መመላእታ መንገድታት

ኩሉ ብUNHCRን መሻርኽቱን ዝወሃብ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ!

መመላእታ መንገድታት፡ ነቲ ናይ ዓዲ መስርሕ ዝምልእ፡ ንስደተኛታት ናብ ሓንቲ ሃገር ከእትዎም ዝኽእልን ኣህጉራዊ ናይ ድሕነት ድሌታቶም ከማልእን ዝኽእልን፡ ንነብሶም እና ደገፉ ኣብ ዘላቕን ነባርን ፍታሕ ክበጽሑ ዝኽእሉሉ፡ ውሑስታን ስርዓት ዘለዎምን መንገድታት እዮም።

መመላእታ መንገድታት ፍሉያትን ኣብቲ ናይ ዓዲ መስርሕ ተወሰኽትን እዮም። ሳልሳይ ሃገራት፡ መን ናብ ግዝኣተን ክኣቱ ይኽእል ዝውሰናሉ፡ ተወዳዳሪ ቅጥዕታት የቐምጣ እየን።  መመላእታ መንገድታት ካብቲ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ዓዲ መስርሕ ፕሮግራም ዝተፈልየ እዩ። ዘይከም እቲ ናይ ዓዲ መስርሕ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣብቲ ናይ መመላእታ መንገድታት ዘለዉ ስደተኛታት ኣየሳልጠሎምን እዩ፡ ይኹን’ምበር ምስቶም ኣብ ዝተፈላለየ ፕሮግራማት ኣብ ምስላጥ ዝነጥፉ ኣካላት ናይ ምውህሃድ ተራ ይወስድ።

ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ብቐጥታ ናብ ናይ መመላእታ ዕድላት ዝቕበላ ሃገራት ጠለባቶም ከቕርቡ ይኽእሉ፡ ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ምምሕልላፍ ኩሉ ግዜ ኣየድልን እዩ። ናይ መመላእታ ዕድላት ዝቕበላ ሃገራት ተቐባልነት፡ ኣብቲ ናይተን ሃገራት ናይ ኢሚግሬሽን ሕግታት፡ ናይ ኣመልካቲ ክእለት፡ ወይ ኣብቲ ሳልሳይ ሃገር ዘለዎ ምትእስሳር እዩ ዝምርኮስ።

መንገስትታት ናይተን ዝቕበላ ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንምመላእታ መንገድታት ንምቕባል ትወዳዳሪ ቅጥዕታት እዮም ዘቐምጡ፡ ኣብ ግዝኣታቶም መን ክኣቱ ከም ዘለዎን መን ክጸንሕ ከም ዘለዎን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ውሳኔ ኣለወን። ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር፡ ነቲ ናይ ምቕባልን ዘይምቕባልን ውሳኔ ናይተን ሳልሳይ ሃገር ክጸሉ ኣይክእልን’ዩ ከምኡውን ናይቶም ኣመልከትቲ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ኩሉ ግዜ ኣይሕበሩን እዮም።

ናይ መንገዲ ዕድላት ወይ መደባት፡ ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓቕሉ ይኽእሉ፡

  1. ምጥርናፍ ስድራቤት
  2. ዕድላት ምውሳድ ሰራሓተኛታት
  3. ዕድላት ትምህርቲ
  4. ናይ ግሊ ስፖንሰር
ቪደዮ
ቪድዮ

1. ምጥርናፍ ስድራቤት

 

ምሕላው ጥርናፌ ስድራቤት፡ ኣገዳሲ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ኣባላት ስድራቤት  ብሓዴ ዝጥርንፍ መስርሕ እዩ።

ምጥርናፍ ስድራቤት ማለት፡ ጽግዕተኛታት ኣባላት ስድራቤት ከም ቆልዑ፡ መጻምድትን ወለድን፡ ድሕሪ ናይ ምፍልላይ ግዜ ኣብ ሓዴ ክእከቡ ከለዉ ማለት እዩ።  ብሓፈሻ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ንዝምድና ወይ ንምእካብ ውላድን/ወላድን ሰብኣይን/ሰበይትን ክግበር ይከኣል እዩ፡ እቲ ኣባል ስድራቤት ኣብ ኢውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ ወይ ኣብ ኣውስትራልያ ዝቕመጥ ምስ ዝኸውን ማለት እዩ። እቶም ሳልሳይ ሃገራት፡ ብፍሉይ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ፡ ንምጥርናፍ ስድራቤት ተባሂሉ ዝሰራሕዎ መስርሕ ኣሎ። ግን ፍሉይነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናታ ዝትፈልየ መስርሕ ኣለዋ። ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ጠለባትን፡ መስርሕን ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ኣብቲ ምጥርናፍ ስድራቤት ተሓሲቡሉ ዘሎ ሃገር ተሞርኲሱ ይፈላሌ እዩ።  በቲ ናይ ነፍሲወከፍ  ሃገር ዝምራሕ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ እኳ እንተ ኾነ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣብዚ መስርሕ እዚ ይሕግዝ እዩ።

**ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ፕሮግራም፡ ንብቐረባ ጽግዕተኛ ኣባላት ስድራቤት ዝኾኑ ከም (መጻምድቲ ወይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ) ዝተሓጽሬ መደብ እዩ።  ርሕቕ ዝበሉ ወይ ጽግዕተኛ ዘይኮኑ ቤተሰብ  (ክንድሰብ ዝኣኸለ ውላድ፡ አሕዋት፡ ኣቦሓጎታት፡ ደቂ ኣኮታትን ኣሞታትን ሓወኣቦታትን ወዘቴ) በዚ መስርሕ እዚ ቅቡልነት ዳርጋ የብሎምን ክባሃል ይከእል።

**ኣላዪ ዘይብሎምን ካብ ስድርኦም ዝተፈልዩን ቆልዑ ብቐረባ ስድራቤት ይኹን ብርሕቕ ዝበሌ ቤተሰብ (ክንድሰብ ዝኣኸለ ውላድ፡ ዓበይቲ ኣሕዋት፡ ከምኡውን ሓትነታት፡ ኣሞታት/ሓወኣቦታት፡ ኣኮታት /ኣያታትን) ኣብ ውሱናት ሃገራት፡ ንመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ክበቕዑ ተኽእሎታት ኣለዎም።

መን’ዩ ንመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ክበቅዕ ዝኽእል?

መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ በቲ ኣብቲ ሳልሳይ ሃገር ዝቕመጥ ኣባል ስድራቤት፡ ክወስድ ዝኽእለሉ ሕጋዊ ህላዌን ኩነታትን ኣብታ ዘለወላ ሃገር እንተሃልዩዎ፡  ብኡ ጥራይ ክጅመር ዘለዎ መስርሕ እዩ። ኣብታ ሃገር ተመርኲሱ፡ ሕጋዊ ኩነት ነዚ ዝስዕብ ይጥቕልል (ከም ስደተኛ ዝተቐበልዎም፡ ተወሳኺ ናይ ድሕነት ወረቐት ዘለዎም ሰባትን፡ ቀዋሚ ማንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ወይ ዜግነት ዝወሰዱን)።

ገሌ ሃገራት ንጠለባት ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ጽኑዕ ናይ ግዜ ገደብ ኣለዎም። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ እቲ ኣባል ስድራቤት ኣብ ደጌ ዘሎ፡ ድሕሪ ናይ ስደተኛ ወይ ናይ ድሕነት ተቐባልነት ምርካቡ፡ ንምጥርናፍ ስድራቤት ጠለብ ከቕርብ ውሑዳት ኣዋርሕ ጥራይ ክህልዎ ይኽእል። ድሕሪ እዚ ዝተወሰኔ ናይ ግዜ ገደብ ዝቐርብ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ጠለባት፡ ካብቲ ኣብ ደጌ ዘሎ ክወስድ ዝደሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ክማላእ ዘለዎ ነገራት ከም እኹል ኣታዊ፡ ክእለት ቋንቋ፡ ከምኡውን አቲ ከምጽኦ ሓሲቡ ዘሎ ሰብ ከእትወሉ ዝኽእል ህላዌ ናይ ገዛ፡ ቅድሚ እቲ ጠለብ ምቕራቡ ከድልዮ ይኽእል እዩ። እዘን ነገራት እዚኣተን፡ በተን ሳልሳይ ሃገር እየን ዝሕተታ፡ ኣብቲ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ናይተን ሃገራት ተሞርኲሱ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላሌ ይኽእል እዩ።

ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት መስርሕ ንክተሳልጥ፡ ነታ ሃገር ክንደይ ክወስደላ ይኽእል?

መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ብጣዕሚ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ፡ ዓቕሊ ድማ ይሓትት። ኣብ ገሌን ሳልሳይ ሃገር፡ ነቲ ውሳኔ ንክወስዳ፡ ዓመታት ክወስደለን ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ፡ ካብ ናይ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ዝተፈልየ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣመልካትን እታ ሳልሰይቲ ሃገር፡ ናይ ገዛእ ባዕሎም መስርሕ ስለዝኾነ፡ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ኣብቲ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ሓበሬታ ብዛዕባ እንታይ ተበጺሑ ከም ዘሎ ዝምልከት ክትህብ ኣይትኽእልን እያ።

ንመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ዘድሊ ነገራት እንታይ’ዩ?

መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላሌ እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ እቲ ክወስድ ዝሓስብ ዘሎ ኣብታ ሳልሳይቲ ሃገር ዝቕመጥ ኣባል ስድራቤት፡ ነቶም ክወስዶም ሓሲቡ ዘሎ ኣባላት ስድራቤት ክኣክል ዝኽእል እኹል ኣታውን መንበሪ ገዛን ናይ ግድን ክህልዎ ኣለዎ ይብላ እየን። ገሊአን ሃገራት ከኣ፡ ቪዛ ቅድሚ ምሃብና፡ ናይ ቁንቋ ምልከት ክህልዎ ኣለዎ ይብላ። እዘን ጠለባት እዚኣተን፡ በተን ሳልሳይ ሃገር እየን ዝጥለባ፡  ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ድማ ኣብዘን ጠለባት ምሕረት ንክግበር ወይ ንክቃለላ ኢዱ ከእቱ ኣይክእልን እዩ።

ገሊአን ሃገራት፡ ዝምድና ናይ’ቲ ኣመልካቲ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ምስቲ ኣብታ ሳልሰይቲ ሃገር ዝቕመጥ ኣባል ስድራቤት ንምርግጋጽ፡ ናይ ዲ.ኤን.ኤ መርመራ ክግበር ይሓታ እየን።

ክፍሊት ናይ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ክንደይ ክበጽሕ ይኽእል?

ገሊአን ሃገራት፡ ንስደተኛታት፡ ንሓተትቲ ዑቕባ፡ ከምኡውን ነቲ ክወስዶም ዝሓስብ ኣባል ስድራቤት ገንዘብ ክፈሉ ክብላ ይኽእላ እየን፡ እቲ ክፍሊት ነዚ ዝስዕብ ክጥቕልል ይኽእል፡ (ናይ ምልክታ ክፍሊት፡ ክፍሊት መርመራ ዲ.ኤን.ኤ፡ ክፍሊት ቪዛ፡ ናይ ጥዕናዊ መርመራታት ክፍሊትን፡ ናይ ኣየር ቲኬት ክፍሊትን)። **እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ብመንገዲ ወግዓዊ ናይ መንግስት ዌብሳይትን ኤምባስን ክኽፈል ከምዘለዎ ክተረጋግጹ ኣለኩም**።

ኣይኖት ሃገራት እየን ንመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ክቕበላ ዝኽእላ?

ንስደተኛታት ዝተባህሌ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ይርከብ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሃገራት ፍሉይ-ቅጥዕታትን ከመይ ጌርካ ክተመልክት ከምትኽእልን፡ ብኽብረትኩም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ዌብሳይት፡ ኣብቲ ምጥርናፍ ስዳራቤት ኣቲኹም፡ ነታ ትሓስቡላ ዘለኹም ሃገር ጠዊቅኩም ተወከሱ፦ https://help.unhcr.org/

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብቲ ናይ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ዌብሳይት ተጠቒሳ ዘየላ ሃገር እንተደኣ ደሊኹም፡ ኣብታ ናይ’ታ ሃገር ዌብሳይት ኣቲኹም፡  “family reunification” ጽሒፍኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ዘለወን ሃገራት፦

ኣውስትራልያ፦  https://help.unhcr.org/australia/family-reunification/

ካናዳ፦ https://help.unhcr.org/canada/family-reunification/

ናይ ካናዳ፡ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ብዘሎ ውግእ ዝተጸልዉ ሰባት፡ መንገዲ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝምልከት፦ https://www.canada.ca/en/immigration-refugees-citizenship/services/sudan2023/pr-pathway/eligibility.htmlhttps://www.canada.ca/en/immigration-refugees-citizenship/services/sudan2023/pr-pathway/apply.html

ጀርመን፦  https://help.unhcr.org/germany/family-reunification/

ዓባይ ብሪጥናያ፦ https://help.unhcr.org/uk/family-reunion/

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፦ https://help.unhcr.org/usa/family/

ሽወደን፦ https://help.unhcr.org/sweden/family/

መን’ዩ ኣብቲ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ክሕግዘኩም ዝኽእል?

