ትሕቲ 18 ዲኻ/ኺ?

ትሕቲ 18 ዲኻ/ኺ? እንድሕር ኮይንካ/ኪ፣ እዚ ገጽ እዚ ንዓኻ/ኺ እዩ! ካብ መበቆል ሃገርኩም ክትወጹ ተገዲድኩም ሕጂ አብ ሊብያ ንእትርከቡ ህጻናትን መናእሰይን ብዛዕባ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም፡፡

ስደተኛ መን እዩ? 👧🏽👦🏽

ስደተኛታት ኣብ ሂወቶም ኣዝዮም ከበድቲ እዋናት ዘሕለፉ ተራ ሰባት እዮም፡፡ ኣብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ሃገር ድማ ግርጭት ወይ ጭቆና ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎም ዝነበሩ ሰባት እዮም፡፡ ብጀካ ካብ ሃገሮም ምውጻእ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን፡፡ ስለዚ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ዘይነብሩን እንተውሓደ ድማ ሓደ ዶብ ዝሰገሩን ‘ዮም፡፡እንተተመሊሶም ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ቀጻሊ ግርጭት ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል’ዩ ወይ ድማ ብምኽንያት ዜግነቶም፣ ዘርኦም ወይ ጾታዊ ዝንባለኦም ወይ እዉን ብምኽንያት ሃይማኖቶም፣ ማሕበራዊ ጉጅለኦም ወይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ጉድኣት ክወርዶም ይኽእል እዩ፡፡ ንድሕነት ስደተኛታት ዝጣበቑ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣለው፤ ስለዝኾነ ድማ ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተኾይኑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይግባእን፡፡

ብዛዕባ ስደተኛታትን ዩኤንኤችሲኣር ሊብያን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣ እዚ ዝስዕብ ቪድዮ ርኣዩ፡፡

ምስ ዩኤንኤችሲኣር ብኸመይ ክምዝገብ ወይ ክራኸብ እኽእል? 💻🏢👧🏽👦🏽📆

ኣብ ሊብያ ምስ ስድራኹም እንድሕርሃሊኹም፣ መጀመርታ ምስ ስድራኹም ወይ እትኣምኑዎ ልዕሊ ዕድመ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን በይንኹም እውን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም😊. ምሳና ክትምዝገቡ እንድሕርደሊኹም፣ መጀመርታ ቆጸራ ክትሕዙ ይግባእ፡፡ናብቲ ናይ ምዝገባ መስመር በዚ ክትድውሉ ትኽእሉ📱📞091 163 3466.

ናብ ኢንተርቪው/ቃለ ምሕትት ክትመጹ ከለኹም፣ ዘለኩም ሰነዳት ኩሉ ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም፡፡ ንኣብነት፡- ፓስፖርት፣ መለለዪ ታሴራ፣ ናይ ልደት ወረቐት ወዘተ፡፡ ዘለኩም ዝኾነ ሰነድ ንምሃብ ክትፈርሑ የብልኩምን፤ ኣዘዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡፡ ኣብቲ ናይ መዝገባ ገጽና ኣብ’ቲ ዘሎ ቪድዮ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ኣብ ሊብያ በይነይ እየ ዘለኹ፤ ሓገዝ ከኣ የድልየኒ እዩ፡፡ ዩኤንኤችሲኣር ንዓይ እንታይ ክገብረለይ ይኽእል? 👧🏽👦🏽

መጀመርታ ኣብ ዩኤንኤችሲኣር ክትምዝገቡ ኣለኩም – ከመይ ገይርኩም ከምእትምዝገቡ ንምፍላጥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓበሬታ ተወከሱ፡፡ ምስተመዝገብኩም፣ ከከም ዘለኩም ሕጽረታት ብዝተፈላለየ መንገድታት ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና፡፡ ኣብ’ቲ ዝስዕብ ቪድዮ ብዛዕባ ኣብ ሊብያ እንህቦም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ብተወሳኺ ድማ ብዛዕባ እቶም ሓገዛት ዓሚቕ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ኣቲኹም ክተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ በዞም ዝስዕቡ መስመር ቴለፎን ተጠቂምኩም ብዛዕባ ኩነታትኩምን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዘድልየኩምን ግለጹልና፤ ንሕና ድማ እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ክንሕብረኩም ኢና፡፡ እቶም ክትድዉሉሎም እትኽእሉ መስመራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

📱📞ናይ ዩኤንኤችሲኣር ናይ መዝገባ መስመር: 091 163 3466 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ 08:30-16:30)

📱📞 ናይ ዩኤንኤችሲኣር ናይ ክፍሊ ድሕነት ስደተኛታት (ፕሮቴክሽን) መስመር: 091 712 7644 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ 08:30-16:30)

