታት፡ ብቑዕ ምዃንካ ንምውሳን፡ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ስድራቤትካን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ነቲ ውጽኢት ክጸሉ ስለዝኽእል፡ ኣብ ኣዋን ቃለመሕትት ቅኑዕን ሓቅን ሓበሬታ ክትህቡ ኣለኩም። ካብቲ ሕቶታት ዝኾነ እንተዘይተረዲእኩም፡ ነቲ ኣባል ካሪታስ፡ ተወሳኺ መብርሂ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ።

እቲ ቃለመሕትት ክንደይ’ዩ ክወስድ ዝኽእል?

ኣብቲ ናይ ኣባላት ስድራቤት ብዝሒ ተመርኲሱ፡ ከባቢ ሓደ ሰዓት እዩ ክወስድ ዝኽእል።

ከመይ ገረ እየ ክዳሎ ዝኽእል?

  1. እቲ ዝሰርሕ ቁጽሪ ተሌፎንካ ምስ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ምዝጉብ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ቁጽሪ ተሌፎን እንተ ቀዪርኩም፡ ብ  መስመር ሓበሬታ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣርኣቢልኩም ሓብሩ።
  2. ካብዚ ሓሊፉ፡ ነዓኻን ንኹሎም ኣባላት ስድራቤትካ ዝኸውን ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድታት ኣልድልዉ።
  3. ከምኡውን ዝኾነ ክህልወኩም ዝኽእል ሰነዳት፡ ከም ናይ ክራይ ውዕል፡ ሕሳብ (ኤልክትሪክን ጋዝን)፡ ሕክምናዊ ጸብጻብ ወዘተ፡ ክተርእዩ ክትሕተትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ እዋን ቃለመሕትት፡ ነዞም ወረቓቕቲ ኣዳልዉ።

መን’ዩ ኣብታ ቃለ መሕትት ክቐርብ ዘለዎ?

እቲ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመዝገቤ ቀንዲ ኣመልካቲ ወይ ዋና ፋይል፡ ነቲ ናይ ቃለ መሕትት ጽሑፍ ምስቲ ኣካቢ ሓበሬታ ኮይኑ ክመልኦ ኣለዎ፡ ብዛዕባ ኩሎም ኣብ ፋይሉ ዝተመዝገቡ ኣባላት ቅኑዕ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ክህልዎን፡ ቅድሚ ቃለመሕትት መለለዪ መንነቶም ወይ ካርድታቶም ከቕርብ ይግደድን እዩ። ንቃለ መሕትት ናብ ገዛ ምብጻሕ እንተ ኣድልዩ፡ ኩሎም ኣባላታ ኣብቲ ቃለ መሕትት ክሳተፉን፡ ሓበሬትኦም ብቐጥታ ነቲ ቃለ መሕትት ዘካይድ ሰብ ክመልኡን ይተባበዑ እዮም።

ዘይተመዝገቡ ስድራቤታት፡ ቃለ መሕትት ክግበረሎም ድዩ?

ዘይ ተመዝገቡ ስድራቤታት ኣብዚ ቃለመሕትታት ኣይእትዉን እዮም ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ዕላም ዘለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዓት ኣይኮኑን።

ኣብቲ ዝተገብረለይ ቆጸራ ክመጽእ ኣይከኣልኩን። ክቅየረለይ ይኽእል ድዩ?

እወ። ቆጸራኻ ክትቅይር እንተደሊኻ፡ እንተ ወሕእደ ቅድሚ ክልቴ መዓልቲ ካብቲ ዕለት ቆጸራኻ፡ ን ካሪታስ ሓብሮም ኢኻ። በዚኣ ትስዕብ ቁጽሪ ተሌፎን ደዊልኩም ከምኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኩለን ዞባታት  15946

ካሪታስ፡ ኣቐዲምኩም ብዛዕባ ምስራሕ እንተዘይ ሓቢርኩሞም፡ ቃለመሕትትኩም ኣብ ምክያድ፡ ርኡይ ምድንጓያት ክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ካሪታስ ውን ከይ ትረኽበኩም ትኽእል እያ።

ድሕሪ’ታ ቃለ መሕትት፡ እንታይ’ዩ ከጋጥም ዝኽእል?

መስርሕ ምውሳን ብቕዓትን፡ እቲ ውሳኔ ንባዕሉን፡ እንተወሓደ ሰለስተ (3) ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረኽቡ እንተ ተመሪጽኩም፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣብቲ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ትሌፎንኩም፡ መጠን መሰልኩምን፡ ዝርዝር ገንዘባዊ ሓገዝኩምን፡ ብኸመይ ክትቅበሉ ከምትኽእሉን ዝገልጽ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክሰደልኩም እዩ። ድሕሪ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ውሳኔ ብቕዓትኩም ክትሓቱ ምስ እትደልዩ፡ ድሕሪ ቃለ መሕትት ምግባርኩም፡  ቅድሚኡ ዘይኮነስ፡ እንተ ወሓደ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ንካሪታስ ተወከሱ።

ብዛዕባ ውጽኢት ናይ’ቲ ቃለመሕትት ምስ ሓተትኩ፡ ኣብ መጸበዪ ሊስታ ከምዘለኹ ተነጊሩኒ። እንታይ ማለት’ዩ፡ መዓስከ ናይ ጋንዘባዊ ሓገዝ ክረክብ ትጽቢት ክገብር ዘለኒ?

ኣብ መጸበዪ ሊስታ ምህላው ማለት፡ ዘቕረብኩሞ ጠለብ ንመዐቀኒታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣማሊኡ ማለት እዩ፡ ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ ድሩትነት ምወላ፡ ካልኦት ዝያዳ ዝተወጽዑ ኮይኖም ዝተረኽቡ፡ ስሩዕ ገንዘባዊ ሓገዝ ክረኽቡ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ኣሎ። ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንጠለባት ስደተኛታት ምስ ወሃብቲ ገንዘብ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣብ መጻኢ ተወሳኺ ገንዘብ እንተረኺቡ፡ ኣብቲ እዋን እቲ እንተደኣ ነቲ ናይ ብቕዓት መዐቀኒታት ኣማሊኣኡ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ውሳኔ እዚ ዝሕብር ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ድማ ክስደደልኩም እዩ።

እቲ ቃለ መሕትት ዝገብር ሰራሕተኛ/ኣካቢ ሓበሬታ፡ ዘይምቹእነት ዝፈጥረለይ ሕቶታት እንተ ሓቲትኒ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኩሎም እቶም ናይ ቃለ መሕትት ሕቶታት፡ ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ቁጠባዊ ኩነታትካ ንክፈልጥ ዝሕግዙ ኣገደስትን ኣድለይትን ሓበሬታ ንምእካብ ዝተዳለዉ ሕቶታት እዮም፡ ብኦም ጌርና ድማ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ  ብቕዓትኩም ክንፈልጥ ንኽእል።

