ምትላልን ብልሽውናን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣካይዳን እንኮላይ ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ጻብጻብ ምሃብ።
ካብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ወጻኢ ወይ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዊስካ ምስ UNHCRን/ወይ መሻርኽቱን ናይ ሓሶት ምትእስሳር ኣለኩም ካብ ዝብሉ ውልቀሰባት ተጠንቀቑ። ንገንዘብ ወይ ሞገስ ንምልዋጥ ዳግመ-ምጥያስ ሓዊሱ ንUNHCR ወኪሉ ኣገልግሎት እህብ እየ ዝብል ሰብ ኣይትእመን። ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ብነጻ ምዃኑ ኣይትረስዑ። በጃኹም ብቕልጡፍ ናይ ምትላል ስክፍታታት ናብ [email protected] ምሕባር።
UNHCR ንጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ሓዊሱ ንመጭበርበርቲ፣ ብልሽውናን ግጉይ ተግባርን ዜሮ ተጻዋርነት ኣለዎ።
ኩሉ ብUNHCRን መሻርኽቱን ዝወሃብ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ!
ኣጋዳሲ መዛኻከሪ
ዩ ኤን ክምኡ ውን መሽርኽቲ ዩ ኤን ክም ዝኾኑ ብሓሶት ዚዛረቡ ውልቀ- ሰባት እንኮላይ ኣብ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ወይ ኣብ ዝትፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቁሎም
ኣብ ክንዲ ዩ ኤን ኣገልግሎት ከም ዝህብ ንዝዛርብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይትእመን፣ ገለ ካብዚ ብገንዘብ ዳግማይ ምደባ/መገሻ ወይ ኣገልግሎት ምርካብ ኢዩ። ኩሉ ዩ ኤን ዝትህቦ ኣገልግሎት ብጡርሑ ምኻኑ ኣስተብህል። ብዛዕባ ምትላል ዚገልጽ ጉዳያት ብኡንብኡ ናብ [email protected] ኣመልክት። ጻብጻብካ ብምስጢር ኪታሓዝ ኢዩ።
ዩ ኤን ንምትላልን ብልሽውናን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣካይዳን እንኮላይ ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ፈጺማ ኣይ ትጻወሮን ኢያ
ዝኾነ ይኹን ተግባር ምትላል ዘለዎ ኣንከላይ ሓቅታት ምሕባእ/ምቅያር ድይመደይ ኢልካ ወይ ኢናፈለጥካ ወይ ንሓደ ኣካል ብቀጣታ ወይ ብተዘዋዋሪ ንርእሱ ወይ ንሳልሳይ ሰብ ጥቅሚ ንምርካብ ብገንዘብ ከስሕቶ ዝፍትን ኢዩ።
ገለ ኣብነታት ካብቲ ናይ ምትላል ተግባራት ኢዚ ዝስዕብ ኢዩ፡
- ምእንቲ ገንዘብ ብዛዕባ ሓገዝ ወይ ኣገልግሎት ናይ ሓሶት ብሕታዊ ሓበሬታ ምሃብ
- ናይ ሓሶት ወይ ንቲ ኦሪጂናል ሰነዳት ብዘይግቡእ ምጥቃም
- ንብሕታዊ ረብሓ ወይ ንኣገልግሎት ዚኸውን ጋንዘብ ዝሓተት (ንኣብነት ምዝገባን ተውጢንን)
- ን ዩ ኤን ወይ ንኻልኦት ትካላት ወይ ንመሻርኽቲ ዩ ኤን ክምእትውክል ብሕሶት ምዝራብ
ንተግባራት ካልእ ሰብ ዘይግቡእ ጽልዋ ምእንቲ ክሕድረሉ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ዘለዎ ነገር ( ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ) ምርኣይ ምቕባል ወይ ምሕታት።
ብዛዕባ ምትላልን ብልሽውናን ዝለዓል ዝኾነ ይኹን ሻቕሎት ወይ ጥርጣረታት ናብ [email protected] ኣመልክት። ኩሉ ጻብጻባት ብምስጢር ኢዩ ዝተሓዝ ።