📱📞 ታዋሱል ልሙድ ሜላ መውሃቢ ግብረ-መልሲ መስመር: 1404 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ 09:00-23:00) – እዚ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ብዛዕባ ሰብኣዊ ስራሕቲ ሓበሬታ እትረኽቡሉ፤ ዘለኩም ቅሬታታት እትገልጹሉን ርኢቶ እትህቡሉን ናይ ቴለፎን መስመር እዩ፡፡ ብመሰረት ሕጽረታትኩም፣ ናብ’ቶም ዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ክትስደዱ (ሪፈር ክትበሃሉ) ትኽእሉ ኢኹም፡፡

📱📞 ናይ ሲኢኤስቪኣይ መስመር: 0910027717 ወይ 0922767166 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ 09:00-17:00) –ሲኢኤስቪኣይ ካብቶም መዳርግቲ ትካላት ኮይኑ፣ ምስ ከማኹም ዝኣመሰሉ እንኮላይ ኣብ ሊብያ በይኖም ዝቕመጡ ሓገዝ ዘድልዮም ትሕቲ ዕድመ ይሰርሕ፡፡  

ኣነ ኣብ ሊብያ ንበይነይ ዝቕመጥ ትሕቲ ዕድመ እየ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ካልእ ዓዲ ዝቕመጡ ኣባላት ቤተሰብ ኣለውኒ፤ ናብኦም ድማ ክጽምበር እደሊ እየ፡፡ ዩኤንኤችሲኣር ክሕግዘኒ ይኽእል ዶ? 🌍✈️

ዝኾነ/ት ትሕቲ ዕድመ ክንዲ ዝካኣል ምስ ቤተሰቡ/ባ ክትነብር ኣገዳሲ እዩ፡፡ ንዩኤንኤችሲኣር እንተተተወኪስኩም፣ ክንሕግዘኩም ዝከኣለና ክንገብር ኢና፡፡ ነቶም ቤተሰብኩም ደሊና ርክብ ንምምስራት ክንፍትን ኢና፡፡ ምስቶም ቤተሰብኩም ክንጥርንፈኩም እውን ክንፍትን ኢና፤ እንተኾነ ግን እቶም ኣሰራርሓታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለዩ እዮም፡፡ ብኽብረትኩም በዚ ዝስዕብ ርኸቡና፡- ዩኤንኤችሲኣር ክፍሊ ድሕነት ስደተኛታት (ፕሮቴክሽን) መስመር፡📱📞 091 712 7644፡፡ ተወሳኺ ሓበሬታ እውን ➡️ ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ዛኾነ ሰብ ጉድኣት ኣውሪዱለይ፣ ወይ ድማ ከይጎድኡኒ እፈርሕ እየ፡፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ማንም ሰብ ንህጻናት ማህሰይቲ ከውርድ፣ ዕሽሽ ክብል ወይ ከጋፍዕ መሰል የብሉን – ዋላ ወለዶም፣ ኣዝማዶም ወይ መምሃራኖም እንተኾኑ፡፡ ዝኾነ ሰብ ጉድኣት ኣንተድኣ ኣውሪዱልኩም ወይ ዘይምቹእነት ክስምዓኩም ብዝገብር መንገዲ እንተተንኪፎምኹም፤ ወይ ድማ ከምኡ ከይገብሩኹም እንድሕር ደኣ ትፈርሑ ኮይንኩም፣ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ትካላት ኣለው፡፡ ንዩኤንኤችሲኣር እንተተተወኪስኩም፣ ክንሕግዘኩም ዝከኣለና ክንገብር ኢና፡፡ በዞም ዝስዕቡ ቁጽርታት ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፡፡

📱📞ናይ ዩኤንኤችሲኣር ናይ ክፍሊ ድሕነት ስደተኛታት (ፕሮቴክሽን) መስመር: 091 712 7644 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ 08:30-16:30)

📱📞 ናይ ሲኢኤስቪኣይ መስመር: 091 002 7717 ወይ 092 276 7166 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ 09:00-17:00)

ብቕልጡፍ ናይ ዶክተር ሓገዝ ዘድልዮ ዝኾነ ዓይነት ግህሰት እንተድኣ ኣጋጢሙኩም፣ እዚ ዝስዕብ መስመር ተጠቐሙ፡፡

📱📞 ኣይኣርሲ ንናይ ጥዕና ሓገዝ – ህጹጽ መስመር ሕክምና፡ 091 035 4839 (24/7 – መዓልታዊ ኣብ ዝኾነ ሰዓት)