ኣብ ግብጺ ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቕባ እንተ ዂንካ፡ ምስ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ማለት ኣብ (ኢውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ) ብሕጋዊ ዝቕመጥ ኣባል ስድራቤትካ ክትጥርነፍ እንተደሊኻ፡ እቲ ክወስደካ ደልዩ ዘሎ ኣባል ስድራቤት፡ ነቲ መስርሕ ምጥርናፍ ብወገኑ ክጅምሮ ክኽእል ኣለዎ፡ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ድማ፡ ነዓኻን ነቲ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ኣባል ስድራቤትካን፡ ኣብ ደገ ምስ ቤት ጽሕፈታታ ዝሰርሑ ጠበቓ ክተራኽበኩም ትኽእል እያ። እዚ ግን ኣብታ ትሓስቡላ ዘለኹም ሃገር እዩ ዝምርኰስ።

ንስኻን እቲ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዝቕመጥ ኣባል ስድራቤትካን፡ ኣብታ ሃገር ናይ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት እንተ ጀሚርኩም፡ ናይ ግድን ቅቡልነት ረኺቡ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ መስርሕ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብዙሕ ቃለመሕትታትን ዝቐርብ ወረቓቕትን ክህሉ ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት መስርሕ ክንድምንታይ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል፡ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።  ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ንዝሰልጦም ኣመልከትቲ ፋይል ንምዕጻው፡  ካብ ግብጺ ንኽወጹ ኢግዚት ወይ መውጸኢ ፍቓድ ኣብ ምርካብን ካልእ ዘድሊ መስርሓትን ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝምልከት፡ ንዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትረኽብዎም ትኽእሉ፦ [email protected]   

**ስድራኹም ኣበይ ከም ዘለዉ እንድሕር ዘይትፈልጡ ኮይንኩም ወይ ክትረኽብዎም ዘይትኽእሉ እንተ ዂንኩም፡ ንኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ኣይ.ሲ.ኣር.ሲ) ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም፦ https://www.icrc.org/en/where-we-work/middle-east/egypt

2. ናይ ስራሕ መንገዲ

እንታይ’ዩ እቲ ናይ ስራሕ መንገዲመደብ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትናይ ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር?

መደብ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት፡ ንዝተወሰነ ሞያ ወይ ክእለት ዘለዎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ናብ ኣብ ስላሳይ ሃገር ዝርከብ ናይ ስራሕ ዕድላት ጠለብ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ሳልሳይ ሃገር ናይ ስራሕ ዕድላት፡ ኣብታ ሃገር ንክትኣቱን ክትቅመጥን፡ ኣብኡ ናይ ስራሕ ዕድል ምስ ዝርከብ፡ ናይታ ሃገር ቀዋሚ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ንኽትረከብ መሰል ክዋሀበካ ዝኽእለሉ፡ ከምኡውን ናታ ኣህጉራዊ ድሕነት ክትወሃብ ትኽእለሉ ውሑስን ስርዓት ዝሓለወን መስርሕ እዩ።

ዕድላት ስራሕ ንስደተኛታት፡ ሞየኦምን ክእለቶምን ተጠቂሞም፡ ንነብሶምን ስድርኦምን ሰሪሖም ክቕልቡ፡ ከምኡ ውን ኣብቲ ሓድሽ ሕብረተሰቦም ከበርክቱ ዕድል ዝኸፍት  መደብ እዩ። ናይ ስራሕ መንገዲ፡ ኣብተን ሳልሳይ ሃገር ናይ ሰራሕተኛታት ሕጽረት ምስ ዝፍጠር ዝርከብ ናይ ስራሕ ዕድል እዩ። ዕድላት ስራሕ ንናይ ቀረባ ጽግዕተኛ ስድራቤትካ (መጻምድትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሓዊሱ) ናይ ቪዛ ከሳልጥ ይኽእል እዩ፡ ግን ግድን ኣይኮነን።

ኣብ ዕድላት ስራሕ ጠለብ ክተቕርብ እንታይ ክተማልእ ኣለካ?

