ኣብ ሩዋንዳ ናይ ስደተኛነት ኣፍልጦ ብመንግስቲ ሩዋንዳ እምበር ብዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣይወሃብን እዩ።
ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዘድልየኩም እንተኾይኑ ንመንግስቲ ሩዋንዳ ዑቕባ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፈለማ እዋን ምስ መንግስቲ (ኣብ ኣለም ለካዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ሓዊስካ) ኣብ እትራኸበሉ እዋን ብዛዕባ ኣብ ሩዋንዳ ዑቕባ ክትሓትቱ ዘለኩም ዕላማ ሓዊስካ፡ ብቐጻሊ ሓቀኛ ሓበሬታ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንመንግስቲ ሩዋንዳ ኣብ ኩሉ ግዜን ብእዋኑን ሓቀኛ ሓበሬታ ዘይምሃብ ንመመልከቲኩም ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድረሉ ይኽእል እዩ።
ናይ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ዘይመንግስታዊ መሻርኽቲ ዝኾነ ፕሪዝን ፌሎውስሺፕ ሩዋንዳ (PFR) ኣብ ኣገባባት ዑቕባ ሕጋዊ ምኽሪ ክህብ ተመዲቡ ኣሎ። መመልከቲኹም ብኸመይ ከም እተቕርቡ ወይከዓ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ርግጸኛታት እንተዘይኮንኩም ወይ ካልእ ሕቶታት እንተሃልይኩም እቲ መሻርኽቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ሕጋዊ ሓበሬታ ክህበኩም ይኽእል እዩ። ሰሉስን ሓሙስን ካብ ንግሆ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ማእከል ማሕበረሰብ ጊኮንዶ ምጹ። ካብ ፈረንሳይኛን ኪንያርዋንዳ ወይ እንግሊዝኛ ወጻኢ ንኻልእ ቋንቋታት ትርጁማን እትደልዩ እንተድኣ ኮይንኩም ብቑጽሪ ስልኪ 0788381857 ብምድዋል ቆጸሮ ሓዙ፤ ምእታን ብዝመረጽኩሞ ቋንቋ ትርጁማን ክነዳሉ ።
ኣብ ሩዋንዳ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ናብቲ ዝቐረበ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ይቐርብ። ኣብ ኪጋሊ እንተሃሊኹም 2 ቅዳሓት ናይቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ደብዳቤኹምን ንሕቶኹም ዝድግፍ ዝኾነ ኣገዳሲ ሰነድ ሒዝኩም ናብ ዋና ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽንን ስደትን (DGIE) ኣብ ካቺሩ ከተቕርቡ ይግባእ። ልከዕ ኣብ ዝመጻእኹምሉ እዋን ዑቕባ ከምዘድልየኩም እንተዘየመልኪትኩም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ናብ ቤት ጽሕፈት DGIE ክትቀርቡ ኣለኩም - እንተተኻኢሉ ድሕሪ ምምጻእኩም ኣብ ውሽጢ 1-2 መዓልታት - ዑቕባ ናይ ምሕታት ድሌትኩም ክትገልጹ ኣለኩም፤ ዋላ’ውን ቪዛኩም ዝውድኣሉ መዓልቲ ገና ይኹን። ካብ ኪጋሊ ወጻኢ እንተሃሊኹም ድማ ብዛዕባ ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት DGIE ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መራሒ ዓዲ/ኡሙዱጉዱ ክትቀርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ዑቕባ ሕቶኹም በቲ ዝመረጽኩሞ ቋንቋ ክጽሓፍን ብዛዕባ እዞም ዝሰዕቡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብን ይግባእ፤
- መንነትኩምን ውልቃዊ ኩነታትኩምን፣ ዝኾነ ዘድልየኩም ፍሉይ ሓገዝ
- ካብ ሃገርኩም ዝወጻእኹምሉ ምኽንያት፣
- ስለምንታይ ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ከምዘይትኽእሉ፣
- እንተተመሊስኩም ከ እንታይ ከጋጥመኩም ይኽእል፣
- ንምንታይ ናብ ሩዋንዳ መጺእኹም፣
- ሩዋንዳ ቀዳመይቲ ዑቕባ ሃገርኩም እንተዘይኮይና ካብታ ዝሓለፈት ሃገር(ታት) ዑቕባ ዝወጻእኹምሉ ምኽንያት፡ ከምኡ’ውን...
- ካብ መንግስቲ ሩዋንዳ እንታይ ከምትደልዩ።