ምጉስጓስን ሕጋዊ ሓገዝን

UNHCR ብዘይ ፍቓድ ኣብ ማእሰርቲ ተታሒዞም ዘለዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ክፍትሑን ምስ መደምደምታታት በርሊን ዝሰማማዕ ስርዓተ ፍርዳዊ ገምጋም ብምትካልን ኣማራጺታት ማእሰርቲ ብምምዕባልን ኣብ ሊብያ ብሃውሪ ዝግበር ማእሰርቲ ደው ክብልን ይጽውዕ።  ህጹጽ ሰብኣዊ ድሌታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ UNHCR ንዕላማ ምክትታል ድሕንነት፣ ምልላይ፡ ምርግጋጽ፡ ምፍታሕ ምጉስጓስን ካልእ ኣማራጺታት መዳጎኒ ምጥቃምን ንዝምልከቶም ሰባት ምብጻሕ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ህይወት ዘድሕን ሕክምናውን ሰብኣውን ሓገዝ ይህብ።  UNHCR ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝገብሮ ንጥፈታት ንፖሊሲ መዳጎኒ ሊብያ ምድጋፍ ዝውክል ኣይኮነን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዳጎኒ ማእኸል ተኣሲረ ኣለኹ። UNHCR ንኽፍታሕ ክጣበቐለይ ይኽእል ድዩ?

UNHCR ኩሎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ ክፍትሑ ይጣበቕ።  UNHCR ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዳይረክቶሬት ምቅላስ ዘይሕጋዊ ስደት (DCIM) ዝርከብ  ወግዓዊ መዳጎኒ ማእከላት ዝኣትዉ ንምብጻሕ ዑደት ይገብር።   UNHCRን መሻርኽቱን፡ ኣብተን ማእከላት ብምኻድ፣ ምቕራብ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ንህይወት ዘድሕን ሓገዝ ይህቡ ከምኡ’ውን  ናውቲ ጽሬትን ካልኦት ቀንዲ ረድኤት ዝህቡ ነገራትን ይዕድሉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ተኣሲረ ኣለኹ፣ ኣብ UNHCR ድማ ክምዝገብ ደልየ ኣለኹ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

UNHCR ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ናይ ምዝገባ ንጥፈታት ኣየካይድን እዩ። ይኹን እምበር፡ UNHCR ንኽትፍታሕ ክጣበቕ እዩ፡ ድሕሪ ምፍታሕ ድማ ናይ ምዝገባ ቆጸራ ክወሃበካ እዩ።

ምስቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ዘመደይ ርክብ ኣጥፊአ ኣለኹ። ንዕኡ/ንዓኣ ኣብ ምድላይ ክትሕግዙኒ ትኽእሉ’ዶ?

ናብ ናይ UNHCR ድሕነት መስመር ቴሌፎን 📞 0917127644 ደዊልኩም ዝርዝር ናይ ዘመድኩም ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም።

UNHCR ኣብ እስሪ ቤት ዝርከቡ ምስ UNHCR ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ንምርግጋጽ ናብ  ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዳይረክቶሬት ምቅላስ ዘይሕጋዊ ስደት (DCIM) ዝርከብ ወግዓዊ መዳጎኒ ማእከላት  ምብጻሕ የካይድ።UNHCR  ንዘመድካ እንተረኺብዎ፣ከምኡ’ውን ዘመድካ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን፣ ክትሕበር ኢኻ።


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