ዕድላት ስራሕ ዓቢ ውድድር ዘለዎ መደብ ኮይኑ፡ ፍሉይ ናይ ብቑዕነት ነገራት ዘድልዩ መዐቀኒታት ኣለዎ። እዘን መዐቀኒታት፡ ኣብቲ ዓይነት ስራሕ፡ ድሌታት ናይ’ቲ ኣስራሒ፡ ከምኡውን ሕግታት ኢሚግሬሽን ናይ’ታ ተቐባሊት ሃገር ይምርኰሳ።

መንገዲ ዕድላት ስራሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ እንግሊዘኛ ክእለት ይሓትት (ማእከላይ ወይ ምዕቡል ደረጃ) ወይ ካብ ኣህጉራይ ኣፍልጦ ዘለወን ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ መርመራታትን፡ ካልእ ናይ ቋንቋ ወረቓቕትን የድሊ።

ኣብዚ ናይ ዕድል ስራሕ መንገዲ ጠለብ ከቕርቡ ንዝደልዩ ስደተኛታት፡ ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ክእለቶም ከሕይሉ ክኽእሉ ኣለዎም። ገሊኡ ስራሕ፡ ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግርን ተመኩሮ ናይ ስራሕ መረጋገጽን ክሓቱ ይኽእሉ።

ካብቲ ናይ ስራሕ መንገዲ ከመይ ጌሬ እየ ክረብሕ ዝኽእል?

ዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ምስ ንኣስረሕቲ ምስ ክእለት ዘለዎም ስደተኛ ሰራሕተኛታት ዝራኽባ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ (ቲ.ቢ.ቢ) ከምኡውን ምስ  ታለንት ሊፍት ካናዳ ሽርክነት ጌሩ፡ ንዝተፈናቀሉ ሰባት፡ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዶም ሂወቶምን ናይ ስራሕ መጻኢኦምን ከም ብሓድሽ ንክሓንጹ ዕድል ዝህብ መስርሕ እዩ።

ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ” ኣህጉራዊ ትካል ኮይኑ፡ ንኣስረሕቲ ምስ ዝተፈላለዩ ዓቢ ክእለት ዘለዎም ስደተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ስራሕ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዘራኽብ ትካል እዩ።  እዚ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ ዝባሃል ትካል፡ ንስደተኛታት ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ከም ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ዝርከብ ናይ ስራሕ ዕድላት ዘራኽብ ትካል እዩ። ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ፡ ነቲ ዝቀርበሉ ጠለባት ኣጻርዩ፡ ነቲ ምስ ናይ ኣስራሒ ዝራኸብ ናይ ስራሕ ጠለባት ጥራይ’ዩ ኣብ ግምት ዘእቱ።

ታለንት ሊፍት ካናዳ ዝርዝር ክኢላታት ውልቀሰባት የአንጊዱ፡ ምስ ኣስረሕቲ ኣዛሚዱ፡ ኣብ ምሉእ መስርሕ ምቑጻር ስራሕ ድማ ንኣስረሕትን ስድተኛታትን ደገፍ ይህብ። ታለንት ሊፍት፡ ኣብ ካናዳ ጥርያ’ዩ ናይ ስራሕ ዕድላት ዘቕርብ።

**ኣብ መዝገብ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ ይኹን ኣብ ታለንት ሊፍት ካናዳ ስለዝተመዝገብካ፡ ናይ ግድን ብኣስራሒ ክትምረጽ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ንስራሕ እትምረጸሉ፡ እንተደኣ ናትካ ድሕረ ባይታ፡ ክእለትን ተመኩሮን ምስ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዘለዎ ኣስራሒ እንተ ተዛሚዱ ኢኻ ኣብ ግምት ክትኣቱ ትኽእል **

ክትምረጽ ምዃንካ ዘውሕስ ወላ ሓንቲ የለን። ከምኡ ውን ኣብዚ ታሕቲ ተዘረዚሩ ዘሎ ንስደተኛታትን ዝተፈናቐሉ ሰባትን ዝተኸፍተ ናይ ስራሕ ዕድላት ጠለባትኩም ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም **

