ዳግመ-ምስፋርን(ምጥያስ) ምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገርን

ኣስተውዕሉ! ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ካብ ብነጻ ኢዩ።

ምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገራት እንታይ እዩ? መዐቀኒታት ናብ መጻንሒ ሃገራት ንምውጻእ እንታይ እዮም?

ንገለ ካብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ(ኣብ ሓደጋ ዘለዉ) ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ሊብያ ወጺኦም ናብ ውሑስ ቦታ ንኽወጹ ዝሕግዝ መንገዲ ኮዩኑ፣ ናይ ምውጻእ በረራታት ብUNHCR፣ ብደገፍ ሰበ-ስልጣን ሊብያን መንግስታት ናይተን ተቐበልቲ ሃገራትን ይውደብ።

ብዝሒ መውጽኢ ቦታታት ውሱን ኮይኑ ሓተቲ፣ ዑቕባ ወይ ቅልጡፍ ድሕነት ዘድልዮም ስደተኛታት ንምቕባል ፍቓደኛታት ዝኾና ሳልሳይ ሃገራት ዝውሰንኦ እዩ።  ዋላ እኳ UNHCR ብቐጻሊ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝጽውዕ እንተኾነ፣ኣብ እስሪ-ቤት ተታሒዝካ ምህላውካ ነዞም በረራታት ቀዳምነት ይወሃበካ ማለት ግን ኣይኮነን።

እቶም ንኽወጹ ዝተመርጹ ብዛዕባ እቲ መበቆል ሃገሮም ክወጹ ዝደረኾም ኩነታት ከምኡ’ውን ኣብ ሊብያ ዘለዉዎ  ኩነታት ብሰራሕተኛታት UNHCR ቃለ-መሕትት ክግበረሎም እዩ። ንምውጻእ ክትምረጹን ዘይክትምረጹን እውን ኣብ ውሳነታት መንግስታት ናይተን ተቐበልቲ ሃገራት ይምርኮስ፣ ንሳቶም እውን ንኹነታትካ ኣብ ግምት ከእትዉ እዮም።

ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገር ሓዊስካ ብነጻ ምዃኑ ኣስተውዕሉ፣ ዝኾነ ክፍሊት ድማ የብሉን።

ዳግመ-ምጥያስ (ምውጻእ ናብ ሳልሳይ ሃገር) እንታይ እዩ? መዐቀኒታት ዳግመ-ምጥያስ እንታይ እዮም?

ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ UNHCR ስደተኛታት ብኽብርን ድሕነትን ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ ዘኽእሎም ናይ ነዊሕ ግዜ (ወይ “ነባሪ”) ፍታሕ ምርካብ  እዩ። እዞም መፍትሒታት እዚኣቶም ብወለንታኻ ዓድኻ  ምምላስ፡ ኣብ ከባቢኻ ተወሃሂድካ ምንባር ወይ ዳግመ-ምጥያስ ክኾኑ ይኽእሉ።

ዳግመ-ምጥያስ ስደተኛታት ምምራጽን ካብታ ጽላል ዝሓተቱላ  ሃገር ናብታ ክትቅበሎም ዝተሰማምዐት ካልእ ሃገር  ምትሕልላፍን ኣብ መወዳእታ ድማ ቀዋሚ መንበሪ ምሃብን ዘጠቓልል እዩ። ዳግመ-ምጥያስ መሰል ኣይኮነን፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ናይ UNHCR ንዳግመ-ምጥያስ ዘዳልዎም ምድባት ዝርከቡን ከምኡ’ውን ፍሉይ ናይ ድሕነት ድሌት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዝተሓዝአ እዩ።

ኣብ UNHCR ምምዝጋብ ማለት ንዳግመ-ምጥያስ ኣመልኪትካ ወይ ብቐጥታ ኣብ ግምት ክትኣቱ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ካብ ሊብያ ይኹን ብዓለም ደረጃ ውሑዳት ስደተኛታት ጥራይ እዮም ዳግማይ ክጣየሱ ዝኽእሉ ። ናይ መወዳእታ ውሳነ ንተቐባልነት ናይ ሓደ ስደተኛ ኣብ ካልእ ሃገር ንኽሰፍር በታ ተቐባሊት ሃገር እምበር ብUNHCR ዝውሰን ኣይኮነን።

ንምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገራት ወይ ወይ ዳግመ-ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር ብኸመይ ቃለ መሕትት ክግበረለይ ክሓትት ይኽእል?