ኣብቲ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ሊስታ ንክትኣቱ’ስ ገንዘብ ክትከፍል ኣለካ ተባሂሌ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ብቐጥታ ኣብቲ ናይ ተጠቀንቲ ሊስታ ብገንዘብ ከእትወኩም ይኽእል እየ ዝብል ሰብ ኣይትእመኑ። መስርሕ ምውሳን ብቕዓት፡ ብናይ ክሞፒተር ናይ ዴስክ ፎርሙላ ተጠቂምካ እምበር ዝኾነ ናይ ሰብ ምትእትታው ዘይብሉ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝህብ ኣብቲ መስርሕ ግን ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር እዩ።

ኣገልግሎት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ነጻ ካብ ክፍሊት እዮም። ክፈሉ እንተ ተባሂልኩም ኣይ ትኽፈሉ፡ ብቐጥታ ከኣ ን መስመር ሓበሬታ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር  ሓብሩ ኢኹም።

ዝኾነ ይኹን ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣገልግሎት ይህብ ወይ የቀላጥፍ እየ ዝብል ሰብ ከይትራኸቡን፡ እቲ ፍጻሜ ከም ናይ ምትላል ስለዝቁጸር፡ ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር በዛ ኢመይል፡ [email protected] ክትሕብሩና ንሓትት።

ንገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዕ እንተኾይነ፡ ክንደይ ክቕበል ከምዘለኒ ከመይ ጌረ እየ ክፈልጥ ዝኽእል?

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር መጠን ገንዘባዊ ሓገዝኩም ብናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክሰደልኩም እዩ። እቲ መጠን ገንዘብ፡ ኣብ ብዝሒ ኣባላት ስድራቤት ተመርኲሱ (ከምቲ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ተመዝጊብዎ ዘሎ)፡ ካብ ሓንቲ ስድራቤት ናብ ካልእ ክፈላሌ ይኽእል እዩ።

ንምንታይ’ዩ ገንዘባዊ ሓገዘይ ወሲኹ/ጎዲሉ?

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንዓቐን ስድራቤትኩም ኣብ ግምት ዘእተወ መዐቀኒ መሰረት ብምግባር እዩ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝህብ። እቱ እትረኽብዎ መጠን ገንዘብ ብሰንክ ምቕይያራት ኣብ ቁጽሪ ኣባላት ስድራቤት ክቕየር ይኽእል እዩ።

ንኽንደይ’የ ገንዘባዊ ሓገዝ ክቕበል?

እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ብመሰረት ቀጻሊ ብቕዓትካን ኣብ ህላዌ ገንዘብን፡ ንውሱን ግዜ ጥራይ’ዩ ዝወሃብ። ድሕሪ ደጊም፡ ብመሰረት መዐቀኒታት ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብቑዓት እንተ ዘይኮይንኩም፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብዛዕባ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ዝብለሉ ዕለት ዝሕብር፡ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክሰደልኩም እዩ።

“ፋይልኩም ድሕሪ ሕጂ፡ ብመሰረት መዐቀኒታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንስሩዕ ገንዘባዊ ሓገዝ ብቁዕ ኣይኮነን። ሓገዝኩም ካብ ወርሒ [MM/YY] ጀሚሩ ከቋርጽ እዩ።”

ሓገዘይ መዓስ ክውድእ ምዃኑ ከመይ ጌረ እየ ክፈልጥ ዝኽእል?

ድሕሪ ደጊም ብመሰረት ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ መዐቀኒታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብቁዕ እንተዘይኮይንካ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር በቲ ኣብ ፋይልካ ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎን ኣቢሉ፡ ገንዘባዊ ሓገዝካ ዝውደኣሉ ዕለት እዚ እዩ ኢሉ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክሰደልካ እዩ።

 

“ፋይልኩም ድሕሪ ሕጂ፡ ብመሰረት መዐቀኒታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንስሩዕ ገንዘባዊ ሓገዝ ብቁዕ ኣይኮነን። ሓገዝኩም ካብ ወርሒ [MM/YY] ጀሚሩ ከቋርጽ እዩ።”

ሓገዝኩም ብዘይተጸበኹሞ መንገዲ እንተ ኣቋሪጹ፡ ናይ ሓገዝ ዝውደኣሉ ዕለት ዝሕብር ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ እንተዘይ መጺእኩም፡ ብኽብረትኩም ናብ  ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት ደውሉ።

ከመይ ጊረ እየ ገንዘባዊ ሓገዘይ ክቕበል ዝኽእል?

ገንዘባዊ ሓገዝኩም፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝርከባ ጨናፍር ቤት ጽሕፈታት ፖስታ ክትቅበልዎ ትኽእሉ ኢኹም። ሓገዝኩም ኣብተን ቤት ጽሕፈታት ፖስታ ምስ ተዳለወ፡ ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተሰደ ፡ በቲ ኣብ ፋይልኩም ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎንኩም፡ ናይ’ቲ ሓገዝ መጠን ገንዘብን እቲ ሓገዝ ክትረኽቡሉ ትኽእሉ ናይ መወዳእታ ግዜን ዝሕብር ናይ መፍለጢ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክስደደልኩም እዩ። ብኽብረትኩም፡ ኤስ.ኤም.ኤስ ምስ በጻሐኩም፡ ናብ ፖስታ ቤት ክትከዱ ከምዘለኩም ኣረጋግጹ። ከምኡውን ኩሉ ግዜ ምስ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመዝገበ ቁጽሪ ተሌፎንኩም ዝሰርሕ ምዃኑ ኣረጋግጹ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ፖስታ ናይ ግብጺ፡ ዕለቱ ዝወደቐ ካርድታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ስለዘይቅበልዎ፡ ኩሉ ግዜ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድታትኩም ኣሐድስዎ።

ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ኬድኩም ክትቅበሉ ከምዘለኩም እንተ ተሓቢሩኩም፡ ካብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር፡ ናብ ዝኾነ ናይ ዓይኒ ዓሸትራ ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ክትከዱ ኣለኩም። ኣብቲ ዝመጸኩም ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ፡ ዝኾነ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዝብል እንተ ዘይሃልዩኩም፡ ሽዑ ኣብ ዝኾነ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፖስታ ኬድኩም፡ ብናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድኹም ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም።

 

