UNHCR ብዘይ ፍቓድ ኣብ ማእሰርቲ ተታሒዞም ዘለዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ክፍትሑን ምስ መደምደምታታት በርሊን ዝሰማማዕ ስርዓተ ፍርዳዊ ገምጋም ብምትካልን ኣማራጺታት ማእሰርቲ ብምምዕባልን ኣብ ሊብያ ብሃውሪ ዝግበር ማእሰርቲ ደው ክብልን ይጽውዕ። ህጹጽ ሰብኣዊ ድሌታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ UNHCR ንዕላማ ምክትታል ድሕንነት፣ ምልላይ፡ ምርግጋጽ፡ ምፍታሕ ምጉስጓስን ካልእ ኣማራጺታት መዳጎኒ ምጥቃምን ንዝምልከቶም ሰባት ምብጻሕ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ህይወት ዘድሕን ሕክምናውን ሰብኣውን ሓገዝ ይህብ። UNHCR ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝገብሮ ንጥፈታት ንፖሊሲ መዳጎኒ ሊብያ ምድጋፍ ዝውክል ኣይኮነን።
ኣነ ኣብ ማእከል እስር ተዓጊደ ኣለኹ። UNHCR ንምፍታሕየ ክደግፍ ይኽእልዶ?
ኣነ ኣብ ማእከል እስር ተዓጊደ ኣለኹ፣ እና ምስ UNHCR ክምዝገብ እደሊ። እንታይ ክገብር እኽእል?
ምስ ዘመደይ ዝተኣሰረ/ት ግንኙነት ጠፊኡኒ ኣሎ። ንምርካቡ/ኣን ክትሕግዙኒ ትኽእሉዶ?
ናብ ናይ UNHCR “Tawasul” ማእከል ጥሪ ብቁጽሪ 1504 ክትደውሉ እና ዝርዝር ሓበሬታ ዘመድኩም ክትህቡ ትኽእሉ።
