መግለጺ መንበሪ ፍቃድ ኣብ ግብጺ

ስደተኛታት ብዝርከቡዎም ኣብ ዓረባዊት ሪባብሊካዊት ሃገረ ግብጺ ዝቅመጥ ዝኾነ ወጻተኛ ብቕዕቲ ዝኾነት ናይ መንበሪ ወረቀት ብምውጻእ ክቕየድ ኣለዎ፣ ብቕዕቲ ዝኾነት ናይ መንበሪ ወረቀት ምስዘይ ይውጽእ ግን፣ ኣብዚ ዓዲ ምንባሩ ዘይሕጋዊ ይኸውን፣ ብኡ መሰረት ኻኣ ብናይ ግብጺ ሕጊ ይቅጻዕ። ስለዚ ብድሕሪ ናብ ዩ ኤን ብምምዝጋብ ብናይ መንበሪ ወረቀት ምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ እትወድቀሉ እዋን ውን ክትሕድስዋ ንላብውኩም፣

ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ንምውጻእን ንምሕዳስን ዝስዕብ መምርሒታት ተኸተሉ፣

  • ኣብ ምንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዘውጻኣቶ ምምርሒ ብምቱርካስ፣ ካብ መጀመርያ ሓምለ 2021 ንምውጻእ መንበሪ ፍቃድ ዝዋሀብ ዝነበረ መወከሲ ቁጽሪ ካብ ምንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣይክወጽእን ኢዩ.

ምእንቲ ምሕዳስ ካርድ ወይ ሓዲሽ ካርድ ንምውጽእ ካብ ዩ ኤን መልእኽቲ ዝተሰድደሎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቕባን፣ ንምንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝምልከት መወከሲ ቁጽሪ ኣብ ግዜ ምርኻቦም ካብ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን ክዋሃቡዎ ኢዮም፣ ብድሕርኡ ብቀጣታ ኣብቲ ዝተዋሀበኩም ቖጻራ ምስ ኣብ ዓባሲያ ዝርከብ ምምሕዳር ማራኻቢታት እምግሬሽንን ስደትን ትራኸቡ።

ከምኡ ውን ን ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ዝምልከት መወክውሲ ቁጽሪ፣ ካብዘን ዝስዕባ ቤት ጽሕፈታት ካሪታስ ክትወስዲዎ ትኽእሉ፣ ግን ናይ ዩ ኤን ካርድኹም እንተ ወሓደ ን 6 ወርሒ ቡቁዕ ክኸውን ኣለዎ።

ኦክቶበር: ኣልሓይ ኣልሳምን ህንጻ ቁጽሪ 48/8 ዞን 3

ብጀካ ቃዳምን ሰንበትን መዓልታዊ ካብ ሳዐት 8፡30 ቅ.ቃ ክሳብ 15፡30 ድ.ቃ

ነስር ሲቲ/መዲነት ነስር፡ 30 ሲበወ ኣልመስሪ ካብ ሻረዕ/ጎዳና ኣንወር ኣልሙፍቲ ዝተፈልየ፣ ድሕሪ ትራፊክ ነስር ሲቲ

ብጀካ ቃዳምን ሰንበትን መዓልታዊ ካብ ሳዐት 8፡30 ቅ.ቃ ክሳብ 15፡30 ድ.ቃ

ኣሌክሰንደሪያ፡ 26 ሻረዕ/ጎዳና ጣልዓት ንዕማን፣ ማሓጠት/ፕያሳ ኣልረምል, ሳልሳይ ደርቢ.

ብጀካ ዓርብን ሰንበትን መዓልታዊ ካብ ሳዐት 3፡30 ድ.ቃ ክሳብ 20፡30 ድ.ቃ

ድምያጥ፡ 21/81 ኣልሙጃውራ ኣልኡላ- ኣልሓይ ኣልኣወል- ቅድሚ ናይ ዲምያጥ ኣልጃዲዳ ሆቴልን ቱሪዝምን ኢንስቲቱት.

ብጀካ ዓርብን ቀዳምን መዓልታዊ ካብ ሳዐት 14፡30 ድ.ቃ ክሳብ 19፡30 ድ.ቃ

መታሓሳሰቢ፡ ናብ ቤት ጽሕፈታት ካሪታስ ኣብ እትኸዱሉ እዋን ናይ ኤን ካርድኹም ምሳኹም ክትህሉ ኣለዋ. ካርታስ ብወገና ዕልት ምውዳቅ ናይ ኤን ካርድኹም ክተራጋግጾ ኢያ፣ ምሕዳስ ዘድልዮ እንተ ራኺባቶ፣ ንዋና እቲ ካርድ ናይ መሓደሲ ቖጻራ ክሕዝ ክትምዕዶ ኢያ.

