ደረጃ 1 – ምዝገባ
መመልከቲ ዑቕባ ምስ ኣቕረብካ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ኣየነይቲ ሃገር ንመመልከቲ ዑቕባኻ ንምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ብመሰረት ደንቢ ዳብሊን (Dublin Regulation) ክግምግም እዩ።
ሽወደን ንመመልከቲ ዑቕባኻ ናይ ምሕላው ሓላፍነት እንተሃልይዋ ትካል ስደተኛታት ሽወደን ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ገምጋም ክቕጽሎ እዩ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ንስኻ ኣብ ሽወደን ናይ ሓለዋ መሰል ኣለካ ድዩ የብልካ ክሳብ ዝውስን እናተጸበኻ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።
መመልከቲኻ ምስ ተመዝገበ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝውሰድ ናይ ሓታቲ ዑቕባ ደረጃ ክህልወካ እዩ። LMA ዝበሃል ካርድ እውን ክትረክብ ኢኻ። እቲ ካርድ መንነት ወረቐት ዘይኮነስ ሓታቲ ዑቕባ ምዃንካን ውሳነ እናተጸበኻ ኣብ ሽወደን ክትህሉ ከም ዝፍቀደልካን ዝገልጽ ምስክር ወረቐት እዩ።
ፍቓድ ስራሕ ክህልወካ ከምዘይትግደድ ዝሕብር ምስክር ወረቐት (‘AT-UND’ ዝበሃል) እንተሃልዩካ ኣብ ሽወደን ከም ሓታቲ ዑቕባ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ሽወደን ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ዘይትረክብ እንተኾይንካን ንገዛእ ርእስኻ ክትድግፍ እንተዘይክኢልካን ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገንዘባዊ ደገፍ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ትካል ስደተኛታት ሽወደን መሕደሪ ቦታ እንተዘይብልካ መንበሪ ከዳልወልካ ይኽእል እዩ። ንስኻ እውን ብባዕልኻ መንበሪ ክትሰርዕ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትረኽቦ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሽወደን ብቛንቋታት ብእንግሊዝኛን ሽወደንን ይርከብ።
ደረጃ 2 – ቃለ መሕትት
ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ስደተኛታት ሽወደን ብውልቂ ኣብ እትገብሮ ቃለ መሕትት ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተትካሉ ምኽንያት ክትገልጽ ዕድል ክወሃበካ እዩ። ቃለ መሕትት ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ዝድግፍ ሓበሬታ ክትህብን ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ዝድግፍ ኩሉ ዘሎ ሰነዳት ከተቕርብን ዕድል ኣሎካ። እንታይ ከም ዘጋጠመካን ናብ መበቆል ሃገርካ እንተ ተመሊስካ እንታይ ከም እትፈርሕን ምሉእ ጸብጻብ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ፍሉያት ድሌታት እንተደኣ ኣለዉኻ ኮይኖም፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ እዋን ቃለ መሕትትካ ብዘይ ስግኣት ክትገልጾምን ፍሉይ ደገፍ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ። ተርጓሚ እንተድኣ ደሊኻ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ኩሉ እቲ ኣብ እዋን ምሕታት ዑቕባ እትህቦ ሓበሬታ (ኣብ እዋን ምሳኻ ዝግበር ቃለ መሕትት ዑቕባ ዝነበረ ሰነዳት፣ መዛግብቲ) ብሰበ ስልጣን ሽወደን ምስ ዓድኻ ይኹን ካልእ ሰብ ኣይክካፈልን እዩ።
ደረጃ 3 – ውሳነ
ኣብ ጉዳየይ እቲ ውሳነ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ድሕሪ እቲ ውሳነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን በቲ ዝሃብካዮ ርክብ ኣቢሉ ብዛዕባ ውጽኢት ሕቶ ዑቕባኻ ክሕብረካ እዩ።
እቲ ብወረቐት ዝወሃበካ ውሳነ ብቋንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ግን ብተርጓሚ ኣቢሉ ብዝርደኣካ ቋንቋ ኣፋዊ ሓበሬታ ክትቅበል ኢኻ።
ኣብቲ ኣሰራርሓ ዑቕባ ክህልዉ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ውጽኢታት ኣለዉ፦
- ከም ስደተኛ ተፈሊጥካ ናይ መጀመርታ ናይ 3 ዓመት ንውሓት ግዜ ዘለዎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ እዚ ድማ በብእዋኑ ን 2 ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።
- ንኡስ ሓለዋ ይወሃበካ ከምኡ ውን ናይ መጀመርታ ንውሓት ግዜ 13 ኣዋርሕ ዘለዎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ እዚ ድማ ን 2 ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።
- ብሰንኪ ብፍሉይ/ብንጹር ንዘጨንቕ ኩነታትካ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃበካ ኮይኑ ናይ መጀመርታ ንውሓት ግዜ 13 ኣዋርሕ እዩ እዚ ድማ ን 2 ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።
- ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ይንጸግ።
እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ (እተን ቀዳሞት ሰለስተ ውጽኢታት ማለት እውን፦ ናይ ስደተኛ ኩነታት፣ ንኡስ ሓለዋ ወይ ብሰንኪ ፍሉይ/ብንጹር ንዘጨንቕ ኩነታትካ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂብካ) ኣብ ሽወደን ከም ሽወደናውያን ዜጋታት ኣብ ማዕረ ባይታ ክትነብርን ክትሰርሕን መሰል ኣሎካ። ከም መርትዖ ናይ መንበሪ ፍቓድካ ካብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ ክትረክብ ኢኻ።
ሕቶ ዑቕባኻ እንተ ተነጺጉ ‘declaration of acceptance’(ኣዋጅ ተቐባልነት)’ ክትፍርም ትኽእል ኢኻ እዚ ከኣ ምስ ውሳነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን እንተ ተሰማሚዕካ ዝግበር እዩ። ምስ ውሳነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን እንተደኣ ዘይተሰማሚዕካ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።