ኣብ UNHCR ምስ ተመዝገብካ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል UNHCR ዘሎ – ጉዳይ ዘለካ ምዃንካ ዘረጋግጽ ናይ UNHCR ምስክር ወረቐት ይወሃበካ። ንዳግመ-ምጥያስ ወይ ንምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገራት ኣብ ግምት ንምእታው ቀዳማይ ስጉምቲ ምዝገባ እዩ።

ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንኽወጹ ወይ ንኽሳፈሩ ባዕሎም ከመልክቱ ኣይክእሉን እዮም። ብሰንኪ ሳልሳይ ሃገራት ዝህብኦ ውሱን ቁጽሪ ቦታታት፣ ብUNHCR ዝያዳ ተቓላዕቲ (ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ) ተባሂሎም ዝተለለዩን ኣብ ትሕቲ መዐቀኒ ናይ ምውጻእ ወይ ምጥያስ ዝርከቡን ጥራይ እዮም  ንቃለ-መሕትት ዝጽውዑ።

ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚረ ኣብ UNHCR ተመዝጊበ ኣለኹ፡ ግን ንምጥያስ ወይ ንምውጻእ ናብ መጻንሒ ሃገር ቃለ-መሕትት ከካይድ ዝደወለለይ የለን። ስለምንታይ እዩ ከምኡ?

ብሰንኪ ሳልሳይ ሃገራት ዝህብኦ ውሱን ቁጽሪ ቦታታት፣ ብUNHCR ዝያዳ ተቓላዕቲ ተባሂሎም ዝተለለዩን ኣብ ትሕቲ መዐቀኒ ናይ ምውጻእ ወይ ምጥያስ ዝርከቡን ጥራይ እዮም  ንቃለ-መሕትት ዝጽውዑ።

UNHCR እውን ክረኽበካ ፈቲኑ ግን ክረኽበካ ዘይከኣለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቁጽሪ መራኸቢ ቴለፎንካ ዝኾነ ለውጢ እንተሎ UNHCR ከም ዝሓበርካ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። ቁጽርኹም ዝተቐየረ እንተኾይኑ፡ ቁጽሪ ፋይልኩም ናይ UNHCR፡ ህሉው ቁጽሪ ተሌፎንኩምን ዝርዝር ኣድራሻኹምን ሓዊስካ ናብ ናይ ምዝገባ መስመር 📞 0911633466 ብቐጥታ መስመር፣ዋትስኣፕ፡ ወይ ቫይበር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ስደዱ።

ውጽኢት ናይቲ ዝገበርክዎ ቃለ መሕትት ንምውጻእ ወይ ዳግመ-ምጥያስ ብኸመይ ክሓትት ይኽእል?

ምስ UNHCR ቃለ መሕትት ጌርኩም ገና ውጽኢት ቃለ መሕትትኩም እንተዘይተሓቢርኩም፡ ጉዳይኩም ገና ኣብ ምጽራይ ኣሎ ማለት እዩ። UNHCR ኣብ ውሳነ ምስ በጽሐ ክረኽበኩም እዩ፣ ወይ ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምውሳድ ክረኽበኩም እዩ።

UNHCR ትኽክለኛ ቁጽሪ ተሌፎንኩም ሒዙ ከም ዘሎ ኣረጋግጹ፣ዓቕሊ ድማ ግበሩ።

ቁጽሪ ተሌፎነይ እንተተቐይሩ ንUNHCR ክሕብር ኣለኒ ድዩ?

እወ! UNHCR እዋናዊ ዝርዝር ኣድራሻ መራኸቢኹም ክህልዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ቁጽሪ መራኸቢ (ቴለፎንኩም) እንተተቐይሩ፡ ቁጽሪ ፋይልኩም ናይ UNHCR፡ እዋናዊ ቁጽሪ ተሌፎንኩምን ዝርዝር ኣዳራሻኹም ብምጽሓፍ፣ ናብ ናይ ምዝገባ መስመርና 📞 0911633466 ብቀጥታ መስመር፣ ዋትስኣፕ፡ ወይ ቫይበር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ስደዱ።

ዝርዝር ኣድራሻኹም ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልታት ኣብ መዛግብትና ክሕደስ እዩ። ሓበሬታኹም ከም ዝተሓደሰ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ክመጸኩም እዩ።


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