ኣገዳሲ ኣዋጅ ካብ UNHCR ሊብያ

UNHCR ሊብያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝዘውር ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይፈልጥ እዩ፣ ንኣብነት፤

🔴 ዝዘዋወር ዘሎ ሓቅ ዘይኾነ መልእኽቲ ብዛዕባ ክልተ ክሩዝ መራኽብ 20 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ሃገር ንምጉዕዓዝ ናብ ትሪፖሊ ከምዝኣተዋ ዝዘዋወር መልእኽቲ፡ UNHCR ኣብ ኢድ ኣለዎ ዝብል ንዚ ናይ ሕሶት ዘረባ እዩ።
🔴 ኣብ ዋትስኣፕ ዝተዘርግሕ ናይ ምትላል መልእኽቲ ብዛዕባ ናይ ኦንላይን ምዝገባን ካብ UNHCR ናይ 1300 ዲናር ሓገዝ ከምግበር ዝባሃል ዘሎ ናይ ሕሶት መልእኽቲ እዩ።

⚠️ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ክልቲኡ ናይ ሕሶት መልእኽቲ እዩ።

UNHCR ንዝኾነ ከምዚ ዓይነት ኣካሄዳ ከምዘይኸይድ ክትፈልጡ ኡግባእ ፡ ክሩዝ መርኸብ መጺኡሎ ዝባሓል ዘሎ ሕሶት እዩ ኣይመጸን።
UNHCR ብመንገዲ ኦንላይን ሊንክ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣይህብን።


UNHCRን ምስ UNHCR ዝሰርሑ ተካላት ፤ ዝገብሩዎ ሓገዝን መፍትሔን ፍታሔ ብነፃ ዝግበር ኢዩ።

🛑 ናትኩም ውልቃዊ ሓበሬታን ዝኾነ ሰነዳት ካብ UNHCR ኢና ንዝብሉ ውልቀሰባት ኣይትስደዱ።
➡️ ኩሉ ግዜ እርጉጽ ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ናትና ገጽታት ተኸታተሉ።
✅ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ UNHCR እንተዘይሰሚዕካዮ ኣይትእመን።