ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት እዩ?

ዳግመ ሰፈራ ማለት ነቶም ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ዝተመዝገቡ ወይ ድማ ዘዕቆበኦም ሃገራት ከም ስደተኛታት ቅቡላት ዝኾኑ ብድሌቶም፡ ውሑሱን

ስርዓቱ ብዝሓለወን ኣህጉራዊ ድሕነት ብዝተኸተለ ኣገባብ ናብ ካልእ ሃገር ዝግበር መስርሕ

ምስግጋር እዩ። ዳግመ ሰፈራ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ፍታሕ እዩ። መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ዓመታት

ዝወስድ መስርሕ እኳ እንተኾነ፡ ስደተኛታት ናይ ዝቕበልኦም ሃገራት ዜግነት ዘውህብ ሓለፋ ዘለዎ

መገዲ እዩ። ዝኾነ ስደተኛ ብመስርሕ ዳግመ ሰፈራ ኣብ ካልእ ሃገር ክነብር ምስ ጀመረ ድማ፡

መሰል ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ከባብያዊ ኮም ከም

ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክሳተፍ ኣድላዪ ደገፍ ይግበረሉ።

ኣነ ንዳግመ ሰፈራ ከመልክት ይኽእል’ዶ?

ዝኾነ ሰብ ንዳግመ ሰፈራ ከመልክት ኣይክእልን እዩ። ብመሰረት መትከል ላዕለዋይ ተጸዋዒ

ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ስደተኛታት ኣብ ዝተመዝገብሉ ሃገር ወይ ሃገሮም ከለዉ

ንህይወቶም ሓደጋ፡ ድሕነት ናጽነቶምን ኣካሎምን ወይ ካልእ ኣዝዩ ሓደገኛ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል

ንዝገጠሞም ኣለልዩ መስርሕ ዳግመ ሰፈራ የካይድ፡፡ ከምዚኦም ዓይነት ሓደጋታት ኣብ ውልቀ ሰብ

ወይ ስድራ ቤት ምስ ዘጋጥሙ፡ ዝርዝራዊ መልሲ ኣብ ዝድለየሉ ይግምገም። ነዚ ንምግባር ድማ

ከባብያዊ ጭቡጥነት፡ ህላወ ሕጋውን ኣካላውን ድሕነት፡ ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ቀረብ ኣገልግሎት፡

ተኽእሎ ውሑስነት ዘለዎ ምምላስ ናብ ሃገርን መትከል ሓድነትን ግምት ብምሃብ ይካየድ።

ደቂንስትዮ፡ደቂተባዕትዮ፡ኣዋልድን ኣወዳትን ንዳግመ ሰፈራ ኣብ ግምት ክኣትዉ ይኽእሉ። ከምውን

ዝተፈላለዩ ጾታዊ ኣፈላላይ ወይ ዝተፈላለዩ ርድኢት ጾታዊ ርክብ ዘለዎም፡ ምስ ስንክልና ዝነብሩ፡

ሃገር ዘይብሎምን ኣህጉራዊ ድሕነት ከም ዘድልዮም ዝተገምገሙ የጠቓልል።ከም ዜግነት፡ ዓሌት፡

ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ሃይማኖታዊ እምነት፡ደረጃ ትምህርቲ፡ተሞክሮ ስራሕን ቋንቋን ዝኣመሰሉ

ረቛሒታት ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝግበር ምልላይ ዳግመ ሰፈራ

ምትሕሓዝ የብሉን፡፡

 

ዳግመ ሰፈራ መሰል ዝኾነ ሰብ ኣይኮነን፡፡ዳግመ ሰፈራ ዝህባ ሃገራት ውሱን ቦታ እዩ

ዘለወን፡፡ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕነትን ምጥርናፍ ስድራ ስደተኛታትን ከም

ዘድሊ ይኣምን እኳ እንተኾነ፡መብዛሕትኦም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ኣብ ዳግመ ሰፈራ ኣብ

ግምት ይኣትዉ ማለት ግን ኣይኮነን፡፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ህጹጽ

ጉዳይ ዘለዎም፡ ናብ ዳግመ ሰፈራ እትቕበል ሃገር ቀዳምነት ይህቦም፡፡ ስደተኛታት ዋላደኣ መሰል

ምርጫ ምቕባልን ምንጻግን ንዳግመ ሰፈራ እንተለዎም፡ነቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት

ሃገራት ምስ ጉዳዪም ብምትእስሳር ንዝሓተሎም ሃገር ክመርጹ ግን ኣይእሉን እዮም፡፡

ዳግመ ሰፈራ ከም ዝተወሃበኒ ብኸመይ ይፈልጥ?

