ምጥርናፍ ስደተኛ ስድራ እንታይ ማለት እዩ?

ምጥርናፍ ስደተኛ ስድራ ዝበሃል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ምውህሃድ ማለት

እዩ፡፡ ምጥርናፍ ስድራ ስደተኛታት ማለት ፋሕ ዝበለት ስድራ ኮይኑ፡ እንተወሓደ ሓደ ኣባል እታ ስድራ

ብስደተኛ ዝፍለጥ ወይ ኣብ ዝነብረሉ/ ትነብረሉ ሃገር ተመላላኢ ድሕነት ዘለዎ/ዘለዋ እዩ። ስለ’ዚ

ከም’ዚ ዓይነት ስደተኛ፡ ስድርኡ/ ስድርኣ ክጥርንፍ/ክትጥርንፍ ኣብ ዘለዎ/ዘላቶ ሃገር

ከመልክት/ክተመልክት ይከኣል።

ንጥርናፈ ስድራ ቤት ኣነ ከመልክት ይኽእል ዶ?

ኣብ ዘሎኻዮ/ዘለኽዮ ሃገር ሓንሳብ ከም ስደተኛ ወይ ተመላላኢ ድሕነት እንተ ረኺብካ/ኪ፡ ከም

ቅቡል ኣባል ስድራ ንጥርናፈ ክተመልክት/ቲ ይከኣል እዩ፡፡ ብድሕሪ’ዚ ንኣባላት ስድራኻ/ኺ ናይ

ደጋፊ” ወይ “ጠበቓ”  እትብለሎም/እትብልሎም ደረጃ ይወሃበካ/ኪ፡፡

ተቐባልነት ጥርናፈ ስድራ፡ ኣብ እትቕመጠሉ/ጥሉ ሃገር ዝወሰን እዩ። ናይ መብዛሕትአን ሃገራት፡

ሃገራዊ ሕግታት ንመጻምዲ፡ ወለዲ፡ ንኣሽቱ ወይ ጽግዕተኛታት ቆልዑ ምሳኻ/ኺ ክጥርነፉ የፍቅድ

እዩ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ግን ብጀካ ንጽግዕተኛ ኣባል ስድራ፡ ንካልኦት ከመልክቱ የፍቅድ እዩ፡፡

መብዛሕትኡ ግዜ ተቐባልነት ዘለዎም ኣባላት ስድራ ድማ ብኣመልከትቲ ይጽውዑ።

 

ሕቶኦም ንቪዛ ተቐባልነት ካብ ዝረኸብሉ ግዜ ድማ፡ ክጥርነፉ ናባኻ/ኺ ክጓዓዙ ይኽእሉ።

ዘሎኻዮ/ኽዮ ሃገር ምስ በጽሑ ድማ፡ ናይ ነባርነት ፍቓድ ክረኽቡ ቅቡላት እዮም። ግን ዓይነት

ፍቓድ ነባርነት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ብመሰረት ዘሎኻዪ/ኽዮ ሃገር፡ ዝርዝራዊ ገደብ

ግዜን መስርሕን ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

ኣዮኖት ሃገራት እየን መደብ ጥርናፈ ስድራ ስደተኛታት ዘለውዎን?

መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ንስደተኛታት ዝዓቀነ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ይርከብ።። እንተኾነ

መደባት ናይ ስድራ ቤት ውሕስነት ይፈላለ እዩ። ንኣብነት ከምስደተኛ ዝነብር ግን ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብመስርሕ ዳግመ ሰፈራ ዘይተሰደደ እንተኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተመቸአ መስርሕ ይህልዎ።

ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራ ስደተኛታት፡ ተወሳኺ ሓበሬታን ዝርዝርን መመልከቲ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንጥርናፈ ስድራ ስደተኛታት ዝያዳ ሓበሬታ ከመይ ጌርካ/ኪ ተመልክት/ቲ ናብ ገጽ ጥርናፈ ስድራ

ዝገብራ ሃገራት ተወከስ። ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራ ስደተኛታት፡ ተወሳኺ ሓበሬታን ዝርዝርን መመልከቲ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?ንጥርናፈ ስድራ ስደተኛታት ዝያዳ ሓበሬታ ከመይ ጌርካ/ኪ ተመልክት/ቲ ናብ ገጽ ጥርናፈ ስድራዝገብራ ሃገራት ተወከስ። https://help.unhcr.org/


<< ናብ ሕቶን መልስን ፔጅ ተመለስ >> ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታና ሓንቲ ሃገር ምረጽ