  ጨንፈራት ኣብያተ ጽሕፈት ፖስታ  ኣድራሻ
ኣብ 6 ኦክቶበር
1 ሑሰሪ ደድሕሪ መስጊድ ሑሰሪ
2 ማእከል ኣገልግሎት ሻድሻይ ገዛውቲ፡ ደድሕሪ መደበር ትራፊክ
3 ሻብዓይ ገዛውቲ ሻብዓይ ገዛውቲ፡ ጥቓ ባህላዊ ቤት መንግስቲ
4 ሻድሻይ ገዛውቲ ሻድሻይ ገዛውቲ፡ ሻድሻይ ከባቢ ጥቃ ኣህራም ሰንተር
5 ሳልሳይ ገዛውቲ ሳልሳይ ገዛውቲ፡ ጂሃዝ ሰንተር
6 ቀዳማይ ገዛውቲ-ዛይድ ቀዳማይ ገዛውቲ፡ ሼኽ ዛይድ፡ ጥቓ ሓፈሻዊ ሆስፒታል
7 ቀንዲ ኦክቶበር ሻድሻይ ገዛውቲ፡ ጥቃ ሰንትራል ኦክቶበር 2
ጊዛ
8 ኣርድ ኣል-ልዋ ጎደና ትርዓት ኣልዙሙር፡ ኣርድ ኣል-ልዋ
9 ሃረም ሰንትራል ጎደና ሃረም፡ ፊት ካይሮ ሞል፡ ጥቃ ሃረም ሰንትራል
10 ከፍር ጦሆርሞስ ጥቃ ናይ ከፍር ጦሆርምስ ናይ ጋዝ መኻዚኖ
11 እልመሊካ ዓምር ኢብን እልዓስ፡ ካብ መሊካ ዝተፈንጨለ፡ ፈይሰል
12 እልሙሃንድሲን 1 ሜዳ ሙሳ ጀላል፡ ሙሃንድሲን ደድሕሪ ስዑዲ ማርኬት
13 ራብዕ እልጊዚ ኣልራብዕ ኣልጂዚ ማእከል መንግስቲ
ማእከልን ሰሜንን ካይሮ
14 ቀንዲ ናይ ካይሮ 1 ጎደና ዓብድልኻልቕ ሰርወት
15 ረምሲስ 57 ጎደና ረምሲስ
 ደቡብ ካይሮ
16 መዓዲ 9ይ ገዛውቲ፡ መዓዲ
17 ሐዳይቕ ኣልመዓዲ ጎደና 105፡ ሐዳይቕ ኣልመዓዲ
ምብራቕ ካይሮ
18 ዛህራእ ዓይንሸምስ 121 ጎደና ዛህራእ፡ ዓይንሸምስ
19 ዓይንሸምስ 5 ጎደና ካምል መህዲ – ካብ ጎደና ቀመር – ኣሕመድ ዕስመት
20 ስዉእ ዓብድልሙንዕም ርያድ 23 ሓምሌ ቪላታት – ዓዚዝ ኣልመስሪ – ጅስር ኣልስወዝ
21 ቁባእ ምብራቕ 59 ጎደና መጊዝ ቁባእ – ቁባ ሲቲ
22 ዓብስያ ቀዳማይ 5 ጎደኝእ ሳልም ዓብዱ – ሜዳ ዓብዱ ፓሻ – ዓባስያ
23 ሻምናይ ገዛውቲ ድሕሪ ቢት ትምህርቲ መንሃል – 14 ጎደና ኣሕመድ ሓሰን – ሻምናይ ገዛውቲ
24 ዓስራይ ገዛውቲ ዓስራይ ገዛውቲ – ጎደና መህድሪ ዓረፋ ህንጻ ቁ. 14 – ራውዳ ታወር
25 ሓዳይቕ ኣልቁባ 133 ጎደና ምስር ሱዳን – ሓዳይቕ ኣልቁባ
26 ስዊስ ፕሮጀክት ህንጻ 94 – ስዊስ ፕሮጀክት
ቀጣምያ
27 ዑቡር ናይ መንእሰያት ገዛውቲ ዑቡር ናይ መንእሰያት ከተማ
28 ዑቡር ሲቲ ዑቡር ሲቲ
29 ቀዳማይ ገዛውቲ 10 ረመዳን
30 መዲንቲ መዲንቲ
31 10 ረመዳን 10 ረመዳን
32 ታሽዓይ ገዛውቲ 10 ረመዳን
ዱምያጥ
33 ሓዳሽ ዱምያጥ ህንጻ በዓል መዚ ህንጸት
34 ኮለጅ ንግዲ ሓዳሽ ዱምያጥ፡ ጥቓ ክለጅ ንግዲ
35 ካልኣይቲ ሓዳሽ ዱምያጥ ሻድሻይ ገዛውቲ፡ ቀዳማይ ከባቢ – ህንጻ ዕዳጋ ኣብ ሓዳሽ ዱምያጥ
36 ሙባረክ ገዛውቲ ድሕሪ እንዳ ትራፊክ ኣብ ሓዳሽ ዱምያጥ
ደቐህልያ
37 እልበሕር እልስቒር መንሱራ፡ ጎደና ጆሃር ኣልሰቓሊ፡ ካብ ጎደና ኣልጌሽ፡ ደድሕሪ ኣህጉራዊ መደበር ኣውቶቡስ
ኣሌክሳንድርያ
38 እልመንዳራ እልመንዳራ ቀቅድሚ እንዳ ባቡር
39 ሲዲ ብሽር ጎደና ኣቡቂር ፊት መደበር ሲዲ ጃብር
40 መዲነት ፈይሰል ፈይሰል ሲቲ፡ ሲዲ ብሽር
41 ኣሌክሳንድርያ ቀንዲ ጎደና ጨንፈር ንግዲ፡ ደድሕሪ ኣቡቀሪብ
42 እልሰራይ መደበር ትራም ሲዲ ብሽር
ቡርጅ አልዓረብ
43 እልዓጀሚ ቢታሽ ኣልዐጀሚ ትሕቲ ህንጻ ስድራ
44 እልኣሚርያ እልኣሚርያ ገዛውቲ
45 ናይ ቀደም ቦርጅ እልዓረብ ናይ ቀደም ቦርጅ እልዓረብ፡ ደድሕሪ ምምሕዳር ከተማ
ኣስዋን
46 ኣስዋን ኣስዋን፡ ሕእድሽ ጎደና፡ ደድሕሪ ቢ-ቴክ

ብናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ,ኣር ካርደይ ጥራይ ድየ ክቕበል ዝኽእል ወላስ ብናይ ዓይኒ ዓሸራ፡ ከመይ ጌረ እየ ክፈልጥ ዝኽእል?

እዚ፡ በታ ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር እትመጸኩም ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክበርሀልኩም እዩ። ከምኡውን፡ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዘለወን ቢት ጽሕፈታት ፖስታ ብናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክመጸኩም እዩ።

እንተዘይኮይኑ፡ ከምኡውን ብናይ ዓይኒ ዓሸራ ክትቅበል ምዃንካ እንተዘይ ተጠቒሱ፡ ሽዑ ካብ ዝኾነ ኣብ መላእ ግብጺ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ፡ ዝሰርሕ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ።ኣር ካርድኻ ተጠቂምካ ገንዘባዊ ሓገዝካ ክትረክብ ጥኽእል ኢኻ።

ምስሊ ናይ’ቲ ዝመጸኩም ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ፡

ብናይ ዓይኒ ዓሸራ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝቕበሉ፡-

“ፋይልኩም  ንስሩዕ ገንዘባዊ ሓገዝ በቂዑ ኣሎ።  ካብ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዘለዋ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ፡ [VALUE] ጅኔህ ክትቅበሉ ኢኹም፡ ቅድሚ ዕለት [END DATE] ክትቅበልዎ ኣለኩም።. ዝቐረበት ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዘለዋ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ንምርካብ፡ ነዛ ሊንክ ጠውቑ [URL] ንውሓት ናይ’ቲ ሓገዝ ኣብ ህላዌ ምወላን ኣብ ምምላእ መዐቀኒታት ብቕዓትን እዩ ዝምርኰስ።”

