ዘይስነምግባር (ዘይግቡእ ተግባር) ምሕባር

ኣስተውዕሉ! ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ብነጻ እዩ!

ሓበሬታኹም ብጥንቃቐ ክተሓዝን ብጥብቂ ምስጢራዊ ክኸውንን እዩ።

ዘይስነምግባር እንታይ’ዩ?

ዘይግቡእ ተግባር “ዝኾነ ይኹን ኣባል ሰራሕተኛ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራትትሕጋጋት ሰራሕተኛታትን ሕጊ ሰራሕተኛታትን ወይ ካልእ ዘለዎ ናይ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ግዴታ ዘይምኽባር፣ ወይ ድማ ካብ ሓደ ኣህጉራዊ ኣገልጋሊ ትጽቢት ዝግበረሉ ደረጃታት ስነ-ምግባር ዘይምኽባር እዩ።”

ዓይነታት ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዝባሃሉ እንታይ እዮም?

  • ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ኣብ ልዕሊ ምስ UNHCR ጉዳይ ዘለዎም ሰባት።
  • ምትላል (ንኣብነት ጥቕሚ ንምርካብ ንሓደ ሰነድ ሓሶት ምግባር)።
  • ብልሽውና (ንኣብነት ካብ ስደተኛታት ወይ ካልኦት ገንዘብ ምውሳድ)።
  • ምስ መስርሕ ምዝገባን ምጥያስን ዝተኣሳሰር ምትላል።
  • ስርቅን ምጥፍፋእን (ንኣብነት ምስራቕ መሳርሒ ወይ ገንዘብ)።
  • ግፍዒ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ (ንኣብነት ንኣባላት ሰራሕተኛታት ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ምሓዝ)።
  • ጾታዊ ትንኮሳ (ንኣብነት ዘይተደልየ ጾታዊ ባህርያት)።
  • ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም (ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሓለፋታት ወይ ኣድልዎ ምርኣይ)።
  • ኣብ ልዕሊ ካልኦት መጥቃዕቲ ወይ ምፍርራሕ።
  • ንብረት UNHCR ብዘይግቡእ ምጥቃም።
  • ምጥሓስ ምስጢራውነት።
  • ንUNHCR ዘጸልም ተግባራት ወይ ባህርያት።
  • ሕግታት ከባቢ ዘይምኽባር።
  • ናይ ረብሓ ጎንጺ።
  • ሓለፋታትን ሕድገታትን ብዘይግቡእ ምጥቃም።
  • ከቢድ ሸለልትነት።

ኣብ UNHCR ንኽምዝገብ ገንዘብ ይሕተት ኣለኹ፧ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኩሉ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝወሃብ ናይ ሓገዝን ኣገልግሎታት ድሕነትን ብነጻ እዩ። ንዝኾነ UNHCR ወይ ንዝኾነ መሻርኽቲ ኣገልግሎት ብኣካል ይኹን ብንዋታዊ (ገንዘብ፡ ወይ ካልእ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ሓዊስካ) ዝኾነ ገንዘብ ክትከፍሉ፡ ወይ ዝኾነ ሓለፋ ወይ ንግዲ ክትቅበሉ ከምዘይብልኩም ኣስተውዕሉ።

ዝኾነ ይኹን ጌጋ ብሚስጢር ንUNHCR ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ምትላል፡ ብልሽውና፡ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ምዝመዛ፡ ወይ ካልእ ጌጋ ንምሕባር ንቤት- ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ UNHCR ተወከሱ፤

ናይ UNHCR ሊብያ ናይ ጥርዓን ሳጹናት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰራጅ ይርከቡ። እቲ ናይ ጥርዓን ኣገባባት፡ ብሰራሕተኛታት UNHCR፡ ብተርጐምቲ ወይ ብዋርድያ (ሓለውቲ) ግዳይ ከቢድ ዘይስነምግባር ኰይና ኢሎም ዝኣምኑ ሓተትቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ እቲ ግጉይ ባህርያት ጥሮዓን ናብ ላዕለዎት መራሕቲ UNHCR ከቕርቡ የኽእሎም። ኣገባብ ጥርዓናት UNHCR ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR፣ ተርጓሚ ወይ ሓላዊ ጸጥታ ከቢድ ዘይስነ-ምግባር ወይ ኣገባባዊ ዘይፍትሓዊነት ዘጋጥመሉ ኩነታት ንምምልላይ ዘተኮረ እዩ።

ጥርዓን ንምጅማር ጥርዓንኩም ኣብቲ ዝተዓሸገ ናይ ጥርዓናት ሳጹን ኣካፍሉ። ኣብ ሊብያ እቲ ዝለዓለ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR ጥራይ እዩ ናይ ጥርዓን ሳጹን ዝርከቦ፣ ንጥርዓንኩም ድማ  ብሚስጢር ክሕዞ እዩ።