  • ኣብቲ ምስቲ መወከሲ ቁጽሪ ዝተወሃበኩም ቖጻራ ናብ ኣብ ዓባሲያ ዝርከብ ምምሕዳር ማራኻቢታት እምግሬሽንን ስደትን ክትኸዱ ኣልኩም። ብድሕሪኡ ንቲ ካብ ዩ ኤን ወይ ካርታስ ዝወስድኩሞ መወከሲ ቁጽሪ ን ቤት ጽሕፈት ማራኸቢታት ተራክብዎ፣ ብኡ መሰረት ኻኣ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት እትተቅርቡሉ ዕለት ክዋሃበኩም ኢዩ።
  • ኣብ መዓልቲ ቖጻራኻ/ኺ ናብ ዓባሲያ ቤት ጽሕፈት መውጺኢ መንበሪ ፍቃድ ጋጽካ/ኪ ኣመልክት፣ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት ዝርከቦም ኩሉ ኣጋዳሲ ዝኾነ ዶኩመንቲታት ክተረከብ ክትሕተት ኢኻ/ኺ፣ ብጎኒ ኢዚ ምስ ኩሎም ኣባላስ ስድራቤት ስእልን ናይ ኢድ ስንቢራት ክውሰደልኩም ኢዩ፣ ብድሕርኡ ናይ መካብ ቖጻራ ክወሃበኩም ኢዩ።
  • ኣብቲ ዝተዋሀበኩም ቕጻራ ናብ ምምሕዳር እምግሬሽንን ስደትን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መውጺኢ መንበሪ ፍቃድ ክትምለሱ ኣለኩም፣ ምእንቲ ካብ መንግስቲ ግብጺ ዝወጽአ መንበሪ ፍቃድ ካርድ ክትቅበሉ።
  • መንበሪ ፍቃድ ካርድ ካብ ኣብ ዓባሲያ ዝርከብ ምምሕዳር እምግሬሽንን ስደትን ጥራይ ይወጽእ፣ ኣብዚኾነ ቦታ ኣብ ግብጺ ሃሉ ንኹሉ ዕማማት መንበሪ ፍቃድ ካርድ ንምስላጥ ብኣካል ኣብኡ ክትኽይድ/ዲ ኣለካ/ኪ።

በዚ ዝተዋህበ ናይ ቆጸራ ዕለት ናብ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ምምሕዳር ፓስፖርትን ኢሚግሬሽንን ኣብ ዓባስያ ክትቀርቡ ብትሕትና ንሓትት። ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ካልእ መዓልቲ እንተመጺእካ ንመመልከቲኻ ክነጽግዎ ይኽእሉ::

እንታይ ኢዩ እቲ ከዳልዎ ዘለኒ ዶኩመንቲታት?

  1. ካርዲታት ዩ ኤን ናይ ኩሎም ስድራን ኣብ ግብጺ ትሕቲ ሓላፍነትካ/ኪ ዘለዉ ሳባትን.
  2. ኦርጂናል ናይ መገሻ ፓስፖርትታት ናይ ኩሎም ስድራን ኣብ ግብጺ ትሕቲ ሓላፍነትካ/ኪ ዘለዉ ሳባትን.
  3. ፎቶኮፒ ስእሊ ካብ ኩሉ ሕዝካዮ/ኪዮ ዘለኻ/ኺ ካርዲታት ዩ ኤንን ናይ መጋሻ ፓስፖርትንን።
  4. ካብ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን/ካሪታስን ዝወስድካዮ/ኪዮ መወከሲ ቁጽሪ።
  5. ክልተ ስእሊ ብናይ ፓስፖርት ሽእሊ ዓቅን ንነፍሲ ወከፍ ልዕሊ 12 ዓመት ዕድመኡ ናቱ ካርድ ዝተሰርሓሉን፣ ናቶም ካርድ ዘይተሰርሓሎም ኣብ ትሕቲ ሓላፍንትኩም ዘለዉ ህጻናት ስእሊ ኣይየድልዮምን ኢዩ።

ንናይ መንበሪ ፍቃድ ካርድ ከውጽእ ዝኾነ ገንዛብ ክኸፍል ይግባኣኒ ዶ?

እወ፡ መመልከቲኹም ናብ መንበሪ ኣሃዱ ኣብ እተቕርቡሉ እዋን፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣባል ስድራቤት ናይ ምምስራሕ ክፍሊት ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ 100 ሩፒ + ናይ ባንክ ምምሕዳራዊ ክፍሊት ኣብቲ ቀጽሪ ኣብ ዝርከብ ባንክ ክትከፍሉ ክትግደዱ ኢኹም።

ከምይ ጌረ ናብ ምምሕዳር እምግሬሽንን ስደትን ክበጸሕ ይኽእል?

ህንጻ ኢቲ ምምሕዳር ኣብ 417 ዓባሲያ ዘሎ ሻረዕ ረምሲስ ይርከብ፣ እዘን ዝስዕባ ምምሪሕታት እንተ ትኸቲልኩም ኻኣ ብናይ ባብሊክ መጛዓዝያ ብቃሊሉ ናብኡ ክትብጽሑ ትኽእሉ።

ን ኣብ ዓባይ ካይሮ ዝነብሮ ስደትኛታት፣

ሜትሮ፣ ዝቀረበ ፌርማታ ንቲ ሓዲሽ ህንጻ ዓባሲያ ስቴሽን ኢያ (ቀጠልያ ሕንጻጽ፣ መስመር እምባባ – ኣየር ፖርት)፣ ካብቲ ሜትሮ ምስ ወጻእኩም ብእግረኹም ኣስታት ሓሙሽተ ደቂቅ ምስ ኸድኩም ክትረኽብዎ እኹም ንቲ ህንጻ።

 

ን ኣብ ካልእ ኣውራጃታት ዝነብሮ ስደትኛታት፣

ራምሲስ ባቡር ስቴሽን፣ ካብ ዝኾነ ኣውራጃ ክሳብ ፌርማታ ራምሲስ ብባቡር ወይ ብህዝባዊ ሞጛዓዝያ ክትምጽኡ ትኽእሉ። ኣብታ ፌርማታ ምስ በጻሕኩም ናብ ኣልሹሃዳ ሜትሮ ስቴሽን ተሰጋጊርኩም ኣብ ኣልዓተባ ስቴሽን ወሪድኩም ናብ ሳልሳይ/ ቀጠልያ መስመር (እምባባ-ኣይርፖርት) ቀይርኩም ኣብ ዓባሲያ ስቴሽን ትወርዱ፣ ካብቲ ሜትሮ ምስ ወጻእኩም ብእግረኹም ኣስታት ሓሙሽተ ደቂቅ ምስ ኸድኩም ክትረኽብዎ እኹም