ድሕንነት/ጽላል

UNHCRን ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መሻርኽትን ንብቑዓት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንዋታዊ ደገፍ ከም ጥረ ገንዘብ፣ ዘይመግቢ ነገራትን (NFIs) ከምኡ’ውን ምኽሪ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ደገፍን ሓዊሱ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ይህቡ። ድሌታትካን ብቕዓትካን ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንምፍላጥ፡ መጀመርታ ብUNHCR ወይ መሻርኽቲ ንናይ ድሕነት ድሌታት ገምጋም ቃለ-መሕትት ክትገብር ኣለካ። 

እቲ ብዛዕባ ድሕንነታዊ ድሌታት ዝካየድ ገምጋም ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታትካ ዝሽፍንን ነቲ ዘሎ ኣገልግሎታትን ሓገዝን ብቑዕ ምዃንካ ዝውስንን እዩ። ነቲ ናይ ብቑዕነት ረቛሒታት እንተዘይኣማሊእካ ወይ እቲ ዘድልየካ ፍሉይ ደገፍ ብUNHCRን ወይ መሻርኽትን ዘይውሃብ ምስዝኸውን፣ እቲ ቃለ መሕትት ምክያድካ ሓገዝን ኣገልግሎታትን ከም እትረክብ ውሕስነት ኣይህበካን እዩ።

ምስ UNHCR ናይ ድሕንነት ቃለ-መሕትት ከካይድ ምደለኹ። ብኸመይ ክሓትት ይኽእል?

ብUNHCRን CESVIን ዝካየድ ገምጋም ድሕንነታዊ ድሌታት ኣብ ከተማታት ንዝርከቡ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ናይ ድሕንነት ሓገዝን ደገፍን ምስ ምሃብ ዝተኣሳሰር እዩ። ብሰንኪ ባህሪ ናይቲ ቃለ መሕትት፡ ገምጋማት ድሌታት ሓለዋ ዝካየድ ፍሉይ ናይ ድሕንነት ሓደጋታትን ስግኣትን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረካ እንተኾይኑ፡ ናብ UNHCR፡ CESVI ወይ ናብ መስመር ቴዋሱል ደዊልካ ብዛዕባ ናይ ድሕንነት ጉዳያትካ ጸብጻብ ክትህብን ኣብ ግምት ክትኣቱ ትኽእልዶ ኣይትኽእልን ክተረጋግጽን ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ሕጂ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣብ ኩነታትካ ድማ ዓቢ ለውጢ እንተዘይተራእዩ፡ ዳግማይ ቃለ መሕትት ኣይግበረልካን እዩ።

ናይ ድሕንነት ቃለ-መሕትት ናብ ነባሪ ፍታሕ ዝወስድ መንገዲ ኣይኮነን።

ናይ UNHCR ድሕንነት መስመር ቴሌፎን: 📞 0917127644

ታዋሱል – መስመር ሓፈሻዊ ኣገባብ ግብረ መልሲ (Tawasul): 📞 1404

መስመራት ቴሌፎን CESVI (ሰንበት ክሳብ ሓሙስ፡ ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ 17.00)፡

  1. 📞 092 2767166
  2. 📞 091 0027716

ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾንኩ እየ። ብኸመይ ኣገልግሎት ክረክብ ይኽእል?

ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾንኹም ምስትኾኑ፣ ህጹጽ ክንክን ጥዕና ምርካብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኮይኑ፡ ጥዕናኻ ንምሕላው ካብቲ ፍጻመ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ብቕልጡፍ ዘሎ ሕክምናዊ ክንክን ክትረክብ ይግባእ።

ናብ 📞 0910354839(24/7) ደውሉ እሞ ናይ IRC (ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ምድሓን) ናይ ህጹጽ ሕክምና ጉጅለ ክሕግዘኩም እዩ።

ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ግፍዒ ዝኾኑ ሓዊስካ፣ ግዳይ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ዝኾኑ ሰባት ዝድግፉ ምዱባት ትካላት ኣለዉ። ድሌት ምስ ዝህልወኩም፣ ብደገፍ ናይ ሓደ ክኢላ ሰራሕተኛ  ናይቲ ፍሉይ ትካል፡ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ንምርካብ ክትድገፉ ትኽእል ኢኹም። እዚ ድማ ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ መንበሪ ምስ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ኣላዪ፡ ሕጋዊ ሓበሬታን ምኽርን፡ ናይ ገንዘብ ሓገዝ፡ ናይ ከምኡውን  መግቢ ዘይኮኑ ነገራት ከጠቓልሉ ይኽእሉ። ። ምስ ግዳያት ናይ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ዝኾኑ ሰባት ዝሰርሕ ዝኾነ ትካል፣ ንድሕነትካን ውሕስነትካን ቀዳምነት ክህቦ፡ ኣብቲ እተካፍሎ ሓበሬታ ምስጢራዊነት ከረጋግጽ፡ ድሕረ ባይታኻ ብዘየገድስ ማዕረን ፍትሓውን ኣተሓሕዛ ከተግብር ፣ ናይ ክትጥቀሞም ትደሊ ኣገልግሎታት ዘለካ ርእይቶን ምርጫን  ከኽብር ይግባእ ።

ንሓገዝ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም፤

መስመራት ቴሌፎን CESVI (ሰንበት ክሳብ ሓሙስ፡ ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ 17.00):

  1. 📞 092 2767166
  2. 📞 091 0027716

ናይ UNHCR ድሕንነት መስመር ቴሌፎን: 📞 0917127644


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