ብዘይ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝቕበሉ፦

““ፋይልኩም  [CASE NUMBER] ንስሩዕ ገንዘባዊ ሓገዝ በቂዑ ኣሎ።  ካብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ፡ [VALUE] ጅኔህ ክትቅበሉ ኢኹም፡ ቅድሚ ዕለት [END DATE] ክትቅበልዎ ኣለኩም። ዝቐረበት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ንምርካብ፡ ነዛ ሊንክ ጠውቑ [URL] ንውሓት ናይ’ቲ ሓገዝ ኣብ ህላዌ ምወላን ኣብ ምምላእ መዐቀኒታት ብቕዓትን እዩ ዝምርኰስ።”

ሕጂ ውን ብናይ ዓይኒ ዓሸራ ክትቅበሉ ምዃንኩም እንተዘይ ኣረጋገጽኩም፡ ብኽብረትኩም ናም መስመር ሓገዝ ካሪታስ 15946 ደዊልኩም ተወከሱ እሞ፡ ዘድሊ ሓበሬታ ክህበኩም እዩ።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ፡ እንታይ’የ ክገብር ዘለኒ?

ካብ ክልቲኦም እዞም ዝስዕቡ ሓንቲ ክትሕተት ኢኻ፡

  • ዝሰርሕ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር መለለዪ/ካርድኹም ኣብቲ ቢት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ዝርከብ ሰራሕተኛ ኣቕርብ። ኣገልግሎት ፖስታ፡ ስእልኹም፡ ቁጽሪ ፋይልኩም፡ ስምኩምን ካርድኹምን ዝውደኣሉ ዕለትን ክምርምሮ እዩ። ድሕሪኡ ገንዘባዊ ሓገዝኩም ክወሃበኩም እዩ። እቲ ኣሰራርሓ ኣብ ኩለን ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ፖስታ ሓደ እዩ።

ወይ

  • ኣብቲ ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ፖስታ ኣብ ዝርከብ ናይ ዓይኒ ዓሸራ እትወስድ መሳርሒት ጌሮም ናይ ዓይኒ ዓሸራኹም ክወስዱ እዮም። እቲ ናይ ዓይኒ ዓሸራኹም ምስቲ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመገበ ዝሰማመዕ እንተኾይኑ፡ ገንዘባዊ ሓገዝኩም ክወሃበኩም እዩ። ብኽብረትኩም፡ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ክትገብሩ ከለኹም፡ ኣዒንትኹም እቲ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዝግበረሉ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ ኦኢንትኹም ምህላዉ ኣረጋግጹ፡ ከምኡውን ኣግፊሕኩም ትኽ ኢልኩም ናብታ ናይ ዓይኒ ዓሸራ መሳርሒ ምጥማትኩም ኣረጋግጹ፡ እዚ ድማ ጽቡቕ ጌራ ንክተለልየኩም ይሕግዝ። ብኽብረትኩም ናይ ዓይኒ ዓሸራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ንጎኒ ወይ ናብ ካልእ ኣይትጠምቱ። ከምኡውን ዝኾነ ሕብሪ ወይ ቅርጺ ዝሓዘ ለንስ ኣይትጠቀሙ።

 

ኣብ ክልቲኡ ኩነታት፡ ሕጋዊ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድኹም ክተቕርቡ ከድልየኩም እዩ። እቲ ሰራሕተኛ ድማ ቅዳሕ ክወስደላ እዩ። ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድታትኩም ብቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ፖስታ ግብጺ ተቐባክነት ሰልዘይብሉ፡ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድኹም ብእዋኑ ክተሕድስዎ ኣለኩም።

ወላ እኳ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ እንተ መጸኒ፡ ናብ ኣገልግሎት ፖስታ ከይደ ነዓይ ዝወሃብ ገንዘብ ከምዘይብለይ ተነጊሩኒ

ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መምርሒታት ትኽተሉ ከምዘለኹም ኣረጋግጹ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣይትረስዑ፦

  • ኣብቲ ኤስ.ኤም.ኤስ ዝተጠቕሰ ዋና ፋይል ጥራይ’ዩ ሓገዝ ክቕበል ዝኽእል። ዝኾነ ካልእ ሰብ ኣብ ክንዲ እቲ ቀንዲ ዋና ፋይል ነቲ ሓገዝ ክቕበሎ ኣይክእልን እዩ። (ብዘይካ እቲ ዋና ፋይል ኣብ ካሪታስ እንተደኣ ንሓደ ክቕበለሉ ዝኽእል ሰብ እንተዘይ ወኪሉ)
  • ቅድሚ ኣብቲ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ተጠቒሱ ዘሎ እቲ ሓገዝ ዝውደኣሉ ዕለት – ተቐቢልኩሞ ከምዘለኹም ኣረጋግጽ።
  • ናይ ዓይኒ ዓሸራኹም እንዳ ተወስደ፡ እቲ ዓይንኹም ኣብታ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ትርእይዎ ከምዘለኹምን ጽቡቅ ገርኩም ከፊትኩሞ ከምዘለኹምን ኣረግግጹ። እቲ ዓሸራ እንዳ ተወስደ፡ ዓይንኹም ቋሕ ሰም ክብል የብሉን ወይ ድማ የማነ ጸጋም ክትርኢ የብልካን። ከምኡውን ዝኾነ ናይ ዓይኒ መነጽር ወይ ለንስ ኣይትጠቀሙ።
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዓይኒ ዓሸራ ዘለዎም ቤት ጽሕፈታት ፈትኑ ወይ ካልእ መዓልቲ ፈትኑ።

 

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ድሕሪ ምግባርኩም እንትዘይ ሰሊጥኩም፡ ብኽብረትኩም ን ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት  ብቁጽሪ ተሌፎን 15946  ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ኣብቲ ሲስተም ንክምዝገብ ሓብሩ ኢኹም። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት ጥርዓን ብዘይ ምቕራብኩም፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ነት ጉዳይ ክርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ካሪታስ ሰራሕተኛ ነቲ ጉዳይ ክትፈትሑ ከማኽረኩም እዩ፡ ከምኡውን ኣብቲ ሲስተም ክምዝግቦ እዩ።

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ጠንቂ ናይቲ ጉዳይኩም ጠንቂ መርሚሩ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ስጉምትታት ከምዝተኸተልኩሞም እንተተረኺቡ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካብቲ ናይ ምውጻእ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ነቲ ዝግባእ ገንዘባዊ ሓገዝ ዳግማይ ክኸፍሎ እዩ። መዓስ፡ ኣበይ፡ ብኸመይ ሓገዝኩም ክትቕበሉ ከም ትኽእሉ፡ ብናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክሕበረኩም እዩ። ብኽብረትኩም፡ ነቲ ኣብ ፋይልኩም  ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎን፡ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክመጸኩም ስለዝኽእል ጽቡቅ ጌርኩም ርኣይዎ።

