ናይ ገንዘብ ሓገዝ

ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንናይ UNHCR ሊብያ ስርሒታት ኣገዳሲ ኣገባብ ኮይኑ ’UNHCR ዘገልግሎም  ሰባት (PoCs)  መሰረታዊ ድሌታቶም ክሽፍኑ፣ ኩነታት መነባብሮ ስድራቤታት ንምምሕያሽ ክሕግዝን ኣብ ሂወቶም ጽቡቕ ቁጠባውን ማሕበራውን ኣበርክቶ ክገብሩን ዘኽእሎም እዩ።

UNHCR ምስ CESVIን ቆንስል ስደተኛታት ኖርወይን (NRC) ብምትሕብባር፡ ኣብ መላእ ሊብያ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን መሰረታዊ ድሌታቶም ከም- መግቢ፡ ማይ፡ ናይ ጽሬት ኣቑሑት፡ ክንክን ጥዕናን ክራይ ገዛን- ንምምላእ ብዙሕ ዕላማ ዘለዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይህብ።

CESVIን NRCን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይህባ፣ እዚ ድማ ከም ክፋል ናይቲ ንውልቃዊ ድሌታት ዝወሃብ ሓፈሻዊ ምላሽ ይወሃብ።  ብቑዕነት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምቕባል፣ ተቓላዕነት ዘጠቓልል ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ብክኢላታት ኣሃዱ ዝውሰን ኢዩ።

ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድልየኒ ኣሎ። ከመይ ጌረ እየ ከምኡ ክሓትት ዝኽእል?

ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብUNHCR ወይ መሻርኽትና CESVI ዝካየድ ናይ ተቓላዕነት (ተነቃፍነት) ገምጋማት ድሕሪ ምክያድ ጥራይ እዩ ዝወሃብ።  ብUNHCRን CESVIን ዝካየድ ገምጋማት (መጽናዕቲ) ኣብ ከተማታት ንዝርከቡ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ውልቀሰባት ሓገዝን ደገፍን ምስ ምሃብ ዝተኣሳሰሩ እዮም።  ብሰንኪ ባህሪ ናይቲ ቃለ መሕትት፡ ገምጋማት ድሌታት ድሕነት ዝካየድ ፍሉይ ናይ ውሕስነት ሓደጋታትን ስግኣትን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ናይ ውሕስነት ሓደጋታትን ስግኣትን ዘይነበረኩም እንተኾይኑ፡ ናብ UNHCR፡ CESVI ወይ ናብ መስመራት ቴዋሱል ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።  ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኣጋጢሙኩም ፡ ኣብ ኩነታትኩም ድማ ዓቢ ለውጢ እንተዘይተራእዩ፡ ዳግማይ ቃለ መሕትት ኣይግበረልኩምን እዩ።

ንኽልተ ወርሒ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ረኺበ ብድሕሪኡ ኣይረኸብኩን። ከመይ ጌረ እየ ዳግማይ ክሓትት ዝኽእል?

ንህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ፍቓድ ረኺብካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ኣብ ፍሉይ ናይ ተቓላዕነት መዐቀኒታት ተመርኲስካ ዝወሃብ እዩ።  ህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክልተ ግዜ ጥራይ እዩ ዝወሃብ።

ቅድሚ ሕጂ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንተረኺብኩምን ኣብ ኩነታትኩም ርኡይ ለውጢ እንተጋጢሙን፡ ንተወሳኺ ደገፍ ናብ መስመራት ቴሌፎን ናይ UNHCR’s መሻርኽቲ CESVI በዘን ዝስዕባ ቴለፎናት ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። 📞 0910027717ወይ 📞 0910027716(ሰንበት ክሳብ ሓሙስ፡ ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ 17.00)።


ተዛመድቲ ሓበሬታታት፤ << ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