**ናይ ስራሕ መንገዲ ዓቢ ውድድር ዘለዎ መስርሕ እዩ** ኣብቲ ናይ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ ወይ ኣብ ታለንት ሊፍት፡ ንኽትምዝገቡ፡ ብኽብረትኩም ናብ ዌብሳይቶም እተዉ። ኣብኡ ክትምዝገቡ ከለኹም፡ ሓቀኛን ምሉእ ሓበሬታን ክተቕርቡ ኣለኩም። ዘይንጹር ወይ ዘይተወደኤ ሓበሬታ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።

ኣብቲ ናይ ስራሕ መንገዲ ኣብ ግምት ንክትኣቱ ዕድላትካ ንምምሕያሽ፡ እንታይ ክግበር ይከኣል?

 

ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ክእለት፡ ነቲ ናይ ስራሕ መንገዲ ዕድላት ንክረኽቡ፡ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ ዝኾነሎም። ግዱሳት፡ ናይ እንግሊዘኛ ክእለቶም ከመሓይሹ ኣለዎም፡ ብዙሕ ብኦንላይን ዝወሃብ ናይ ምምሕያሽ ዕድላት ኣሎ።

ናይ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምንጭታት፡ ነቶም ኣብቲ ታለንት ዝተመዝገቡ ሓጋዚ ኮርሳት ይህቡ እዮም፡ ከምኡውን ኣብ ናይ መርመራ ሓበሬታ የካፍሉ እዮም።

ብብሪቲሽ ካውንስል ዝወሃብ ምስ ናይ ኣይለትስ ፈተና ዘላሊ ናይ ኦንላይን ኮርስ ኣለዎም፡

ኣመልከትቲ፡ ክእለቶም ውን ከሕይሉ ኣለዎም፡ ንኣብነት ከም ሲ.ቪ ይኹን ምድላው ንቃለ መሕትት ክዳለዉ ኣለዎም ምስ ሓንቲ ስራሕ ዝዛመድ ክእለት ኣንተ ሃልዩዎም።

ምንጭታት ናይ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስን ሲቪን፡ ታለንት ሊፍት ካናዳ ቃለ መሕትትን ሲቪን፦ ብኽብረትኩም ነዞም ዝስዕቡ ሊንክ ተወከሱ፦

ናይ መንገዲ ስራሕ ፕሮግራም፦

ብመንገዲ ከም ኮርሴራን ሊንክዲንን ዘኣመሰሉ፡ ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ብኽብረትኩም ናይ ታለንት በዮንድ ባውንድሪስ ናይ ስራሕ ምንጭታት እተገልጽ ገጽ ተወከሱ፦

ኣብ ደገ እንተደኣ ስራሕ ክትረክብ ክኢልካ፡ ግን ከኣ ሕቶታት ኣንተ ሃልይካ – በዚኣ ትስዕብ ኢመይል [email protected]  ንታለንት በዮንድ ባውንድሪስ ርኸቦም ወይ ከኣ ንኣብ ካናዳ ዝተረኽቤ ስራሕ ጥራይ፡ ታለንት ሊፍት [email protected]

3. ናይ ትምህርቲ መስርሕ

ናይ ትምህርቲ መንገዲ፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዕድላት ኮይኑ፡ ንስድተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ሳልሳይ ሃገር ዝኣትዉሉ መስርሕ እዩ። ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ነዚ ዕድል ናይ ምርካብ ተኽእሎታቶም፡ ኣብ ትምህርቶምን ናይ ቋንቋ ክእለቶምን እዩ ዝምርኰስ።

ከምዚ ዘኣመሰሉ ናይ ትምህርቲ መንገድታት፡ ኣብ ክንዲ ንሓጺር ናይ ትምህርቲ እዋንን ናይ እስኮላርሺፕን ጥራይ ዝኸውን፡ ንቀዋሚ ፍታሕ ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ኣብታ ሳልሰይቲ ሃገር ክህሉ ኣለዎ። ናይ ትምህርቲ መንገድታት፡ ውሑድን ብዙሕ ውድድር ዘለዎን መንገዲ እዩ።

