ኩሉ ብUNHCRን መሻርኽቱን ዝወሃብ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ!
UNHCR ግብጺ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት 6 ጥቅምቲ፡ ዛማሌክን እስክንድርያን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ስሩዕ ሓድሽን ቀጻልን ናይ ምዝገባ ኣገልግሎት ምሃብ ቀጺሉ ኣሎ። ንዝበዝሑ ኣመልከትቲ ስሉጥ ኣገባብን ኣገልግሎትን ንምርግጋጽ፡ UNHCR ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ነዞም ዝስዕቡ ከዘኻኽር ይፈቱ፤
- ኣብ ቤት ጽሕፈት ወይ ብመንገዲ መስመር ቴሌፎን ዝተራኸቡ ወይ ቆጸራ ዝተዋህቦም ጉዳያት ጥራይ እዮም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ጽሕፈት UNHCR ዝፍቀዱ
- መደብ ዘለዎም ኣመልከትቲ ብUNHCR ብተሌፎንን/ወይ ብኤስኤምኤስን ክረኽብዎም እዮም። እቲ ናይ ኤስኤምኤስ ጽሑፍ ኩሉ ዝርዝር ናይቲ ቆጸራ (ቁጽሪ ቆጸራ፡ ቁጽሪ ጉዳይ፡ ዝተመደበ ዕለትን ሰዓትን፡ ቃለ መሕትት ዝካየደሉ ቦታ) የጠቓልል።
- እቲ ዘሕዝን ግን ብዘይ ኣቐዲምካ ቆጸራ ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን ኢና። ሕቶታትኩም ናብ መስመር ቴሌፎን (0227390400 ኣብ ካይሮ፡ ኣሌክሳንድርያን ካልኦት ኩለን ኣውራጃታትን) ከምቲ ኣብ ገጻት ፌስቡክና ተገሊጹ ዘሎ ንዝያዳ ሓበሬታ ከተቕንዑ ትኽእሉ ኢኹም።
- ካብ ኣብያተ ጽሕፈት UNHCR ወጻኢ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜን ምጭንናቕን ንምክልኻል፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቐመጠ ቆጸራታት ብጥብቂ ክትሕሉን ቅድሚ ቆጸራኹም 15 ደቓይቕ ጥራይ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ክትህልዉን ኣትሪርና ንመክር።
- ኣገባባት ድሕነት ክትክተል፣ ምሉእ ኣካላዊ ርሕቐት ክትሕሉ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክትገብርን ናብ ቤት ጽሕፈት ኣብ እትበጽሕሉ እዋን ኩሉ ናይ ድሕነት ስጉምትታት ክትሕሉን፣ ድሕነት ናይቶም ዘገልግሉኹም ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት UNHCRን ንምርግጋጽን ንዝኾነ ዘየድሊ ምቅላዕኩም ንምድራትን ሕያዋይ ምትሕብባርኩም ንሓትት። ሓደጋታት ጥዕና።
UNHCR ኣብ ግብጺ ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናይ ምዝገባ ኣገልግሎትን ሰነዳትን ዝህብ እንኮ ትካል ኮይኑ፡ ስዒቡ ውልቀሰባት ናብ ሰበስልጣን ግብጺ ብምቕራብ መንበሪ ፍቓዶም ክረኽቡ ይኽእሉ። UNHCR ነዚ ስራሕ ንዝኾነ ሳልሳይ ወገን ከምዘይህቦ ኣስተውዕል።
ኩሉ ብUNHCRን መሻርኽቱን ዝወሃብ ኣገልግሎታት ብነጻ እዩ፣ ብዛዕባ ምእካብን ኣጠቓቕማን ውልቃዊ መረዳእታኻ ስክፍታታት እንተሃልዩካ፣ ወይ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ውልቃዊ መረዳእታኻ ብUNHCR ጥርዓን ከተቕርብ እንተደሊኻ፣ ብ… ናብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ምቕራብ ወይ ድማ ብ[email protected] ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ ብኢመይል [email protected] ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።