ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ምሕታት

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ተዋሂቡካ ከምኡ ድማ ካብ ስድራኻ ዝተፈለኻ እንተኾይንካ ስድራኻ ኣብ ሽወደን ምእንቲ ክጽንበሩኻ ብፍሉይ ቅድመ ኩነት ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ብብዙሕ ቋንቋታት ዝርከብ ሓበሬታ ዝያዳ ክትፈልጥን ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከተመልክትን ትኽእል ኢኻ።

ናይ እቶት ጠለባት ኣለዉ ድዮም?

ኣብ ሽወደን ምስ ስድራኻ ክትራኸብ እንተደሊኻ ንስድራቤትካ ገንዘባዊ ደገፍ ክትገብርን ዝተወሰነ ደረጃ ዘለዎ መንበሪ ኣባይቲ ክህልወካን ዝጠልብ ረቛሒታት ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ‘maintenance requirement (ናይ ጽገና ጠለብ)’ ይበሃል።

ኣብ ሽወደን ናይ ስደተኛታት ሓለዋ ዝተውሃበካ ኮይኑ ከምኡ ድማ ምስ ስድራኻ ክትራኸብ ምስ እትደሊ ካብታ ውሳነኻ ዝረኸብካላ ዕለት ጀሚርካ ን 3 ኣዋርሕ ካብቲ ናይ ጽገና ጠለብ ነጻ ትኸውን። ዳግማይ ዝሰፈረ ስደተኛ እንተኾይንካ እውን ከምኡ ምዃኑ ኣስተውዕል።

ኣብ ሽወደን ንኡስ ሓለዋ እንተተዋሂቡካን ምስ ስድራቤትካ ክትራኸብ እንተደሊኻን እቲ ናይ ጽገና ጠለብ ይምልከተካ እዩ።

ምስ መን ክራኸብ ይኽእል?

በዓል/ቲ ቤት፣ ምዝጉብ ወይ ብሓባር ትነብር መጻምድትኻ ከምኡ’ውን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ሽወደን ምሳኻ ክነብሩ ክመጹ ይከኣል እዩ። ንዳግመ ጥርናፈ ስድራ ቤት ዘቕረብካዮ ሕቶ ተቐባልነት እንተረኺቡ ኣባላት ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ንኽመጹ ነቲ መገሻ ክተመሓድርን ክትከፍልን ኣለካ። ገለ ትካላት ወይ ፕሮጀክትታት ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፡ ከም Miles4Migrants ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Miles4Migrants ተወከስ።

ኣብ ፍሉይ ኩነታት ካልኦት ኣብ ዓድኻ ምሳኻ ዝነብሩ ዝነበሩን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሌኻ ዝምርኮሱን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ ሽወደን ምሳኻ ክነብሩ ይኽእሉ።

ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ዘቕረብክዎ ሕቶ እንተተነጺጉ ይግባይ ክብል ይኽእል ድየ?

ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ዘቕረብካዮ ሕቶ ብኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን እንተተነጺጉ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ስደተኛታት ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል ኣሎካ።

ኣስተውዕል መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ይግባይ ካብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ዝመጸካ ደብዳበ ምስ ውሳነ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት መመልከቲኻ ምስ በጽሓካ ኣብ ውሽጢ 3 ሰሙን ክቐርብ ኣለዎ። እዚ ደብዳበ እዚኣ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ክንደይ ግዜ ከም ዘለካ ክሕብረካ እዩ።

ንዝተነጽገ ውሳነ ብኸመይ ይግባይ ከም ትብል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ብእንግሊዝኛን ሽወደንኛን ዝቐርብ ኣንብብ።

ንመስርሕ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንሕጋዊ ምኽሪ ብዛዕባ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ምስ መሻርኽትና ማእከል ሕጊ ስደተኛታት ሽወደን ወይ ቀይሕ መስቀል ሽወደን ክትራኸብ ንመክር ንሳቶም ድማ ኣብ ጉዳይካ ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ክህቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሽወደን UNHCR ንሃገራዊ ሰበ-ስልጣናት ምስ ኣህጉራውን ኤውሮጳውን መዐቀኒታት ብምስምማዕ ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ይድግፍ። UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ኣገባብ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ኣይኮነን። ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን እዩ።


ተዛማዲ ሓበሬታ