 ኩሎም ምስ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኣሳሰር ጥርዓናት ብመንገዲ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት ክምዝገቡ ከምዘለዎም ኣስተብህሉ። ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣይምዝገቡን እዮም።

ገንዘባዊ ሓገዝ ክቕበል መሰል ከምዘለኒ ዝሕብር ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ መጺኡኒ። ይኹን’ምበር፡ ዝወደቐ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድ ኣለኒ፡ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ካርድኹም እንተ ወዲቑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ናይ ምሕዳስ ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም፡ ንመስመር ሓበሬታ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብምውካስ፡ እትቕበልዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘኩም ኣፍልጥዎም። ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ግብጺ፡ ዝወደቐ  ካርድ እንተ ሃልዩኩም ክቕበሉኹም ከምዘይኮኑ ኣስተውዕሉ።

(ካብታ ኤስ.ኤም.ኤስ ዝመጸትላ ዕለት) ህጹጽ ኩነታት ስለዘለኒ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ከይደ፡ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ክቕበል ኣይክእልን እየ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምቕባል እኹል ግዜ ይህቦም እዩ። ስለዚ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ ምቕባል እዋን፡ ክሳብ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት የናውሖ እዩ። እቲ ልክዕ ናይ ግዜ ገደብ፡ ኣብቲ ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝለኣኽ መልእኽቲ ተጠቒሱ ስለዘሎ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ምቕባል ግዜ ምዝዛሙ፡ ናብቲ ናባኹም ዝቐረበት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ኬድኩም ተቐበልዎ፡ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝኩም ክትቕበልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ብናይ ዓይኒ ዓሸራ ክቕበል ከምዘለኒ ዝሕብር ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ መጺእኒ፡ ግን ኣብ ዓይነይ ጥዕናዊ ጸገም ኣለኒ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

ናይ ምርኣይ ጸገም ወይ ዓበይቲ ናይ ዓይኒ ጸገማት ከም ዕንፉሩር እንተ ሃልዩኩም፡ ወይ ኣብቲ ዘይምቕባል ናይ ዓይኒ ዓሸራ ክገብር ዝኽእል ኩነታት ዓይኒ፡ ከም መጥባሕቲ ጌርኩምላ ትፈልጡ እንተ ኾይንኩም፡ ብኽብረትኩም እንተወሓደ ቅድሚ እቲ ናይ ምቕባል ግዜን ብስለስተ መዓልቲ ናብ ካሪታስ ሕእብርዎ እሞ ብድሕሪኡ ንሳቶም ከዕርይዎ እዮም። ካሪታስ ንኩነታት ዓይንኹም ዘረጋግጽ ከም ናይ መርመራ ወረቓቕቲ ወይ ሕክምናዊ ጸብጻብ ክተቕርቡ ክትሕእተኩም እያ፡ ስለዚ ብኽብረትኩም ነዞም ሰነዳት ንካሪታስ ክተቕረቡ ድልዋት ኩኑ። (ኣገዳሲ፡- ብዘይ ናይ ሕክምና ወረቐት ንኣገባብ ምቕባል ክንቅይር ኣይንኽእልን ኢና።)ብናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድኹም ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ሕእድሽ ናይ ግዜ ገደብ ዘፍልጥ ካልእ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክመጸኩም እዩ። ብኽብረትኩም ኩሉ ግዜ ጥርዓን ምስ ኣቕረብኩም፡ ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክመጸኩም ዝለዝኽእል፡ ተሌፎንኩም ተኸታተሉ።

ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ መን’ዩ ክቕበሎ ዘለዎ?

ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ከም ቀንዲ ዋና ፋይል ዝተመዝገበ፡ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ብስም እታ ስድራቤት ይቕበሎ። ብዘይካ ብሰንኪ ከቢድን ቅቡል ምኽንያትን፡ እቲ ቀንዲ ዋና ፋይል ናብ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ቤት ክኸይድ ከምዘይኽእል፡ ንካልኦት ኣብታ ፋይል ዝተመዝገቡ ኣባላት ውክልና ክህቦ እንተዘይወሰነ ማለት’ዩ። ንዝኾነ ኣብታ ፋይልኩም ዝተመዝገበ ሰብ፡ ገንዘብ ክቕበለልኩም ውክልና ክትህቡ እንተ ደሊኹም፡ ብኽብረትኩም ካሪታስ ብቁጽሪ ተሌፎን 15946 ደዊልኩም፡ ናይ ውክልና ክትፍርሙ ኣለኩም።

ኣባል ስድራይ [ውላደይ፡ ሓወይ፡ መጻምድተይ] ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ክንዳይ ክቕበልዎ ደልየ’ስ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኣብ ፍሉይ ኩነታት፡ ካልእ ተቐባሊ ክትውክል ኣትኽእል ኢኻ፡ ከምኡውን ገንዘባዊ ሓገዝኩም ንምቕባል ናብ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ኽትከይድ ዝኽልክለካ ኣዝዩ ሓያል ምኽንያት ምስ ዝህልወካ ጥራይ’ዩ፡ ንኣብነት ንምንቅስቓስ ዝጸሉ ሕክምናዊ ጸገም። ካልእ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ተቐባሊ ውክልና ንምሃብ፡ ን ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት ብቑጽሪ ተሌፎን 15946 ተወከሱ እሞ፡ ንሳቶም ድማ እቲ መስርሕ ክጅምሩልኩም ኣዮም። ገንዘባዊ ሓገዝኩም ዝቕበል፡ ተመሳሳሊ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ቁጽሪ ፋይል ዘለዎ ተወካሊ ክትመርጹ ትጽቢት ይግበር። ብተወሳኺ ድማ፡ ንስኹምን እቲ እትውክልዎ ሰብን ብሓደ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታ ብኣካል ኬድኩም፡ ናይ ውክልና ቅጥዕታት ክትመልኡን ክትፍርሙን ኣለኩም። እዚኦም ኣሰራርሓ መሰላትኩም ንምሕላው ዝተቐመጡ እዮም። ምትሕብባርኩም ከኣ የድሊ። ወኪልኩም እንተ በዝሐ፡ ን12 ኣዋርሕ  ጥራይ’ዩ ክቕበለልኩም ዝኽእልን፡ ብድሕሪኡ ባዕሉ እቲ ወኪልኩም ክቕበል ከምዘይክእል ኣስተውዕሉ። ነቲ ውክልና ክተሕድስዎ እንተ ደሊኹም፡ ንካሪታስ ረኺብኩም፡ እንተወሓደ ቅድሚ እቲ ዝቕጽል ዕለት ምቕባል ገንዘብ ብሓደ ወርሒ፡ ሓድሽ ናይ ውክልና ወረቓቕቲ ክትፍርሙ ከድልየኩም እዩ።

 

