መዝገባ

ኣስተውዕሉ! ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ካብ ብነጻ ኢዩ።

ኣብ UNHCR ብኸመይ ክምዝገብ ይኽእል?

ምዝገባ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሊብያ ብUNHCR ይካየድ። ሰበ-ስልጣን ሊብያ ንUNHCR ካብ ፍሉይ ዜግነት ዝመጹ ሰባት ንምምዝጋብ ጥራይ እዮም ስልጣን ዝህቡ።

ናብ መስመር ምዝገባና ብ 📞 0911633466 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ሰራሕተኛታት ምዝገባ ድማ ብዛዕባ ኣገባባት ምዝገባ ክመኽሩኹም እዮም። ብቑዕ እንተኾይንካ፡ ምስ ሰራሕተኛታት UNHCR ኣብ ትሪፖሊ ወይ ካልእ ምዝገባ ዝካየደሉ ቦታ ክትራኸብ ቆጸራ ዕለት ይወሃበካ። ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ መሕትትካ፡ UNHCR ብዛዕባኻ ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ክእክብ እዩ፡ ስምካ፡ ዕለት ልደትካ፡ መበቆል ቦታኻ፡ ከምኡ’ውን ካብ መበቆል ሃገርካ ዝወጻእካሉ ምኽንያት።

ኣብቲ ናይ ምዝገባ ቃለ መሕትተይ እንታይ ከምጽእ ኣለኒ?

ኩሎም ኣባላት ስድራቤትካ (መጻምድቲ፡ ቆልዑ ወይ ካልኦት ጽግዕተኛታት ዝኾኑ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤት) ኣብ መዓልቲ ምዝገባ ምሳኻ ክህልዉ ኣለዎም።

ኩሉ እቲ ዘለካ ኦርጅናል ሰነዳት ሒዝካ ክትመጽእ ኣለካ፡ ንኣብነት፤

  • ፓስፖርት
  • ሃገራዊ መንነት ወረቐት
  • ናይ ልደት ምስክር ወረቐት
  • ናይ ስራሕ ፍቓድ
  • ምስ ኩነታት ሓዳርኩም ዝተኣሳሰር ምስክር ወረቐት
  • መዛግብቲ ትምህርቲ
  • ናይ UNHCR ወይ ናይ መንግስቲ ናይ ስደተኛታት ወይ ናይ ዑቕባ ሓታቲ ምስክር ወረቐት ካብ ካልኦት ሃገራት
  • ዝኾነ ካልእ ወግዓዊ ሰነዳት ብዛዕባ መንነትካ

ካልእ ሰነዳት እውን ምስቲ መበቆል ሃገርካ ዝወጻእካሉ ምኽንያት ዝተኣሳሰር እዩ ኢልካ እንተሓሲብካ ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።

ዋላ ሰነዳት እንተዘይብልኩም ኣብ UNHCR ክትምዝገቡ ከም እትኽእሉ ኣስተውዕሉ።

ከመይ ጌረ ዝተዋህበኒ ሰነድ ናይ UNHCR ከሐድሶ ይኽእል?

ናብ ናይ ምዝገባ መስመርና 📞 0911633466 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።ኣብ ትሪፖሊ ወይ ካልእ ቦታ ምስ UNHCR ቆጸራ ክወሃበኩም እዩ።

ዝርዝር ሓበሬታ መራኸቢ ኣድራሻይ ብኸመይ ከሐድሶ ይኽእል?

ናይ UNHCR ቁጽሪ ፋይልኩም፣ ህሉው ኣድራሻኹምን መራኸቢ ኣድራሻኹምን ብምጽሓፍ ናብ ናይ ምዝገባ መስመር ቴለፎን 📞 0911633466 መልእኽቲ ጽሑፍ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ መልእኽቲ ብቐጥታ መስመር (ኤስ.ኤም.ኤስ)፡ ዋትስኣፕ፡ ወይ ቫይበር ክትሰድድዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ዝርዝር ኣድራሻኹም ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልታት ኣብ መዛግብትና ክሕደስ እዩ። ሓበሬታኹም ከም ዝተሓደሰ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ክመጸኩም እዩ።

ኣብ ጉዳየይ ኣባላት ስድራ-ቤት ብኸመይ ክውስኽ ይኽእል?

ናብ ናይ ምዝገባ መስመርና ብ 📞 0911633466 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ወይ ካልእ UNHCR ናይ ምዝገባ ንጥፈታት ዝካየደሉ ቦታ ክትቀርቡ ቆጸራ ክወሃበኩም ኢዩ።

ፋይለይ ተዓጽዩ ኣሎ። ከመይ ጌረ ዳግማይ ንክኽፈት ክሓትት ይኽእል?

ፋይልኩም ተዓጽዩ ወይ ዘይንጡፍ እንተኾይኑ፡ ንናይ ምዝገባ መስመርና ብ 📞 0911633466 ብምውካስ ናይ ምዝገባ ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም። ኣብቲ ቆጸራ ዝግበረሉ መዓልቲ፡ UNHCR ፋይልካ ዳግማይ ንምኽፋት ወይ ዳግማይ ንጡፍ ንምግባር ዘድሊ ሓበሬታ ንምእካብ ቅጥዒ ክትመልእ ይሓተካ። ፓስፖርትኹምን ኩሉ ውልቃዊ መለለዪ ሰነዳትኩምን ምሳኹም ሒዝኩም ምጹ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ተኣሲረ ኣለኹ፣ ኣብ UNHCR ድማ ክምዝገብ ደልየ ኣለኹ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

UNHCR ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ናይ ምዝገባ ንጥፈታት ኣየካይድን እዩ። ይኹን እምበር፡ UNHCR ንኽትፍታሕ ክጣበቕ እዩ፡ ምስ ተፈታሕካ  ድማ ናይ ምዝገባ ቆጸራ ክወሃበካ እዩ።


<< ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