ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ንምትግባር መሰል ጥዕና ኣገዳሲ እዩ። እዋናውን ግቡእን ክንክን ጥዕና ከምኡ’ውን ንጥዕና ዝውስኑ ረቛሒታት ከም ውሑስን ዝስተን ማይን ጽሬትን ምርካብ፤ እኹል ቀረብ ውሑስ መግቢ፣ ኣመጋግባን መንበሪ ኣባይትን፤ ጥዑይ ናይ ስራሕን ከባብን ኩነታት፤ ከምኡ’ውን ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ትምህርትን ሓበሬታን ምርካብ ዝሓቁፍ መሰል’ዩ። UNHCR ምስ ሰብ-መዚ ጥዕና ሊብያ ብምዃን ብጉጅለ ሰራሕተኛ ጥዕና ኣቢሉ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ጥዕና ብምውህሃድ እኹል ኣወሃህባ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ጥዕና ንምርግጋጽ፡ ከባቢያዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ከምኡ’ውን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ተሳተፍቲ ንምግባር ይሰርሕ።
መሻርኽቲ ዝኾነ ኮሚተ ኣህጉራዊ ምድሓን ህይወት (IRC) ብመንገዲ ማእከል መዓልቲ ማሕበረሰብ (CDC) ኣብ ትራብሎስ ከምኡ’ውን ብመባእታዊ ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣቢሉ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣገልግሎት ጥዕና ዘጠቓልል ብዙሕ ኣገልግሎታት ይህብ፤
ማእከል ህዝባዊ ጥዕና ኣልምጋሪፍ (ረቡዕ፣ ሓሙስ)
ዛውየትኣል-ደህማኒ መባእታዊ ማእከል ክንክን ጥዕና (ሰንበት፣ ሰኑይ፣ ሰሉስ)
መሻርኽቲ CESVI ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ስነ-ኣእምሮኣውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ኣገልግሎት ይህብ። መሻርኽቲ IRC ናይ ስነ-ኣእምሮ ምኽሪ ሓዊሱ ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ኣገልግሎት ይህብ።