እቲ ውክልና ዝሃብክዎ ሰብ ገንዘበይ ይኸልኣኒ ኣሎ፡ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ካሪታስ ናይ ውክልና ዝሃብካዮ ሓበሬታ ክትስርዞ/ክትገድፎ ሕቶ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሕቶኹም ተራእዩ፡ እቲ ዝሰረዝኩሞ ወኪል፡ ካብታ ትመጽእ ክፍሊት ጀሚሩ ገንዘብኩም ክቕበል ኣይክኽእልን እዩ።

ኣብቲ ምክፍፋል ገንዘብ፡ ምስቲ ኣላዪ ስድራቤት ክሰማመዕ እንተዘይክኢለ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ወላ እኳ ብስም እቲ ዋና ፋይል እንተ ተዋህበ፡ ንመላእ ስድራቤት ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ። ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ መን’ዩ ኣላዪ ስድራቤት መን’ዩ ከኣ ገንዘባዊ ሓገዝ ብስሞም ክቕበሎ ዘለዎ ዘኣመሰለ ስድራቤታዊ ግርጭታት/ዘይምርድዳእ ኢዱ ኣየእቱን ኣዩ። ከም ስድራቤት መጠን፡ ብሓባር ተመያዪጦም፡ ነቲ ዘይምርድዳእ መፍትሒ ክረኽቡሉ ንላቦ።

ብዝሒ ኣባላት ስድራቤት እንተ ተቕዪሩ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ? (ንኣብነት ተወሳኺ ኣባል ስድራቤት፡ ሞት ናይ ቀንዲ ዋና ፋይል)

ብኽብረትኩም፡ ቅኑዕ ብዝሒ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብግቡእ ንክንጸባረቕ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ናይ ምዝገባ ቆጸራ ሓዙ። እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝቕበል ዋና ፋይል እንተደኣ ብሞት ተፈልዩ፡ ብዝተኽእለ መጠን ቀልጢፍኩም ብኣካል ብምኻድ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም። ነቲ ቀንዲ ዋና ፋይል ከይቀየርኩም ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረኽብዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ስለምንታይ’የ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ከይመጸኒ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ምስ ከድኩ ግን ኣብቲ ሊስታ ስመይ ዝጸንሕ?

በቲ ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝሃብካዮም ቁጽሪ ተሌፎን፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እዩ እቲ ቀንዲ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ምርኻብ ኣገባብ። እቲ ናይ መፍለጢ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ እንተዘይ መጺእኩም፡ ብኽብረትኩም ተሌፎንኩም ብቕኑዕ መንገዲ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ተመዝጊቡ ምህላዉ ኣረጋግጹ። ቁጽሪ ተሌፎን እንተ ቐዪርኩም ናብ መስመር ሓበሬታ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ደዊልኩም ሓብሩ ኢኹም። ከምኡውን ናይ ተሌፎንኩም ኔትዎርክ ወይ ሸበካ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረጋግጹ። ድኹም ኔትዎርክ፡ ንምብጻሕ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ልሙድ ናይ ገንዘብ ምፍናው ግዜ ኤስ.ኤም.ኤስ እንተዘይ መጺእኩም፡ ብዛዕባ ናይ ምቕባል ገንዘብ ዕለትን ንውሓት ግዜን ንምሕታት ንካሪታስ ክትውከስዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ገንዘባዊ ሓገዘይ ክቕበል ምስ ከድኩ፡ ኣብቲ ፖስታ ቤት ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍል ከምዘለኒ ተነጊርኒ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

ኣብቲ ንቡር ናይ ስራሕ መዓልታትን ሰዓታትን (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ፡ ካብ ሰዕእት 8፡00 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 3፡00 ድሐሪ ቀትሪ) ገንዘባዊ ሓገዝኩም ካብ ጨናፍር ፖስታ ቤት ምቕባል ብነጻ እዩ፡ ገንዘብኩም ንምቕባል ዝኾነ ተወሳኺ ክፍሊት ክትከፍሉ ኣይበኣኩምን እዩ። ኣብዘን ናይ ስራሕ መዓልታትን ሰዓታትን ዝኾነ ተወሳኺ ክፍሊት ክትከፍሉ እንተ ተሓቲትኩም፡ ብኽብረትኩም ነዚ ፍጻሜ ንካሪታስ/ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ሓብርዎ ኢኹም። ይኹን’ምበር፡ ብመሰረት ሕጊ ፖስታ ቤት ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ስራሕ መዓልታትን ሰዓታትን ወጻኢ፡ ማለት ድሕሪ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ወይ ቀዳም፡ ሓገዝኩም ካብ ጨናፍር ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ፖስታ እንተተቐቢልኩም፡ ተወሳኺ 10 ጅኔህ ክትከፍሉ ክትሕተቱ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡውን ኣብ ዝኾነ እዋን ሓገዝኩም ካብ ዝኾነ ፖስታ ቤት ንእሽተይ ዱካን/ተንቀሳቓሲ ጨንፈር እንተ ተቐቢልኩሞ፡ ተወሳኺ 5 ጅኔህ ክፈሉ ክትበሃሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ከይደ ግን ጻዕቂ ሰብ ስለዝነበረ ሓገዘይ ንክቕበል ነዊሕ እዋን ተጸብየ። ኣብ መጻኢ እዚ ንምውጋድ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካርድኹም ጥራይ ሒዝኩም ገንዘባዊ ሓገዝኩም ትቕበሉ እንተ ኾይንኩም፡ ሽዑ ናብ ዝኾነ ካብቶም ኣብ መላእ ግብጺ ዝተዘርግሑ 4000 ጨናፍር ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ፖስታ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ሓገዝኩም ብናይ ዓይኒ ዓሸራ ዝውሰድ እንተኾይኑ ከኣ፡ ናብ ዝኾነ ካብተን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ጨናፍር ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም። ካብኣተን ጻዕቂ ሰብ ዘለዋ እንተጸኒሓትኩም፡ ብኽብረትኩም ብመሰረት እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ናብታ ትቐርበኩምናይ ዓይኒ ዓሸራ ዘለዋ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ኪዱ፡ ወይ ድማ ነቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዘራሕተኛታት ሕተትዎም፡ ብኡ መሰረት ከኣ መምርሒ ክህቡኹም ኣዮም።

ናይ ምቕባል እዋን ሓሊፍኒ። ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ጌና ገንዘበይ ክሰደለይ ይኽእል ድዩ?

ኖኖ። ገንዘባዊ ሓገዝኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ኣባታ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ ፣አልእኽቲ ተጠቒሳ ዘላ ዕለት ጥራይ’ዩ ክወሃብ ዝከኣል።

ገንዘባዊ ሓገዝኩም ኣብ እዋኑ ትቐበልዎ ምህላውኩም ኣረጋግጹ፡ ብዝያዳ ተመራጺ ዝኸውን እታ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ብኡንብኡ ምስ መጸትኩም። እቲ ዕለታት ምስ ተወድኤ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ይመልሶ እዩ፡ እቲ ዝሓለፈኩም ገንዘባዊ ሓገዝ ከምብሓድሽ ኣይሰደልኩምን እዩ።

ገንዘባዊ ሓገዘይ ንክቕበል ካልእ ጸገማት እንተ ኣጋጢሞምኒ፡ ንመን እየ ክሓትት ዝኽእል?

