Asylum Procedure in Rwanda


ኣብ ሩዋንዳ ናይ ስደተኛነት ኣፍልጦ ብመንግስቲ ሩዋንዳ እምበር ብዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣይወሃብን እዩ። ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዘድልየኩም እንተኾይኑ ንመንግስቲ ሩዋንዳ ዑቕባ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፈለማ እዋን ምስ መንግስቲ (ኣብ ኣለም ለካዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ሓዊስካ) ኣብ እትራኸበሉ እዋን ብዛዕባ ኣብ ሩዋንዳ ዑቕባ ክትሓት ዘለኩም ዕላማ ሓዊስካ፡ ብቐጻሊ ሓቀኛ ሓበሬታ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንመንግስቲ ሩዋንዳ ኣብ ኩሉ ግዜ ብእዋኑን ሓቀኛ ሓበሬታ ዘይምሃብ ንመመልከቲኩም ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድረሉ ይኽእል እዩ ናይ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ዘይመንግስታዊ መሻርኽቲ ዝኾነ ፕሪዝን ፌሎውስሺፕ ሩዋንዳ (PFR) ኣብ ኣገባባት ዑቕባ ሕጋዊ ምኽሪ ክህብ ተመዲቡ ኣሎ። መመልከቲኹም ብኸመይ ከም እተቕርቡ ወይከዓ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ርግጸኛታት እንተዘይኮንኩም ወይ ካልእ ሕቶታት እንተሃልይኩም እቲ መሻርኽቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ሕጋዊ ሓበሬታ ክህበኩም ይኽእል እዩ። ሰሉስን ሓሙስን ካብ ንግሆ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ማእከል ማሕበረሰብ ጊኮንዶ ምጹ። ካብ ፈረንሳይኛን ኪንያርዋንዳ ወይ እንግሊዝኛ ወጻኢ ንኻልእ ቋንቋታት ትርጁማን እትደልዩ እንተድኣ ኮይንኩም ብቑጽሪ ስልኪ 0788381857 ብምድዋል ቆጸሮ ሓዙ፤ ምእታን ብዝመረጽኩሞ ቋንቋ ትርጁማን ክነዳሉ ። ኣብ ሩዋንዳ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ናብቲ ዝቐረበ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ይቐርብ። ኣብ ኪጋሊ እንተሃሊኹም 2 ቅዳሓት ናይቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ደብዳቤኹምን ንሕቶኹም ዝድግፍ ዝኾነ ኣገዳሲ ሰነድ ሒዝኩም ናብ ዋና ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽንን ስደትን (DGIE) ኣብ ካቺሩ ከተቕርቡ ይግባእ። ልከዕ ኣብ ዝመጻእኹምሉ እዋን ዑቕባ ከምዘድልየኩም እንተዘየመልኪትኩም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ናብ ቤት ጽሕፈት DGIE ክትቀርቡ ኣለኩም - እንተተኻኢሉ ድሕሪ ምምጻእኩም ኣብ ውሽጢ 1-2 መዓልታት - ዑቕባ ናይ ምሕታት ድሌትኩም ክትገልጹ ኣለኩም፤ ዋላ’ውን ቪዛኩም ዝውድኣሉ መዓልቲ ገና ይኹን። ካብ ኪጋሊ ወጻኢ እንተሃሊኹም ድማ ብዛዕባ ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት DGIE ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መራሒ ዓዲ/ኡሙዱጉዱ ክትቀርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ዑቕባ ሕቶኹም በቲ ዝመረጽኩሞ ቋንቋ ክጽሓፍን ብዛዕባ እዞም ዝሰዕቡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብን ይግባእ፤
  • መንነትኩምን ውልቃዊ ኩነታትኩምን፣ ዝኾነ ዘድልየኩም ፍሉይ ሓገዝ
  • ካብ ሃገርኩም ዝወጻእኹምሉ ምኽንያት፣
  • ስለምንታይ ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ከምዘይትኽእሉ፣
  • እንተተመሊስኩም ከ እንታይ ከጋጥመኩም ይኽእል፣
  • ንምንታይ ናብ ሩዋንዳ መጺእኹም፣
  • ሩዋንዳ ቀዳመይቲ ዑቕባ ሃገርኩም እንተዘይኮይና ካብታ ዝሓለፈት ሃገር(ታት) ዑቕባ ዝወጻእኹምሉ ምኽንያት፡ ከምኡ’ውን...
