ምትላልን ብልሽውናን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣካይዳን እንኮላይ ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ጻብጻብ ምሃብ።

ካብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ወጻኢ ወይ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዊስካ ምስ UNHCRን/ወይ መሻርኽቱን ናይ ሓሶት ምትእስሳር ኣለኩም ካብ ዝብሉ ውልቀሰባት ተጠንቀቑ። ንገንዘብ ወይ ሞገስ ንምልዋጥ ዳግመ-ምጥያስ ሓዊሱ ንUNHCR ወኪሉ ኣገልግሎት እህብ እየ ዝብል ሰብ ኣይትእመን። ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ብነጻ ምዃኑ ኣይትረስዑ። በጃኹም ብቕልጡፍ ናይ ምትላል ስክፍታታት ናብ [email protected] ምሕባር።

UNHCR ንጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ሓዊሱ ንመጭበርበርቲ፣ ብልሽውናን ግጉይ ተግባርን ዜሮ ተጻዋርነት ኣለዎ።

ኩሉ ብUNHCRን መሻርኽቱን ዝወሃብ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ!

ኣጋዳሲ መዛኻከሪ

ዩ ኤን ክምኡ ውን መሽርኽቲ ዩ ኤን ክም ዝኾኑ ብሓሶት ዚዛረቡ ውልቀ- ሰባት እንኮላይ ኣብ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ወይ ኣብ ዝትፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቁሎም

ኣብ ክንዲ ዩ ኤን ኣገልግሎት ከም ዝህብ ንዝዛርብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይትእመን፣ ገለ ካብዚ ብገንዘብ ዳግማይ ምደባ/መገሻ ወይ ኣገልግሎት ምርካብ ኢዩ። ኩሉ ዩ ኤን ዝትህቦ ኣገልግሎት ብጡርሑ ምኻኑ ኣስተብህል። ብዛዕባ  ምትላል ዚገልጽ ጉዳያት ብኡንብኡ ናብ  [email protected] ኣመልክት። ጻብጻብካ ብምስጢር ኪታሓዝ ኢዩ።

ዩ ኤን ንምትላልን ብልሽውናን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣካይዳን እንኮላይ ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ፈጺማ ኣይ ትጻወሮን ኢያ

ምትላል ኢንታይ ኢዩ?

ዝኾነ ይኹን ተግባር ምትላል ዘለዎ ኣንከላይ ሓቅታት ምሕባእ/ምቅያር ድይመደይ ኢልካ ወይ ኢናፈለጥካ ወይ ንሓደ ኣካል ብቀጣታ ወይ ብተዘዋዋሪ ንርእሱ ወይ ንሳልሳይ ሰብ ጥቅሚ ንምርካብ ብገንዘብ ከስሕቶ ዝፍትን ኢዩ።

ገለ ኣብነታት ካብቲ ናይ ምትላል ተግባራት ኢዚ ዝስዕብ ኢዩ፡

  • ምእንቲ ገንዘብ ብዛዕባ ሓገዝ ወይ ኣገልግሎት ናይ ሓሶት ብሕታዊ ሓበሬታ ምሃብ
  • ናይ ሓሶት ወይ ንቲ ኦሪጂናል ሰነዳት ብዘይግቡእ ምጥቃም
  • ንብሕታዊ ረብሓ ወይ ንኣገልግሎት ዚኸውን ጋንዘብ ዝሓተት (ንኣብነት ምዝገባን ተውጢንን)
  • ን ዩ ኤን ወይ ንኻልኦት ትካላት ወይ ንመሻርኽቲ ዩ ኤን ክምእትውክል ብሕሶት ምዝራብ

ብልሽውና ኢንታይ ኢዩ?

ንተግባራት ካልእ ሰብ ዘይግቡእ ጽልዋ ምእንቲ ክሕድረሉ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ዘለዎ ነገር ( ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ) ምርኣይ ምቕባል ወይ ምሕታት።

ስደተኛታትን ዕቑባ ዚደልዩን ወይ ካልኦት ውልቀ-ሰባትን ብዛዕባ ምትላልን ብልሽውናን ዚጥርጠሩ ብኸመይ ክትሕብረሎም ትኽእል?

ብዛዕባ  ምትላልን ብልሽውናን ዝለዓል ዝኾነ ይኹን ሻቕሎት ወይ ጥርጣረታት ናብ  [email protected] ኣመልክት። ኩሉ ጻብጻባት ብምስጢር ኢዩ ዝተሓዝ ።

ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ኢንታይ ኢዩ?