ዝኾነ ጸገማት እንተ ኣጋጢሞምኹም፡ ብኽብረትኩም ናብ መስመር ሓበሬታ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት  15946 ደውሉ። ናይ ካሪታስ ኣማኸርቲ፡ እቲ ግቡእ ምኽሪ ሂቦም፡ ብወገኖም ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ እንተ ሃልዩ ድማ ክወስድዎ እዮም። (ካብታ ናይ ምቕባል ዝወደኣላ ዕለት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ክትሕብሩ ኣለኩም እቲ ጉዳይ ቀልጢፉ መታን ክርኤ/ክፍታሕ)

ብኽብረትኩም ኩሎም ጥርዓናትን ሕቶታትን ምስ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኣሳሰሩ ብመንገዲ ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት እዮም ክውሰዱ ዘለዎም። ኣብ ቤት ጽሕፈታት  ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣይምዝገቡን እዮም ብዘይካ እቲ ኣብ ካሪታስ ዝቐርብ ጥርዓን፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንጉዳይኩም ክርእዮ ኣይክእልን እዩ።

ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝውሰዱ ናይ ብቕዓትን ምምላስ ገንዘብን ውሳኔታት፡ ብቐጥታ ቤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ኽሕብሩኹም እዮም (ንምክትታል ውን ካሪታስ ክትድውለልኩም ትኽእል እያ)። ስለዚ፡ ኩሉ ግዜ ዝሰርሕ ቁጽሪ ተሌፎንኩም ምምዝጋብ ኣገዳሲ እዩ። ንናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ምዝገባ ወይ ንመስመር ሓበሬታ ብምሕባር ማለት’ዩ።

ገንዘባዊ ሓገዘይ እንትዘይ ተቐቢለ እንታይ ከጋጥም ይኽእል?

ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትቅበሎ እንተዘይ ክኢልካ፡ ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ወይ ብመሻርኽቱ ክድወለልካ ይኽእል እዩ፡ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ማለት’ዩ። ንኽልት ተኸታተልቲ ናይ ምኽፋል እዋን ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝካ እንተዘይ ተቐቢልካዮ፡ ፋይልካ ካብ ሊስታ ገንዘብ ይእለ እሞ፡ ኣብ ክንዳኻ ካልእ ዝተወጸዐት ስድራቤት ይኣትዉ። ብኽብረትኩም፡ ዝኾነ ሓገዝ ንክትቕበሉ ዝኽልክል ምኽንያት እንተ ሃልዩኩም፡ ን መስመር ሓገዝ ካሪታስ ብ  15946  ተወከሱ።

ካብ ሓደ ትካል፡ ብዛዕባ ገንዘባዊ ሓገዝ ሕቶታት ንምሕታት ተሌፎን ተደዊልለይ። እዚ ንቡር ድዩ? ክምልስ ኣለኒ ድዩ?

በብእዋኑ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ብሃውሪ ንዝተፈላለዩ ስደተኛታት፡ ርኢቶታት ብዛዕባ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምውሳድ፡ ብመንገዲ “ሳጋቺ” ዝበሃል ፍቓድ ዘለዎ ናይ ምክትታል ሳልሳይ ኣካል ኩባንያ ኣቢሉ ሓበሬታ ይእክብ እዩ። ከምኡውን ካልኦት መጽናዕትታት ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ ብኻልኦት ኣካላት ኣቢሎም ክካየዱ ይኽእሉ እዮም (ንኣብነት ካፕማስ) ነዚ መጽናዕቲ ቃለመሕትት ክትገብሩ እንተ ተመሪጽኩም፡ ቅድሚኡ ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ከምዝመረጸኩምን፡ ሽም ናይቲ መጽናዕቲ ዝገብር ትካል ንክሕብር ኢሉ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክሰደልኩም እዩ።

ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣርን መሻርኽቱን ንስደተኛታት ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ስለዝሕግዙ፡ ኣብ መልስታትኩም ሓቐኛን ቅኑዓትን ኩኑ። እቲ መጽናዕቲ ንብቕዓት ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምርካብ ኣይጸልዎን እዩ። ኩሎም ናይ ምክትታል መጽናዕቲ፡ ብምርጫ ዝግበሩ ኮይኑም፡ ንገንዘባዊ ሓገዝ ኣይጸልዎን እዮም። እቶም ዝወሃቡ መልስታት ብምስጢራውነት እዮም ዝተሓዙ።

ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝወስዶ ዝነበርኩ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይቅበልን’የ ዘለኹ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ውን ኣይፈልጥን እየ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ቀጻሊ እዩ ነቲ ኣብ ግብጺ ዝተመዝገባ ስድራቤታት ዝምርምር። ቅድሚ ነፍሰወከፍ ናይ ገንዘብዊ ሓገዝ ዝወሃበሉ እዋን ድሕሪ ደጊም ንመዐቀኒታት ብቕዓት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዘየማልኡ ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ብመሰረት ትንተና ናይ’ቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ካብቲ ሓገዝ ይእለዩ እዮም። ከምኡውን ንኽልተ ተኸታተልቲ ናይ ምኽፋል ገንዘብ እዋናት ገንዘባዊ ሓገዞም ዘይተቐበሉ ሰባት፡ ከምኡውን ዕጹውን ዘንጡፍን ፋይላት ዘለዎም ሰባት ካብ ሊስታ ገንዘባዊ ሓገዝ ይእለዩ እዮም። ድሕሪ ሕጂ ንገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዓት ዘይኮኑ ፋይላት፡ ብዛዕባ እቲ ውሳነን ብዛዕባ እቲ ምእላይ ዝጅምረሉ ዕለትን ዝሕብር ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣብቲ ዝተመዝገበ ቁጽርታት ተሌፎን ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክስደደሎም እዩ።

ካብቲ ዝሓለፈ ገምጋም/ቃለመሕትት ጀሚሩ፡ ኩነታትኩም ኣዝዩ ዝተቐየረ እንተኮይኑ (ከም ምስኣን ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ/ስራሕ)፡ ብኽብረትኩም ኣብ መነባብሮኹም ዝቕየር ነገር ንዝምልከት ሓበሬታ ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ካብ ዝስደደልኩም እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ን  ካሪታስ ሓብሩ። እቲ ዘቕረብኩሞ ሕቶ ተመርሚሩ፡ ካልእ ቃለመሕትት ክትገብሩ ድማ ብካሪታስ ክትሕተቱ ትኽእሉ ኢኹም፡ እዚ ድማ ገና ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ብቕዓት ረቛሒታት ዘማለእኩም እንተኾይንኩም ንምፍላጥ እዩ።

ካብ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ሊስታ ንምእላይ ዝተወስደ ውሳነ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ስለዝ’ስ ጥርዓን ከቕርብ ድልየ