እዞም ናይ ትምህርቲ ዕድላት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተቐባልነቶም ንምሃብ፡ ብጥብቂ ክማለኡ ዘለዎም ነገራት ኣለዎም፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኣመልካቲ ዘቕርቦ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታን ናይ ቋንቋ ክእለትን እዩ ዝምርኰስ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ናይ ትምህርቲ ዕድላት፡ ንኣብ ተወሰኔ ዕድሜ ዝርከቡ ኣመልከትቲ ጥራይ’ዮም ዘቕርብዎ። ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፡ ናይ ተማሃራይ ቪዛ፡ ነቲ ተማሃራይ ጥራይ እምበር፡ ነቶም ንሱ ዝኣልዮም (መጻምድትን ውላድን) ኣይህቡን እዮም።

ቅድሚ ጠለብ ምቐራብኩም፡ ናይ ነፍሲወከፍ እስኮላርሺፕ ክማለእ ዘለዎ ነገራት ክትፈልጥዎ ክትኽእሉ ኣለኩም። ኣብ ደጌ ዝርከብ ብዩ፡ኤን፡ኤች፡ሲ፡ኣር ዝተረጋገጼ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን እስኮላርሺፕን ንምርካብ፡ ነዚኣ ጠውቑ።

ገሌ ብተደጋጋሚ ንስደተኛታት ዝቐርባ ናይ ትምህርቲ ዕድላት፡ ነዚኦም ዝስዕቡ እዮም

4. ናይ ግሊ ናይ እስፖንሰር መንገዲ

ናይ ግሊ ናይ እስፖንሰር መደባት፡ ንውልቀሰባት፡ ጉጅሌታት ውልቀሰባት ወይ ትካላት፡ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብታ ዘለዉላ ሃገር ኣምጺኦም፡ ናይ ድሕነትን ሓድሽ ገዛን ክህቡ ዕድል ዝህብ መደብ እዩ።

ኣብ ናይ ግሊ እስፖንሰር፡ እቶም ነቲ እስፖንሰር ዝጀመሩ፡ ነቲ ዘምጽእዎም ዘለዉ ዝተፈናቀሉ ሰባት ብቐጥታ እዮም ኣብታ ሃገር ምስኦም ዝሰርሑ። ብዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ዝተመሐላለፈሎም ዘይኮነስ፡ ንሶም እዮም ባዕሎም ነቶም ክወስድዎም ዝሓስቡ ዘባት ዝመርጹ፡ መእተዊኦምን ምቕማጦምን ዘሳልጡ።

ኣስለጥቲ ብነጻ ኣዮም ንመን ክወስዱ ከምዘለዎም ክመርጹ ዝኽእሉ፡ እቶም ዝተመርጹ ውልቀሰባት መብዛሕትእይ ግዜ ናይ ቀረባ ስድራቤት፡ ወይ ቤተሰብ፡ ወይ ከኣ ኣብ ማሕበረሰብ ፍሉጣት ዝኾኑ ሰባ ክኾኑ ይኽእሉ።

**ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ንውልቀሰባት ይኹን ስድራቤታት፡ ኣብ ናይ ስፖንሰር መስርሕ ኣይመርጽን እዩ፡ ብዝኾነ ይኹን ኣብቲ ናይ ግሊ ናይ እስፖነር መስርሕ ኢድ ከእቱ ኣይክእልን እዩ **

እቲ ዘሎ ናይ እስፖንሰር መንገድታት፡ ናይ ካናዳ ናይ እስፖንሰር ፕሮግራም፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዌልካም ኮርፕስ ናይ እስፖንሰር ፕሮግራም፡ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ሰብኣዊ ናይ እስፖንሰር ፕሮግራም እዮም።

ናይ ነፍሲወከፍ ፕሮግራም ሓበሬታን ክማልኡ ዘለዎም ነገራትን ንምፍላጥ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሊንክ ተወከሱ-

  1. ናይ ካናዳ ናይ እስፖንሰር ፕሮግራም፡

https://www.canada.ca/en/immigration-refugees-citizenship/corporate/publications-manuals/guide-private-sponsorship-refugees-program.html

  1. ናይ ኣውስትራልያ ናይ ሰብኣዊ ናይ እስፖንሰር ፕሮግራም፦

https://immi.homeaffairs.gov.au/what-we-do/refugee-and-humanitarian-program/the-special-humanitarian-program

  1. ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዌልካም ኮርፕስ ናይ እስፖንሰር ፕሮግራም፡

https://welcomecorps.org/