ጉዳይካ/ኪ ንዳግመ ሰፈራ ግምት እንተ ተዋሂብዎ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት

ሃገራት ባዕሉ ክረኸበካ/ኪ እዩ፡፡ኣብ መስርሕ እተፈላለዩ ደረጃታት ንዳግመ ሰፈራ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ

ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምሳኻ/ኺ ርክብ ክህልዎ እዩ። ምስ’ቲ ውድብ ርክብ ኣብ

እተገብረሉ/ርሉ ቁጽሪ ሞባይልካ/ኪ ወይ ኣድራሻኻ/ኺ ናብ ካልእ ቦታ እንተቐይርካ/ኪ

ክትሕብሮም/ርዮም ኣገዳሲ እዩ።

ኩሉ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝወሃብ ኣገልግሎት እንተላይ ዳግመ

ሰፈራ ዝኸፈሎ የለን፡ ብነጻ እዩ። ምስ ዳግመ ሰፈራ ብዝተኣሳሰር ዝኾነ ኣካል ገንዘብ ክትከፍል/ፍሊ

እንተሓቲቱካ/ኪ፡ ነቲ ዘጋጠመካ/ኪ ዘይሕጋዊ ሕቶ ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት

https://www.unhcr.org/making complaint.htmlሓብር/ሪ።

 

ውልቃዊ መዝገብካ/ኪ ከም ስም፡ ሓበሬታ ታሪኽ ህይወትን ብመሰረት ፖሊሲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ

ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዘቕርቦ ምኽንያታት፡ስለምንታይ ድሕነት ደሊኻ/ኺ; ዝብልን

የጠቓልል። ብዘይ ናትካ/ኪ ስልጣን ውልቃዊ መዝገብካ/ኪ ናብ ዳግመ ሰፈራ ዝገብራ ሃገራት

ኣሕሊፉ ኣይህብን።

 

ኣብ ጉዳይ ዳግመ ሰፈራ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህብ መን እዩ?

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ዳግመ ሰፈራ ዝደልዩ፡ ነታ ዳግመ ሰፈራ

እትቕበል ሃገር ንስደተኛታት ቃለ-መሕተት ብምግባር ዘድሊ ሓበሬታ ይእክበላ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ

መወዳእታ ውሳነ ንምቕባል ወይ ምንጻግ ዳግመ ሰፈራ፡ በተን ዝቕበላ ሃገራት ’ምበር ብላዕለዋይ

ተጸዋዒ ስደተኛ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣይውሰንን፡፡ እተን ንዳግመ ሰፈራ ዝቕበላ ሃገራት ናይ ገዛእ

ርእሰን ዝርዝራዊ ረቛሕታትን ፖሊሲታትን የተግብራ እየን፡፡ እዚ ማለት ድማ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ

ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብተን ዳግመ ሰፈራ ዝቕበላ ሃገራት ዘቕርቦ ገለ-ገለ ጉዳያት

ክዓግቶ ይኽእል እዩ።

 

ጉዳይካ/ኪ ነታ ንዳግመ ሰፈራ እትቕበለካ/ኪ ሃገር ዘይቅቡል እንተኾይኑ፡ ንግዜኡ ንዳግመ ሰፈራ

ብቑዕ ኣይኮንካን/ክንዝብል ምኽሪ እንተ ተዋሂቡካ ወይ ድማ ንዳግመ ሰፈራ እትቕበለካ/ኪ ሃገር፡

ከም ስደተኛ ኣይቅበለካን/ክን; እንተ ኢላ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት

ኣብቲ ተመዝጊብካሉ/ክሉ ዘሎኻ/ኺ ሃገር፡ ኣህጉራዊ ድሕነት ከም ዘድልየካ/ኪ ግምት ብምሃብ፡ቀጻሊ ሓገዝን ድሕነትን ይህበካ/ኪ እዩ።


<< ናብ ሕቶን መልስን ፔጅ ተመለስ >> ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታና ሓንቲ ሃገር ምረጽ