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይተን ኣብ ግብጺ ዝተመዝገባ ስድራቤታት ሓበሬታ ብቐጻሊ ይምርምሮ እዩ። ኣብ ነፍሲወከፍ ሰለስተ ወርሒ፡ ብመሰረት ትነተና ናይ’ቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ካብቲ ሓገዝ ይእለዩ/ይድምሰሱ እዮም። ሕጂ ውን ንገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዕ ክትከውን ኣለካ ኢልካ ትኣምን እንተኾይንካ፡ ይግባይ ንምቕራብ፡ ካብታ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምእላይ ውሳኔ ዝፈለጥካሉ ዕለት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንካሪታስ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።  እቲ ዘቅረብኩሞ ጠለብ ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ተገምጊሙ፡ ተወጻኺ ሓበሬታ ንምርካብ ድማ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር/ካሪታስ ክሓቱኹም ይኽእሉ እዮም። ካብቲ ገንዘባዊ ሓገዝ እንደገና እንተ ተኣሊኹም፡ ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መልእኽቲ ክመጸኩም እዩ። ብኽብረትኩም፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመዝገበ ሓበሬታኹም ኣሐድሱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ገንዘባዊ ሓገዝ ይቕበል ኣለኹ፡ ካልእ ቃለመሕትት ንክገብር ድማ ካሪታስ ነጊሮምኒ። እንታይ ስለዝደለዩ’ዮም፡ እንታይ ከ ክገብር ኣለኒ?

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይተን ኣብ ግብጺ ዝተመዝገባ ስድራቤታት ሓበሬታ ብቐጻሊ ይምርምሮ እዩ፡ ንሱ ድማ ገና ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ከምዘለዉ ንምርግጋጽ እዩ። ብኡ መሰረት ከኣ፡ ብካሪታስ ሓበሬታኻ ምስ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንምሕዳስ ተባሂሉ ንሓድሽ ናይ ገምጋም ቃለመሕትት ንምክያድ፡ ብካሪታስ ክድወለልካ ይኽእል እዩ። ብኽብረትኩም ኣብቲ ሓድሽ ናይ ገምጋም ቃለምሕትት ምስ ካሪታስ ተሓባበሩ ኢኹም። ከምኡውን ኣብቲ ቅጸራ ዝተታሕዘሉ ዕለት ቅድሚ ኩነት ከይፍለጥኩም እንከለኹም ዘይምምጻእኹም፡ ካብቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ክኣልየኩም ከምዝኽእል ኣስተብህሉ።

ንሰራሕተኛታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር/ካሪታስ ብዛዕባ ገንዘባዊ ሓገዘይ ተዛሪበዮም፡ ብሕማቕ ኣገባብ መሊሶምለይ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

  1. ዝኾነ ናይ ሰብኣውነት ትካል ሰራሕተኛ ኣብ እዋን ርክባትኩም፡ ብግቡእ ኣገባብ ከምዘይ ተዛረበ ኣረኣእያ እንተ ሃልዩኩም፡ ዝኾነ ካብዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም፦
    1. ምስ ኣማኻሪ ናይ ካሪታስ ቆጸራ ሓቲትካ ብዛዕባ ስክፍታታትካ ምዝርራብ
    2. ጥርዓን ብጽሑፍ መልክዕ ኣብ ሳንዱቕ ጥርዓን ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ምቕራብ
    3. ኣብ ዘለኹሞ ቦታታት ኣብ ዝግበር ናይ ምብጻሕ ሰራሕተኛታት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ ብመልክዕ ጽሑፍ ጥርዓን ምርካብ
    4. ጥርዓንኩም ዝሓዘ ኢመይል ናብዚ ኣድራሻ ምስዳድ፦[email protected]

     

    ስሞ ዘይብሎም ጥርዓናት ኣይክግንጸሉን እዮም። ሽምኹም፡ ቁጽሪኣ ፋይልኩም ቁጽሪ ተሌፎንኩምን ክተረክቡ ኣለኩም። ብዘይ ፍቓድኩም ሓበሬታኹም ከምዘይ ነመሓላልፍ ክትፈልጡ ኣለኩም። ከምኡውን ጥርዕእንኩም ንሓገዝኩም ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣይጸልዎን እዩ። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ምሕባር መንገድታት፡ ጥርዓን ብዛዕባ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር/ካሪታስ ሰራሕተኛ እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ሊስታ ገንዘባዊ ሓገዝ ምእታው ወይ ሓፈሻዊ ሕቶታት ከምዘይኮነ ኣስተብህሉ።

ኣየኖት ፋይላት እዮም ገምጋም ንምክያድ ቀዳምነት ዝወሃቦም?

  • ብሰንኪ ልዑልን ዝተረጋገጸን ናይ ድሕነት ሓደጋታት ብናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ክፍሊ ድሕነት ዝተለለዩን ዝተመሓላለፉን ፋይላት።
  • ቅድሚ ክልተ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ናይ መወዳእታ ገምጋም ዝተገብረሎም ሓደስቲ ገምጋም ዝሓቱ ሰባት።

ብዛዕባ እቲ ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝያዳ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

    • መዓልታትን ሰዓታትን ስራሕ፡ ሶንይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቐ ክሳብ 04:00 ድ.ቐ።
    • ዓርብን ቀዳምን ዕጹው እዩ።
    • ቁጽሪ ተሌፎን (መስመር ሓበሬታ)፡15946ዝኾነ ይኹን ሕቶ፡ ርኢቶ፡ ወይ ብዛዕባ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝምልከት ጥርዓን እንተሃልዩኩም፡ ንመሻርኽትና ፕሮጀክት ካሪታስ መሰረታዊ ድሌታት ብዝኾነ ካብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዎ ቁጽርታት ትሌፎን ተወከሱ። ካሪታስ ንኹሉ ሕቶታኩም መልሲ ክህበኩምን፡ ዘድሊ ሓበሬታ ከካፍለልኩምን፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ዝኾነ ውሳኔ ክግበር ዘለዎ እንተሃልዩ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።

      ካሪታስ ዓባይ ካይሮ፡

      • መዓልታትን ሰዓታትን ስራሕ፡ ሶንይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ ክሳብ 03:30 ድ.ቐ።
      • ዓርብን ቀዳምን ዕጹው እዩ።
      • ቁጽሪ ተሌፎን (መስመር ሓበሬታ)፡15946

      ካሪታስ ኣሌክሳንድርያ፡

      • መዓልታትን ሰዓታትን ስራሕ፡ ሶንይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ ክሳብ 03:30 ድ.ቐ።
      • ዓርብን ቀዳምን ዕጹው እዩ።
      • ቁጽሪ ተሌፎን (መስመር ሓበሬታ)፡15946

      ካሪታስ ዱምያጥ፡

    ካሪታስ ኣስዋን፡

    • መዓልታትን ሰዓታትን ስራሕ፡ ሶንይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ ክሳብ 03:30 ድ.ቐ።
    • ዓርብን ቀዳምን ዕጹው እዩ።
    • ቁጽሪ ተሌፎን (መስመር ሓበሬታ)፡15946