ሓደ ኣባል ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ማሻርኽታን ከምኡውን ወይ ኣላዪ ኣገልግሎት ምስቶም ሰራሕተኛታት ኣካያይዳኦም ምስቲ ናይ ዩ ኤን ሕግታትን ምምርሒታትን ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውን ኢዩ፣ ኣብነታት ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምትላልን ብልሽውናን ምዝመዝን ጾታዊ ዓመጽን ይጠቃልል።

ምዝመዝን ጾታዊ ዓመጽን ኢንታይ ኢዩ?

  • ጾታዊ ምዝመዛ ዝኾነ ማህሰይቲ ወይ ምእንቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ግዜ ድኽመታት ወይ ሓይሊ ወይ ዘይ ምዕሩይ  ምእማን ክትምዝምዝ ምፍታን ኢዩ።

 

  • ጾታዊ ዓመጽ ናይ ብሓቂ ጾታዊ ርክብ ወይ ምጉብዕባዕ ኢዩ፣ ብሓይሊ ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዘይሙዕሩይ ኩነት ወይ ኣግዲድካ ኢዩ ዝፍጸም።

 

ዩ ኤን ንጾታዊ ምዝመዛን ዓመጽን ፈጺሙ ዘይጻወር ፕሊሲ ኣለዎ፣ ኣዚዩ ዘይምዕሩይ ጠባይ ኢዩ፣ ዩ ኤን ንብምልኦም ሰራሕተኛታታ ኣብ ክምዚ ንኸይ ውዕሉ ብትሪ ኢያ ተጠንቒቆም።

ንሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ቶርጎምትን ሓለውቲ ጸጥታን ከምኡ ወን ማሻርኽቲ ዩ ኤንን ዘጣቃልል ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ከምይ ጌረ ክሕብረሉ እኽእል?

ስደተኛታትን ዕቕባ ዚደልዩ ስባትን ምእንቲ በቲ ካብ ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ቶርጎምትን ሓለውቲ ጸጥታን ከምኡ ወን ማሻርኽቲ ዩ ኤንን ዝረአ ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ክምኡ ወን ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ጥርዓን ዝቕርቡሉ መንገዲ ክረኽቡ መስሪሒታት ተኻዪዱ። ክምኡ ውን ካብ ናይ ኣሳራረሓ ሙግዳል ፍትሒ (ክእለት/ምርካብ ቶርጎምቲ፣ መንገዲታት ምብጻሕ ናብቲ ቀንዲ ህንጻ ዮ ኤንን ሰራሕተኛታትን፣ መስረሕ ምዝገባ፣ ውሳነ ስደተኛ ሙኻን፣ ካልእ ናይ ዕቑባ መስረሕ ዘጣቃልል) ረፖርት ክተቕርቡ ትኽእሉ፣ ምእንቲ ዕቑባን ሓገዝን ክህሉ ኣብ ዩ ኤን።

ዝኾነ ሰብ ካብ ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ወይ ቶርጎምቲ ወይ ሓለውቲ ጸጥታን ከምኡ ወን ካብ ማሻርኽቲ ዩ ኤንን  ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ምስዝርኢ፣ ኢቲ ሰብ ዘለዎ ቦታ ብዘይ ገድስ፣ ኣብ ሓንቲ ካብዚአን ዝስዕባ ምስጢራውያን መራኸቢታት ክሕብር ይግባእ።

  • ኢ-መይል ምስዳድ ናብ  [email protected]
  • ብብሕቲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ዩ ኤን (UNHCR) ዝርከብ ሳንዱቕ ጥርዓናት ዳብዳበ ወይ ፎርም ጥርዓን ኣቐምጥ።
  • ብፖስጣ፡ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን (UNHCR)፣ 17 ሻረዕ ማካ ኣልሙካረማ፣ ኣል ሓይ ኣልሳበዕ፣ ኣልግሰም ኣልሳልስ፣ ማዲንት ሲታ ኦክቶበር።

ከምኡ ወን ብቃጥታ ናብ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን ዘሎ ጀነራል ኢንስፐረር በዚአን ዝስዕባ ምስጢራውያን መራኸቢታት ጻብጻባት ክተቕርቡ ትኽእሉ፡

በጃኻ ኣብ ኩለን ዳብዳቤታት ምስጢር ሙኻኑ ንምሕባር ምልክት ግደፍ።


ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕ UNHCRን ኣገልግሎታቱን ኣብዚ ተወከሱ www.unhcr.org/eg

ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ https://www.facebook.com/RefugeesEgypt/ (እንግሊዝኛ-ሶማሊ-ኦሮሞ-ኣምሓርኛ-ትግርኛ)
ወይ https://www.facebook.com/RefugeesEgyptAR (ዓረብኛ)