እንኳዕ ደሓን መጻእኩም

UNHCR ሽወደን - ሓገዝ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን

እንቋዕ ናብ UNHCR ዘመሓድሮ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መርበብ ሓበሬታ ‘HELP (ሓገዝ)’ ብደሓን መጻእኩም። ኣብዚ ስደተኛታት፣ ዑቕባ ሓተትቲን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ከምኡ’ውን ኣባላት ስድራቤቶምን ዝሕግዙዎም ሰባትን ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብን ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣገልግሎታትን ዝምልከት ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍጋኒስታን እንተሃሊኻ ብኽብረትካ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዘሎ ሓገዝ ኣፍጋኒስታን ዝብል ተወከስ

ካብ ዩክሬን ዝመጻእካ ስደተኛ ዲኻ? UNHCR ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቲዘለኻዮ ሃገር ዝምልከት ገጽ ብጻሕ፦ ሃንጋሪ ፖላንድ ሮማንያ ስሎቫክያ ዝኾነ ካልእ ሃገር።

ኣብ ሽወደን ዘለኻ ዩክሬናዊ ስደተኛ ዲኻ? ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓበሬታ ብቋንቋታት ዩክሬንን ሩስያን እውን ይርከብ።

ኣብ ዩክሬን ብዘሎ ኩነታት ዝተተንከፈ ሰብ እንተኾይንካ ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሕብረት ኤውሮጳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ሓዊስካ፡ ጠቐምቲ መላግቦታትን ሓበሬታን ክትረክብ ኢኻ፦

➡️ ሓበሬታ ካብ ዩክሬን ንዝሃድሙ ሰባት
➡️
መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
➡️
ኣብ ሽወደን ከመይ ጌርካ ዑቕባ ትሓትት?
➡️
ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ምሕታት
➡️
ኣብ ካልእ ሃገር ዝጠፍአ ኣባል ስድራቤት ምርካብ (ምክትታል ስድራቤት)
➡️
ኣብ ሽወደን ሓገዝ ኣበይ ይርከብ
➡️
ብዛዕባ UNHCR ኣብ ሽወደን
➡️
ምስ ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ዝተኣሳሰሩ ስጉምትታት ጥዕናን ድሕንነትን
➡️
ግጉይ ተግባር ብኸመይ ንሕብር

ካብ ሽወደን ወጻኢ ዲኻ ዘለኻ? ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኣዝማድ ሓገዝ ትደሊ ዲኻ?

ብኽብረትካ ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ገጻት ሓገዝ UNHCR ተወከስ ወይ ድማ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት UNHCR ተወከስ።