ጥዕናን ጥዕና ኣእምሮን

ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ንምትግባር መሰል ጥዕና ኣገዳሲ እዩ። እዋናውን ግቡእን ክንክን ጥዕና ከምኡ’ውን ንጥዕና ዝውስኑ ረቛሒታት ከም ውሑስን ዝስተን ማይን ጽሬትን ምርካብ፤ እኹል ቀረብ ውሑስ መግቢ፣ ኣመጋግባን መንበሪ ኣባይትን፤ ጥዑይ ናይ ስራሕን ከባብን ኩነታት፤ ከምኡ’ውን ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ትምህርትን ሓበሬታን ምርካብ ዝሓቁፍ መሰል’ዩ።  UNHCR ምስ ሰብ-መዚ ጥዕና ሊብያ ብምዃን ብጉጅለ ሰራሕተኛ ጥዕና ኣቢሉ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ጥዕና ብምውህሃድ እኹል ኣወሃህባ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ጥዕና ንምርግጋጽ፡ ከባቢያዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ከምኡ’ውን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ተሳተፍቲ ንምግባር ይሰርሕ።

መሻርኽቲ ዝኾነ  ኮሚተ ኣህጉራዊ ምድሓን ህይወት (IRC) ብመንገዲ ማእከል መዓልቲ ማሕበረሰብ (CDC) ኣብ ትራብሎስ ከምኡ’ውን ብመባእታዊ ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣቢሉ  ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣገልግሎት ጥዕና ዘጠቓልል ብዙሕ ኣገልግሎታት ይህብ፤

ማእከል ህዝባዊ ጥዕና ኣልምጋሪፍ (ረቡዕ፣ ሓሙስ)

ዛውየትኣል-ደህማኒ መባእታዊ ማእከል ክንክን ጥዕና (ሰንበት፣ ሰኑይ፣ ሰሉስ)

መሻርኽቲ CESVI ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ስነ-ኣእምሮኣውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ኣገልግሎት ይህብ።  መሻርኽቲ IRC ናይ ስነ-ኣእምሮ ምኽሪ ሓዊሱ ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ኣገልግሎት ይህብ።

ሕክምናዊ ሓገዝ ስለዘድልየኒ፣ እንታይ ክገብር ይግባኣኒ?

ኣገልግሎት ጥዕና ብመሻርኽቲ UNHCR ዝኾነ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ምድሓን ይወሃብ።  ውሱን ቁጽሪ ዘለዎም ቆጸራ ዝሓዙ ውልቀሰባት መዓልታዊ ኣገልግሎት ስለዝረኽቡ፡ ኣብ ዘይህጹጽ ኩነታት ነዞም ዝስዕቡ ቁጽርታት ብምድዋል ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም፤

ሓፈሻዊ ምኽርታት፤ 📞0910347365

ናይ ስነ-ወሊድ ጥዕናን ቅድመ ሕርስን ምኽርታት፤ 📞 0910354818

ናይ ኣገልግሎት ሰዓታት፡ ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ 16፡30

ህጹጽ ሕክምናዊ ስግኣት ኣለኒ፣ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ’ውን የድልየኒ ኣሎ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት ምስ ዘጋጥም፡  ናብ 📞 0910354839(24/7 ኣብ ዝኾነ ሰዓትን መዓልትን) ደውሉ እሞ ናይ IRC (ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ምድሓን) ናይ ህጹጽ ሕክምና ጉጅለ ክሕግዘኩም እዩ።

ስነ ኣእምሮኣዊ ደገፍ ክረክብ ምደለኹ። ብኸመይ ክሓትት ይኽእል?

ቆጸራ ንምሓዝ ናብ መስመር ሓገዝ CESVI(ሰስቪ) ክትውሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ 17.00 ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ ብ 📞 0910027717 ወይ 📞 0922767166


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