ብዛዕባ UNHCR ሊብያ

ዕዮ ወይ ስራሕ UNHCR ኣብ ሊብያ እንታይ’ዩ?

ቤት-ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ መዚ ን’ስደተኛታት (UNHCR)፣ ንስደተኛታት ዓለምለኻዊ ድሕነት ንምሃብን ፍታሕ ንምድላይን  ኣብ ናይ 1951 ዋዕላ ስደተኛታት ዝተመዘዘ ወኪል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት’ዩ። UNHCR ነዚ ዝስዕብ ንምርግጋጽ ይሰርሕ። ኩሉ ሰብ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ናይ ምሕታትን ጽላል ናይ ምርካብን መሰል ከም ዘለዎ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ዝተወሰነ እዋን ናብ ቤቱ ክምለስ ምርጫ ከም ዘለዎ፣ ኣብ ዘለዎ ዓዲ ተወሃሂዱ ክነብር ወይ’ውን ናብ ሳልሳይ ሃገር ንክሰጋገር መሰል ኣለዎ።። ኣብ ግዜ ምፍንቓል፣ ሕጋውን ኣካላውን ጽላል ንምቕራብ ከምኡ’ውን ስግኣት በደላት፣ ከም ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምቕናስ ይሰርሕ። ብተወሳኺ UNHCR ኣብ ህጹጽ እዋን ዋሕዚ ዝደተኛታት ብቕጽበት መሰረታዊ መጽለሊን፡ መግቢን፡ ማይን ሕክምናዊ ክንክንን ንምሃብ ይጽዕር።

ኣብ ሊብያ፣ UNHCR መነባብሮ ናይ ዝተፈናቐሉን ኲናት ዝጸለዎም ሊብያውያን ንምምሕያሽ ንመንግስቲ ሊብያ ይተሓጋገዝ። ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ድማ ተነቀፍቲ ሓተቲ-ዑቕባን ስደተኛታትን ንምሕጋዝ ይሰርሕ።

ንመን ኢና ንሕግዝ?

  • ሓተቲ-ዑቕባ ሓታቲ ዑቕባ ዝበሃል፣ ኣህጉራዊ ጽላል ዝሓትት ዘሎ፡ ሕቶኡ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምጽራይ ዝርከብ ውልቀ-ሰብ እዩ። ኣብ ሊብያ፣ብ’UNHCR ዝዳሎ ናይ ሓታቲ ዑቕባ ምስክር ወረቐት ይወሃቦ።
  • ስደተኛታት ስደተኛ ዝበሃል ብሰንኪ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ መንነት፣ ኣባል ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጉጅለ ስለ ዝኾነ  ወይ’ውን ፖለቲካዊ ኣጠማምታ፣ ርጉጽ ዝኾነ ስግኣት ናይ ግፍዒ ወይ ሃድን ሃልይዎ ናብ መበቆል ዓዱ ክምለስ ዘይደሊ ወይ ዘይክእል ምስ ዝኸውን’ዩ። ኣብ ሊብያ፣ ብ’UNHCR ዝዳሎ ናይ ዑቑብ-ስደተኛ ምስክር ወረቐት ይወሃቦ።
  • ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት ውሽጣዊ ተመዛባሊ (IDP) ካብ ገዝኡ ዝሃደመ ሰብ’ዩ፡ እንተኾነ ግን ዘይከም ስደተኛ፡ ኣብ ውሽጢ ዶባት ሃገሩ ዝጸንሐ ሰብ’ዩ። ኣብ ሊብያ ካብ ገለ ኣገልግሎታት UNHCRን መሻርኽቱን እውን ተጠቀምቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሊብያ ን’UNHCR ብኸመይ ንረኽቦ?

ኣብ ሊብያ፣ ቤት-ጽሕፈት UNHCR ኣብ ትራብሎስ ይርከብ፥

ሰራጅ መመዝገቢ ማእከል

መገዲ ሳሕል ኣልጃፍራ፣ ጎድኒ እልማሽተል ጁራፊዮሪ፣ ከባቢ ሰራጅ ፣ ትራብሎስ

ናብ ቤት-ጽሕፈት UNHCR ብኣካል ቅድሚ ምኻድኩም፣ ደዊልኩም ቆጸራ ክተሓዘልኩም ሕተቱ። ን’UNHCR ብቴልለፎን ብምድዋል ርኸብዎም።

  • UNHCR መመዝገቢ መስመር ቴለፎን 📞 0911633466(ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ  08:30 – 04:30)

ናይ UNHCR ሊብያ ፈይስቡክ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ።


ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ብ’ነጻ ኢዩ! ጠቓሚ ሓበሬታ፥ << ናብ ሊብያ መእተዊ ገጽ ንመለስ >> ኣብ ‘ሓገዝ’ ዝብል ገጽና ካልእ ሃገር ምረጽ