UNHCRን መሻርኽቱን ኣብ ምትላል፡ ብልሽውና፡ ጾታዊ ምዝመዛ፡ ምግፋዕ፡ ከምኡ’ውን ሕማቕ ኣተሓሕዛ/ግህሰት ክመጽእ ከሎ ዜሮ ተጻዋርነት ፖሊሲ (ስርዓት) ከም ዘለዎ ኣይትረስዑ።

ንምውጻእ ብUNHCR ቃለ መሕትት ክግበረለይ ገንዘብ ይሕተት ኣለኹ፧ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኩሉ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝወሃብ ናይ ሓገዝን ኣገልግሎት ጽላልን ብነጻ እዩ። ካብ UNHCR ወይ መሻርኽትና ሓገዝ ንምርካብ ዝኾነ ገንዘብ ክትከፍሉ ወይ ዝኾነ ሓለፋታት ክትህቡ ከምዘይብልኩም ክትፈልጡ ይግባእ። ዝኾነ ይኹን ጥሕሰት ናይዚ ብሚስጢር ንUNHCR ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ምትላል፡ ብልሽውና፡ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ምዝመዛ፡ ወይ ካልእ ዘይስነምግባር ንምሕባር ንቤት-ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ UNHCR ተወከሱ፤

ናይ UNHCR ሊብያ ናይ ጥርዓን ሳጹናት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰራጅ ይርከቡ። እቲ ናይ ጥርዓን ኣገባባት፡ ብሰራሕተኛታት UNHCR፡ ብተርጐምቲ ወይ ብዋርድያ (ሓለውቲ) ግዳይ ከቢድ ዘይስነምግባር ኰይና ኢሎም ዝኣምኑ ሓተትቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ እቲ ግጉይ ባህርያት ጥሮዓን ናብ ላዕለዎት መራሕቲ UNHCR ከቕርቡ የኽእሎም። ኣገባብ ጥርዓናት UNHCR ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR፣ ተርጓሚ ወይ ሓላዊ ጸጥታ ከቢድ ዘይስነ-ምግባር ወይ ኣገባባዊ ዘይፍትሓዊነት ዘጋጥመሉ ኩነታት ንምልላይ ዘተኮረ እዩ።

ጥርዓን ንምጅማር ጥርዓንኩም ኣብቲ ዝተዓሸገ ናይ ጥርዓናት ሳጹን ኣካፍሉ። ኣብ ሊብያ እቲ ዝለዓለ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR ጥራይ እዩ ናይ ጥርዓን ሳጹን ዝርከቦ፣ ንጥርዓንኩም ድማ  ብሚስጢር ክሕዞ እዩ።

UNHCRን መሻርኽቱን ኣብ ምትላል፡ ብልሽውና፡ ጾታዊ ምዝመዛ፡ ምግፋዕ፡ ከምኡ’ውን ሕማቕ ኣተሓሕዛ/ግህሰት ክመጽእ ከሎ ዜሮ ተጻዋርነት ፖሊሲ (ስርዓት) ከም ዘለዎ ኣይትረስዑ።

ምትላል እንታይ እዩ፧ ብስደተኛታት፡ ሓተቲ ዑቕባ ወይ ካልኦት ውልቀሰባት ዝተጠርጠረ ምትላልን ብልሽውናን ብኸመይ ክሕብር ይኽእል?

ዝኾነ ይኹን ተግባር እንተላይ ንገዛእ ርእስኻ ይኹን ንሳልሳይ ወገን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ጥቕሚ ንምርካብ ብፍላጥ ወይ ኮነ ኢልካ ዘደናግር ወይ ከደናግር ዝፍትን ንዋታዊ ሓቅታት ብጌጋ ምግላጽን/ወይ ምሕባእን የጠቓልል። ኣብነት ናይ ምትላል ተግባራት፤

  • ካብ ሓገዝ ወይ ኣገልግሎት ንኽትጥቀም ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምሃብ፣
  • ስኑዕ ሰነዳት ምጥቃም ወይ ሓቀኛ ሰነዳት ብሓሶት መንገዲ ምጥቃም፣
  • ንውልቃዊ ረብሓ ዝኸውን ገንዘብ ምሕታት ወይ ካብ ሓገዝ ወይ ኣገልግሎት (ንኣብነት፡ ምዝገባ፡ ዳግመ-ምጥያስ) ተጠቃሚ ንምዃን ገንዘብ ምኽፋል ፡
  • ብሓሶት ንUNHCR፣ ንኻልኦት ኣካላት ወይ መሻርኽቲ ትካላት ይውክል እየ ምባል።

ብስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝፍጸም ናይ ምትላልን ብልሽውናን ስግኣት ወይ ጥርጣረ እንተሃልዩኩም ናብ 📧 [email protected] ክትሕብሩና ንላቦ። ኩሎም ጸብጻባት ብጥብቂ ምስጢር ይተሓዙ።

ሰራሕተኛታት UNHCR፣ ተርጎምቲ፣ ሓለውቲ ጸጥታን ወይ ናይ መሻርኽቲ ኣካላት ዝርከብዎ ዘይግቡእ ተግባር ብኸመይ ከመልክት ይኽእል?

