ትምህርቲ

ኮርሴራ ፕሮግራም ንስደተኛታት ኢንታይ ኢዩ?

ኣብ መላእ ዓለም ብዚርከባ ኽቡራት ዩኒቨርስቲታትን ካልኦት ትካላትን ዝተዳለወ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ማዳያትን ዓውዲታትትምህርትን ከም ( ምምሕዳር, ንግዲ, ቓንቓ, ፕሮግራም, ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣምሰለ) ብናጻ ዚዋሀብ ቢንተርኔት ዝተዳለወ መድረኽ ኢዩ። ካብ ዝኾነ ይኹን ኮርስ ምስ ተዛዘመ ምስክር ወረቐት ይዋሀብ።

መን ኢዩ ኣብቲ ፕሮግራም ክምዝገብ ዝኽእል?

  • ስደተኛታትን ዑቕባ ዝደልዩ ሰባትን ከምኡ ውን ኢመይልን ኢንታርኔትን ዘለዎም ግብጻውያን ኣብቲ ፕሮግራም ክምዝገቡ ይኽእሉ።
  • ክምኡውን ኢዞም ናይ ምዝገባ ጠለብ ክመልኡ ዝኽእሉን ኣብ ሓደ ካብተን ኣብ ማዓዲ ወይ ነሲር ሲቲ ዝርከባ ናይ ሕብረተሰብ ማእከላት ንቲ ፕሮግራም ክውዱኡ ዝኽእሉን.

ኢዚኣ ዕድመ ሕጂ ን 200 ሰባት ጥራይ ተኸፊታ ኣላ፣ ቀዳምነት ብምዝገባ ኢዩ።

ንተን ኮሪሳት ብጃካ ኢንግሊዘኛ ብኻልእ ቓንቓ ክማሃሮ እኽል ዶ?

እወ፣ ገለ ኮሪሳት ናብ ቓንቓ ዓረብ ዝተተርጎመ ኢዩ፣ ግን ኢቲ ፈተናታት ብቓንቓ ኢንግሊዘኛ ይኸውን, ዝበዝሐ ኮሪሳት ውን ብቓንቓ ኢንግሊዘኛ ኢዩ።

ስደተኛታት ንዚ ኮርሳት ኢዚ ምእንቲ ክጥቀሙሉ ኢንተርኔት ክጥቀሙ የድልዮም ድዩ?

  • ኢንተርኔት ንታ ኮርስ ክተውርድ ትራይ ይደሊ፣ ሓንሳእ ምስ ዝወርድ ብዘይ ኢንተርነኢት ንቲ ኮርስ ክትውድኦ ትኽእል፣ ከምኡ ውን ናይ ኮርሴራ ኣብሊኬሽን ስለዘሎ ኣብ ሞባይል ወይ ታብሌት ኣወኢድካ ክትካታተሎ ትኽእል፣ ናይ ግድን ኣይ ኮነን ኮምፕዩተር ክህሉ.
  • ከምኡ ውን ኣብ ማዓድን ነሲር ሲትን ዝርከባ ናይ ዩ ኤን ማሕበራውያን ማእከል ትምህርቲ ኬድካ ብምትሕብባር ትካል ቲር ዞም ኢንትረኔት ክትጥቀም ትኽእል።

ብኸመይ ክምዝገብ ይኽእል?

ንቲ ኣብዚ ሊንክ ዘሎ መመልከቲ ፎርም ምልኣዮ ኢሞ ደወል ክትቕበል ኢኻ፦  https://enketo.unhcr.org/x/VUtcD7E5

ዝኾነ ሕቶታት ምስዝህልወካ ኣብዚአን ቁጽሪታት ደውል

ማእከል ማሕበራዊ ትምህርቲ ማዓዲ፥ 01028411101

ማእከል ማሕበራዊ ትምህርቲ ማዲነት ነስር፡ 01033680393