ሓደ ኣባል ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ማሻርኽታን ከምኡውን ወይ ኣላዪ ኣገልግሎት ምስቶም ሰራሕተኛታት ኣካያይዳኦም ምስቲ ናይ ዩ ኤን ሕግታትን ምምርሒታትን ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውን ኢዩ፣ ኣብነታት ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምትላልን ብልሽውናን ምዝመዝን ጾታዊ ዓመጽን ይጠቃልል።
- ጾታዊ ምዝመዛ ዝኾነ ማህሰይቲ ወይ ምእንቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ግዜ ድኽመታት ወይ ሓይሊ ወይ ዘይ ምዕሩይ ምእማን ክትምዝምዝ ምፍታን ኢዩ።
- ጾታዊ ዓመጽ ናይ ብሓቂ ጾታዊ ርክብ ወይ ምጉብዕባዕ ኢዩ፣ ብሓይሊ ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዘይሙዕሩይ ኩነት ወይ ኣግዲድካ ኢዩ ዝፍጸም።
ዩ ኤን ንጾታዊ ምዝመዛን ዓመጽን ፈጺሙ ዘይጻወር ፕሊሲ ኣለዎ፣ ኣዚዩ ዘይምዕሩይ ጠባይ ኢዩ፣ ዩ ኤን ንብምልኦም ሰራሕተኛታታ ኣብ ክምዚ ንኸይ ውዕሉ ብትሪ ኢያ ተጠንቒቆም።
ስደተኛታትን ዕቕባ ዚደልዩ ስባትን ምእንቲ በቲ ካብ ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ቶርጎምትን ሓለውቲ ጸጥታን ከምኡ ወን ማሻርኽቲ ዩ ኤንን ዝረአ ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ክምኡ ወን ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ጥርዓን ዝቕርቡሉ መንገዲ ክረኽቡ መስሪሒታት ተኻዪዱ። ክምኡ ውን ካብ ናይ ኣሳራረሓ ሙግዳል ፍትሒ (ክእለት/ምርካብ ቶርጎምቲ፣ መንገዲታት ምብጻሕ ናብቲ ቀንዲ ህንጻ ዮ ኤንን ሰራሕተኛታትን፣ መስረሕ ምዝገባ፣ ውሳነ ስደተኛ ሙኻን፣ ካልእ ናይ ዕቑባ መስረሕ ዘጣቃልል) ረፖርት ክተቕርቡ ትኽእሉ፣ ምእንቲ ዕቑባን ሓገዝን ክህሉ ኣብ ዩ ኤን።
ዝኾነ ሰብ ካብ ሰራሕተኛታት ዩ ኤንን ወይ ቶርጎምቲ ወይ ሓለውቲ ጸጥታን ከምኡ ወን ካብ ማሻርኽቲ ዩ ኤንን ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ምስዝርኢ፣ ኢቲ ሰብ ዘለዎ ቦታ ብዘይ ገድስ፣ ኣብ ሓንቲ ካብዚአን ዝስዕባ ምስጢራውያን መራኸቢታት ክሕብር ይግባእ።
- ኢ-መይል ምስዳድ ናብ [email protected]
- ብብሕቲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ዩ ኤን (UNHCR) ዝርከብ ሳንዱቕ ጥርዓናት ዳብዳበ ወይ ፎርም ጥርዓን ኣቐምጥ።
- ብፖስጣ፡ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን (UNHCR)፣ 17 ሻረዕ ማካ ኣልሙካረማ፣ ኣል ሓይ ኣልሳበዕ፣ ኣልግሰም ኣልሳልስ፣ ማዲንት ሲታ ኦክቶበር።
ከምኡ ወን ብቃጥታ ናብ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን ዘሎ ጀነራል ኢንስፐረር በዚአን ዝስዕባ ምስጢራውያን መራኸቢታት ጻብጻባት ክተቕርቡ ትኽእሉ፡
- ፎርም ጥርዓን ብኢንተርኔት
- ኢ-ማይል [email protected]
- ፋክስ፡ +41227397380
- ብፖስጣ፡ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን (UNHCR)፣ 94 ሻረዕ ሞንበርያል፣ 1202 ጂኔቫ፣ ስዊዘርላንድ
በጃኻ ኣብ ኩለን ዳብዳቤታት ምስጢር ሙኻኑ ንምሕባር ምልክት ግደፍ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕ UNHCRን ኣገልግሎታቱን ኣብዚ ተወከሱ www.unhcr.org/eg
ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ https://www.facebook.com/RefugeesEgypt/ (እንግሊዝኛ-ሶማሊ-ኦሮሞ-ኣምሓርኛ-ትግርኛ)
ወይ https://www.facebook.com/RefugeesEgyptAR (ዓረብኛ)