ዝኾነ ይኹን ጌጋ ብሚስጢር ንUNHCR ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ምትላል፡ ብልሽውና፡ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ምዝመዛ፡ ወይ ካልእ ጌጋ ንምሕባር ንቤት- ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ UNHCR ተወከሱ፤

ጥርዓን ንምጅማር ጥርዓንኩም ኣብቲ ዝተዓሸገ ናይ ጥርዓናት ሳጹን ኣካፍሉ። ኣብ ሊብያ እቲ ዝለዓለ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR ጥራይ እዩ ናይ ጥርዓን ሳጹን ዝርከቦ፣ ንጥርዓንኩም ድማ  ብሚስጢር ክሕዞ እዩ።

ኩሉ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝወሃብ ናይ ሓገዝን ኣገልግሎት ጽላልን ብነጻ እዩ። ካብ UNHCR ወይ መሻርኽትና ሓገዝ ንምርካብ ዝኾነ ገንዘብ ክትከፍሉ ወይ ዝኾነ ሓለፋታት ክትህቡ ከምዘይብልኩም ክትፈልጡ ይግባእ።

ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን እንታይ እዩ?

መርገጺና ንጹር ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብላዕለዋይ ኮሚሽነርና ተደጋጊሙ ኣሎ፤

  • ጾታዊ ርክብ ዘይምኽንያታዊ ኢዩ፣ ካብ ስርሓት UNHCR ድማ ክጠፍእ ኣለዎ።
  • ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ምስ UNHCR ጉዳይ ንዘለዎም ሰባት ይጸልዎም።
  • ጾታዊ ምዝመዛ ማለት ገንዘብ ወይ ካልእ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ካልእ ዘየተጠቕሱ ብልጫታትን ብምቕራብ፣ ጭቡጥ ወይ ፈተነ ምርካብ ጾታዊ ሓለፋ፣ ግህሰት ተቓላዕነት ሰብ(ንህይወቱ፣ ንምቅሊት መግቢ ፣ መጽሓፍቲ ቤት ትምህርቲ፣ መጓዓዝያ ወይ ካልእ ኣገልግሎታት ኢሉ ኣብ ትሕቴኻ ዝምርኮስ ምዃኑ ምምዝማዝ)፣ ፍልልይ ሓይሊ ወይ ምትእምማን ማለት ኢዩ። ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምንዝርናን ድማ የጠቓልል።
  • ጾታዊ ግህሰት ማለት ብሓይሊ ወይ ብግዴታ ወይ ኣብ ማዕረ ዘይኮነ ኩነታት   ዝፍጸም ኮይኑ፣ ጭቡጥ ወይ ምፍርራሕ ምትእትታው ናይ ጾታዊ ባህሪ ማለት እዩ። ጾታዊ ባርነት፡ ስእለ ጽዩፍ፡ ግህሰት ህጻናትን ጾታዊ ዓመጽን ዘጠቓልል እዩ።

ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ብኸመይ ይሕብር?

ብዛዕባ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR፣ UN ወይ ዘይመንግስታዊ ትካል ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ክፍጸም ዝኽእል ጉዳይ እንተፈሊጥኩም፣ ወይ ስግኣት ወይ ጥርጣረታት እንተሃልዩኩም፣ በጃኹም ነዚ ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ (IGO) ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት UNHCR ጸብጻብ ኣቕርቡ፤

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ UNHCR– ምሕባር ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን (SEA) ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ዘይግቡእ ተግባር ክሕብር ከለኹ እንታይ ከካትት(ከማልእ) ኣለኒ?

ንUNHCR ሓቀኛን ምሉእን ሓበሬታ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። በጃኹም ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ብዓቕምኹም ኣማምልእዎ፤

  • እንታይ ዝበሃል በደል ኢኹም ትሕብሩ ዘለኹም፧ ብዝተኻእለ መጠን እትፈልጦ ዝርዝር ሓበሬታታት ሓዊስካ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግለጹ።
  • እቲ ዝተባህለ በደል መን ፈጺሙ፧ ካልእ ሰብ ኣብዚ ጉዳይ ተሳቲፉ እንተሃልዩ ትፈልጡ ዶ፧እንተተኻኢሉ ምሉእ ኣስማት፡ መዓርጋትን ትካልን ኣቕርቡ።
  • እቲ ፍጻመ(ታት) መዓስን ኣበይን ኣጋጢሙ፧ ዕለት(ታት)ን ሰዓት(ታት)ን ኣመልክቱ፣ እንተሃልዩ።
  • እቲ ውልቀሰብ ነቲ ዝተባህለ በደል ብኸመይ ፈጺሙ?
  • ስለምንታይ እቲ ንጥፈት ዘይግቡእ እዩ ነይሩ ኢልካ ትኣምኑ?

ከተካፍዎ እትኽእሉ፣ ንክሲኹም ዘረጋግጽ ዝኾነ ደጋፊ መርትዖ እንተሃልዩኩም ኣመልክቱ ኢኹም።


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