ዘይመግቢ ዝኾኑ ነገራት’ን(NFIs) ከምኡ’ውን መጽለሊ

ከም መሪሕ ትካል ሓገዝ ናይ ዘይመግቢ ዝኾኑ ነገራት (NFIs) መጠን፡ ምክፍፋል ዘይመግቢ ዝኾኑ ነገራት ሓደ ካብቶም ንስርሒት UNHCR ሊብያ ኣዝዮም ወሳኒ ንጥፈታት እዩ።  ብመሻርኽትና ኣህጉራዊ ኮሚተ ምድሓን ህይወት (IRC)ን ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ሊብያን (LibAid) ኣቢልና፡  ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉ ሰባት፡ ኣብ ከተማታትን ኣብ መዳጎኒ ማእከላትን ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከምኡ’ውን ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣሻቐልቲ ሰባት ከም ኣካል ናይቲ ህይወት ዘድሕን ንጥፈታትና ንበጽሕ።

ከመይ ጌረ መሰረታውያን ረድኤት ኣቑሑት (ምግቢ ዘይኰነ ኣቑሑት) ክሓትት ይኽእል?

ናብ መስመር ድሕነት UNHCR 📞 0917127644 ወይ መስመራት CESVI 📞 09100277170922767166ን ደዊልኩም ሕቶኹም ክትገልጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ብቑዓት እንተኾይንኩምን እቶም ኣቑሑት እንተሃልዮምን፡ ብዛዕባ እቶም ኣቑሑት ብኸመይ ክትቅበሉ ከም እትኽእሉ ንምሕባር፡ መሻርኽቲ UNHCR ዝኾነ ትካል IRC ክረኽበኩም ኢዩ።

UNHCR ገዛ ንምርካብ ክሕግዘኒ ይኽእል ድዩ?

UNHCR መጽለሊ ዘይቅርብ እኳ እንተኾነ፣ ን’ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንዋታዊ ደገፍ ንህብ።

ደገፍ ምስ ዘድልየኩም፡ ናብ ሓደ ካብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ማእከላት ጻውዒት ደውሉን ኩነታትኩም ግለጹን፤

  • UNHCR ናይ ድሕነት መስመር  📞 0917127644
  • መስመራት ቴሌፎን ሴስቪ (CESVI) 📞 0910027717 ከምኡ’ውን 0922767166
  • ታዋሱል – ሓፈሻዊ ኣገባብ ግብረ መልሲ (Tawasul) 📞 1404 

ንደገፍ ብቑዕ እንተኾንካ፡ ንተወሳኺ ገምጋም ምውሳድ ወይ ሓገዝ ክድወለካ ኢዩ።


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