ጥርናፈ ስድራቤትን ወለንታዊ ዓድኻ ምምላስን

ኣስተውዕሉ! ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ካብ ብነጻ ኢዩ።

ምስ ስድራይ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ክጥርነፍ እየ ዝደሊ። UNHCR ክሕግዘኒ ይኽእል ድዩ?

ከከምቲ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝርከበሉ ሃገር፡ እቲ ኣገባባት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንገለ ሃገራት ድማ፡ UNHCR ደገፍ ክህብ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ግን፡ ዕድላት ጥርናፈ ስድራ-ቤት ኣዝዩ ድሩት እዩ።

ድሮ ንዕላማታት ምጥርናፍ ስድራቤት ብUNHCR ቃለ-መሕትት ጌርኩም እንተኾይንኩም፡ UNHCR ናይ ጥርናፈ ስድራ-ቤት ጉዳይኩም ዕዉት ምስ ዝኸውን፣ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ክረኽበኩም እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ንUNHCR ዘይነገርኩም እንተኾይንኩም፡ ብዛዕባ እቶም ኣባላት ስድራቤት ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ፡ እንታይ ዝምድና  ከም ዘለኩምን  ኣበይ ሃገር(ራት) ከም ዝነብሩን ንምሕባር  ናብ መስመር ድሕነት UNHCR ብ 📞 0917127644 ክትድውሉ ኣለኩም። UNHCR መስርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ምጅማር ዝከኣል ድዩ ኣይኮነን ክግምግም እዩ።

ናብ ሃገረይ ክምለስ ደልየ ኣለኹ። UNHCR ክሕግዘኒ ይኽእል ድዩ?

ምምላስ ናብ ዓድኻ ብዝምልከት፤ UNHCR  ብ’ድሕንነትን ክብርን ዘለዎ ኣገባብ ንኽፍጸም ይሰርሕ። UNHCR ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ኩነታት ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል ይኸውን፣ እዚ ድማ ግቡእ መረዳእታ ዘለዎ ውሳነ ንኽትወስድ ክሕግዘካ ይኽእል። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት UNHCR፣ IOM፣ ወይ ካልኦት ትካላት ንመገሻኻ ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ገዛኻ ምስ በጻሕካ ድማ ገንዘባውን ካልእን ሓገዝ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ናብ ሃገርኩም እትምለሱሉ ተኽእሎታት ሓበሬታ ምስእትደልዩ:ናብ መስመር ቴዋሱል 📞 1404 ደውሉ።


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