ኣገዳሲ ኣዋጅ ብዛዕባ ምዝገባን ሓገዝን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ሱዳን

ሓገዝ ንምርካብ ኣብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክትምዝገቡ ወሳኒ እዩ።

ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝወሰዶ ውሳነ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዝገባ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ቦታታት ማባን፡ ጃምጃንግን ኣወይልን ይካየድ ኣሎ።

ካብ ሱዳን ሓደስቲ ዝመጹ ድሕሪ ደጊም ኣብ ሰፈር ጎሮምን ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ጁባን ከምዘይምዝገቡ ኣስተውዕሉ። ኣብ ክንድኡ ሓገዝ ዘድልዮም ስደተኛታት ኣብ ማባን፡ ጃምጃንግን ኣወይልን ኣብ ዝተመደበ መዓስከራት ስደተኛታትን ሰፈራታትን ኣገልግሎት ክረኽቡ እዮም።

ኩሎም ሓገዝ ዝደልዩ ውልቀሰባት ኣብቲ ኣብ ዝተመደበ ቦታታት ማባን፡ ጃምጃንግ፡ ወይ ኣወይል መስርሕ ምዝገባ ክኽተሉ ንላቦ። ከምኡ ብምግባርካ፡ ድሌታትካ ብግቡእ ከም ዝፍታሕን ኣድላዪ ደገፍ ከም እትረክብን ትረጋግጽ።

ኩሉ ብUNHCRን መሻርኽቱን ዝወሃብ ኣገልግሎታት ብነጻ እዩ።


ናብ “ደቡብ ሱዳን ሓግዙ” ተመለስ።

ከምኡ ውን ርአ (ሓበሬታ ብእንግሊዝኛ ጥራይ)፤

➡️ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕቝባ / ዑቕባ ዝሓትት ወጻእተኛ እየ (‘ሓታቲ ዑቕባ’)

➡️ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምዝጉብ ስደተኛ እየ

➡️ ኣነ ደቡብ ሱዳናዊ ኮይነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢለ (‘ውሽጢ ሃገር ተመዛቢለ’)

➡️ ኣነ ስደተኛ ደቡብ ሱዳን እየ ብሰንኪ ግጭት ካብታ ሃገር ወጺአ ናብ ደቡብ ሱዳን ተመሊሰ

➡️ ኣብ ደቡብ ሱዳን እየ ዝነብር ዘለኹ ግን ዜግነተይ ዘረጋግጽ ሰነዳት የብለይን (‘ሃገር ኣልቦ ወይ ኣብ ሓደጋ ሃገር ኣልቦነት’)