ናብቲ ብUNHCR ዝተባህለ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ‘ሓገዝ’ ዝብል መርበብ ሓበሬታ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ኣብ UNHCR ሊብያ ዝተመዝገቡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ዝተወሰኑ ኣገልግሎታት ናይ UNHCRን መሻርኽቱን ተጠቀምቲ ክኾኑ ይኽእሉ።
ምኽሪ፦ ኣብ ላዕለዋይ ጸጋማይ ኩርናዕ ኣብ ጎኒ ኣርማ UNHCR ዝርከብ ‘ዝርዝር’ ዝብል መጠወቒ ተጠቒምኩም ንኹሉ ዝርከብ ትሕዝቶ ዳህሰሱ።
ኣብዚ ገጽ ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ክትረኽብዎም ኢኹም፣
- ብዛዕባ UNHCR ሊብያ ከምኡ’ውን ብኸመይ ክትረኽቡና ትኽእሉ
- ኣገደስቲ ኣድራሻታትን ህጹጽ መስመራት ቴልፎናትን
- ኣብ UNHCR ብኸመይ ከም ትምዝገብ
- ዳግመ-ምስፋር(ምጥያስ)ን ምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገርን
- ሓገዝ ብኸመይ ከም ትሓትት
- ዘይስንምግባር ብኸመይ ከም ተመልክት
ምዝገባ ሓዊሱ ብUNHCR ዝወሃብ ኩሉ ኣገልግሎታት ብነጻ ከም ዝወሃብ ኣስተውዕሉ።