ሕጂ ኣይመሃርን ዘለኹ፣ እንተኾነ ግን ክመሃር እደሊ እየ፡፡ ናብ ትምህርቲ ክኣቱ እንታይ ክገብር ኣለኒ?🏫📚

ዝኾነ ህጻን ናይ ምምሃር መሰል ኣለዎ፤ ዩኤንኤችሲኣር ናብ ዩኒሴፍ ብምስዳድ (ሪፈር ብምባል) ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ፡፡ ብእኦም ኣቢልኩም፣ ኣብ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ክትምዝገቡ ወይ ድማ ኣብ ናይ ዩኒሴፍ ማእከላት ባይቲ ኣብ ዘይ-ስሩዕ ትምህርቲ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፤ እቲ ኣካይዳታት ንሕና ክነርእይኩም ኢና፡፡ ብኽብረትኩም በዚ ዝስዕብ ርኸቡና፡- ዩኤንኤችሲኣር ክፍሊ ድሕነት ስደተኛታት (ፕሮቴክሽን) መስመር፡📱📞 091 712 7644፡፡

ኣካላዊ ስንክልና ኣለኒ፡፡ ክትሕግዙኒ ትኽእሉ ዶ?

ንሕና፣ ምስ መዳርግትና ሲኢኤስቪኣይ፣ ከም ደገፍቲ መሳርሕታት፣ ናብ ካልኦት ሓገዝ ወሃብቲ ምርኻብ፣ ስነ-ኣእምራውን ማሕበራውን ድጋፍ፣ መሰረታዊ ኣካላዊ ተሃድሶን ናይ ገዛ ንገዛ ክትትልን ዝኣመሰሉ ሓገዛት ክንገብር ንኽእል ኢና፡፡ ዝኾነ ስንክልና እንተድኣ ሃልዩኩምን ሓገዝ እንድሕር ደሊኹምን፣  ብኽብረትኩም ንመዳርግትና ሲኢኤስቪኣይ በዞም ዝስዕቡ መስመራት ርኸቡዎም፡ 📱📞 091 002 7717 ወይ 📱📞 092 276 7166፡፡

ኣብ ጉዕዞይ ሕማቕ ተጓንፎታት ኣጋጢሞምኒ እዮም፤ እሓዝን፣ እሓርቕ፣ እሻቐል፣ እፈርሕ ወይ እርበሽ፡፡ እዚ ንቡር ድዩ?

ካብ ሃገርኩም ድሕሪ ምውጻእኹምን ኣዝዮም ዘፍርሑ ነገራት ድሕሪ ምርኣይ ወይ ድማ ምግጣም፣ ናይ ሕርቃን ስምዒት ክህልወና ንቡር እዩ፡፡ እቶም ዝርኣኹምዎም ወይ ዘጋጠምኹም ነገራት ካብ ኣእምሮኹም ንምውጻእ ከሸግሩኹም ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብ እትፈትውዎም ሰባት ተፈሊኹም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም፤ ብዛዕባኦም እውን ትሻቐሉ ትዀኑ ወይ ድማ ኣብ መጻኢ እንታይ የጋጥም ይኸውን ኢልኩም ትሓስቡ ትዀኑ ኢኹም፡፡ ኩሉ ዘይፍለጥ ሓዱሽ ባይታ ኮይኑ ክስማዓኩም ይኽእል እዩ፡፡ ነዚ ከቢድ ኩነታት ክትጻወሩ ዝሕግዙኹም ክትፍትኑዎም እትኽእሉ ቀለልቲ ነገራት፡፡ ምስ ስድራኹም እንድሕር ኮይንኩም ወይ ድማ እትኣምኑዎ ሰብ ምሳኹም እንተሃልዩ፣ ብዛዕባ እቲ ዝስመዓኩም ኣዛርቡዎም፡፡

ካብ ናይ ስነ-ልቦና በዓል ሞያ፣ መማኸሪ ወይ ዶክተር ሓገዝ ንምሕታት ኣይትሰከፉ – መብዛሕቲኦም እዞም ሰብ ሞያ ኣብቶም ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ብናጻ ይርከቡ እዮም፡፡ ብዛዕባ ዝስመዓኩም ነገራት ንምዝርራብ ሓገዝ የድልየኒ እዩ ኢልኩም እንተሓሲብኩም ንመዳርግትና ሲኢኤስቪኣይ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ 📱📞 091 002 7717 ወይ 📱📞 092 276 7166 (ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ  09:00-17:00)፡፡

ብቕልጡፍ ናይ ዶክተር ሓገዝ ዘድልዮ ዝኾነ ዓይነት ግህሰት እንተድኣ ኣጋጢሙኩም፣ እዚ ዝስዕብ መስመር ተጠቐሙ፡፡

📱📞 ኣይኣርሲ ንናይ ጥዕና ሓገዝ – ህጹጽ መስመር ሕክምና፡ 091 035 4839 (24/7 – መዓልታዊ ኣብ ዝኾነ ሰዓት)