  • ካብ መንግስቲ ሩዋንዳ እንታይ ከምትደልዩ።
DGIE ነዚ ብጽሑፍ ዝቀረበ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምስተቀበለ ቃለ መሕትት ክገብረካ ይኽእል እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን DGIE ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (TRP) ይህብ እዩ። ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (TRP) ምስተውሃበ መመልከቲኹም ናብ ኮሚቴ ምውሳን ኩነታት ስደተኛታት ይመሓላለፍ፤ ብመሰረት ሕጊ ቁጽሪ 13/2014ter ንመመልከቲ ዑቕባኹም ውሳነ ዝህብ መንግስታዊ ኣካል ማለት እዩ። ስደተኛ ምዃንኩምን ዘይምኳንኩምን ዝገልጽ ናይ ውሳነ ደብዳበ ካብ RSDC ክመጸኩም እዩ። ጉዳይኩም ኣብ ዝንጸገሉ እዋን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናብ ምሕደራ ህጹጽ እዋን ሚኒስተር ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለኩም። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት እቲ ሚኒስተር እውን ነቲ ይግባይኩም እንተነጺጉዎ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ሕጋዊ መሻርኽቲ PFR’ውን ብዛዕባ መስርሕ ይግባይ ሕጋዊ ምኽሪ ክህበኩም ይኽእል እዩ። ሰር ፕለይስ ስደተኛ  ሕቶ ናብ ሩዋንዳ ንኻልእ ዕላማታት (ከም ንግዲ፡ ትምህርቲ ወዘተ) መጺእኹም ኣብ ሩዋንዳ ካብ እትኣትዉ ጀሚርኩም ግን ናብ ዓድኹም ክትምለሱ ዘየፍቅድ ለውጢ ኩነታት እንተተፈጢሩ ብቕልጡፍ ናብ DGIE ቀሪብኩም ክትሕብሩ ብትሕትና ንሓትት። እዚ እውን ኣብ ኩነታት ዝመጽአ ለውጢ ንምግላጽን ኣለም ለኻዊ ሓለዋ ከምዘድልየካ ንምግላጽን እዩ። ብዛዕባ ኩነታትካ ካብ መሻርኽቲ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ዝኾን PFR’ውን ሕጋዊ ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ (ኣብ ላዕሊ ርአ)።  ኣፍልጦ ናይ ዝረኸቡ ስደተኛታት ኩነታት ኣብ ሩዋንዳ ከም ስደተኛ ኣፍልጦ እንተረኺብኩም ናይ ስደተኛ መለለዪ መንነትኩም ክትቅበሉ ኢኹም። በዚ ናይ ስደተኛ መለለዪ መንነት ኣብ ሩዋንዳ ናይ ምስራሕ መሰል ክህልወኩም እዩ። ካብ መዓስከራት ወጻኢ ትነብሩ እንተኾይንኩም ከም ኩሉ ዜጋን ካልኦት ወጻእተኛታትን፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመርኮሰ መድሕን ጥዕና ክትረኽቡ ኢኹም። ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ንናይ ከተማ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ገንዘባዊ ሓገዝ ይኩን ስሩዕ ሓገዝ ኣይህብን እዩ። ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ምስ ተቐበሉ ናብቲ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ዝወሃበሉ መዓስከር ክኸዱ ፍቓድ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ናብ ሓደ መዓስከር ናይ ምስግጋር ሕቶ ናብ ምሕደራ ህጹጽ እዋን ሚኒስትሪ ይቐርብ።   መተሓሳሰቢ፡ ዳግመ-ምጥያስ መሰል ኣይኮነን! ኩሉ ኣብ ሩዋንዳ ስደተኛ ዘኮነ ሰብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ኣይክሰፍርን እዩ። ሩዋንዳ ብመሰረት ሕጊ ዜግነት ኣፍልጦ ንዝረኸቡ ስደተኛታት ውሽጣዊ ውህደት ትህብ እያ። በተወሳኺ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር  ንመንግስቲ ሩዋንዳ  ብመደብ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ኣቢሎም ብድሌቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም አብ ስዳድ ሓገዝ ይገብር። ኩሉ ኣገልግሎት ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ካብ ዝኾነ ክፍሊት ነጻ እዩ፣ ዳግመ-ምጥያስ ሓዊሱ። ናይ ዳግመ ምጥያስ ዕድል ንክትረክቡ ገንዘብ ዝሓተኩም እንተሃልዩ ገበን ምትላል ይፍጽም ስለዘሎ ናብ [email protected] ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣገልግሎት ሓለዋ ነፍሲ ወከፍ መዓስከር ናይ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ቤት ጽሕፈት ስለዘለዎ፣ ዝኾነ ናይ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ሓገዝ ዘድልዮ ጸገም እንተሃሊኩም ቀሪብኩም ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንናይ ከተማ ስደተኛታት ድማ ናይ ሓለዋ ጣብያና ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ጊኮንዶ ዝርከብ ኮይኑ፣ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ንጉሆ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ክፉት እዩ።