ምስክር ወረቐት ልደት ንሓደሽቲ ዝተወልዱ ቖሎዑ.

ሒጊ ሲቪሊዊ  ኩነታት ግብጺ “ ሓደሽቲ ዚተዎልዱ ቆልዑ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት  ክምዝገቡ ከም ዘለዉ ዩ ዝእዝዝ። ምዝገባ ሕርሲ ሒጋዊ ሰነድ መርተዖ ዕድመን ን ዝተወለደ ቆልዓ አዩ። ብዘይካ ዚ ምዝገባ ሒርሲ መስመር ወለዱ ኣብ ሰነድ ብምእታውን ዜግነቶምን ብምዉሓስ ግዳም ሓዳር ንኽይከውን ኪሒግዝ ይኽእል።

ምዝገባ ዉልደት

ናብ ዝተወልደሉ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ንኽትከይድ ንላቦ። ምስክር ወረቀት ምእንቲ ኽትረክብ ኩሉ ዘደሊ ሰንዳት ከተምጽኦ  አዩ ዝግባእ።

ኣደላዪ ሰነዳት

  • ሕጋዊ ሰነዳት መርዓ ወይ ፍታሕ።
  • ኣብ ሕክምና ወይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕክምናዊ ትካል ብዝዓባ ዉልደት ዝገልጽ ምልኽታ።
  • ናይ UN ካርድ ወይ ፓስፖርት ናይ  ኣቦ ወይ ኣደ።
  • ናይ ሞት  ምሲክር ወረቀት ኣቦ ሙዉት ተ ኾይኑ፣ ምሕራስ ኣብ ገዛ ኢንተ ደኣ ኣጋጢሙ ንቐረባ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ጥዕና  ናይ ሕርሲ ሓብር።

ምስክር ወረቀት ልደት

ምስክር ወረቀት ልደት ንዚኦም ዝስዕቡ ሰባት ጥራይ እዮም ካብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ሓቲቶም ክም ዝዋሃቡ ዚኽእሉ።

1) ኣቦ

2) ኣደ(ማንነት ኣቦ ብምርግጋጽ)

3) ብኣቦ ዝኾነ ሕዉኻ (ማንነት ኣቦ ብምርግጋጽ)

4) ኣቦ ሓጎኻ  / ዓባይካ ወይ ኣሞኻ ኩሎም ብ ኣቦኻ (ማንነት ኣቦ ብምርግጋጽ)

ምስክር ወረቀት ልደትካ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ እንተ ዘይተረኺቡ ናብ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት  ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ግብጺ ዝሪከብ ሲቪላዊ መዝገብ ኪድ።

 

ኣደላዪ ሰነዳት

1) ሕጋዊ ሰነዳት መርዓ ወይ ፍታሕ።

2) ናይ UN ካርድ ወይ ፓስፖርት  ናይ  ኣቦ ወይ ኣደ።

3) ናይ ሞት  ምሲክር ወረቀት ኣቦ ሙዉት ተ ኾይኑ፣ ምሕራስ ኣብ ገዛ ኢንተ ደኣ ኣጋጢሙ ንቐረባ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ጥዕና  ናይ ሕርሲ ሓብር።

4) ክልተ ናይ ታሴራ ስእሊ(4*6)።

5) ፎርም 26 ካብ ዝኾነ ይኹን ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ክሪከብ ይኽእል ዩ።

ዝድሊ ሰነዳት ክትረኽቦ እንተ ዘይ ከኢልካ፡ኣቦ ዉን እንተ ዘይ ሃሊዩ፡ ዝኾነ ካልእ ጸገማት እንተ  ኣጋጢሙካ ኻኣ ናይ ዩ ኤን መስመር ሓባሬታ ሲልኪ ደዉል