ህጹጽ ኣገልግሎት ንፖሊስ ሽወደን፣ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕንን ክፍልታት መጥፋእቲ ሓዊን ከምኡ’ውን ንሕዱር ሓደጋ ነብሰ ቅትለት ዘለዎም ጉዳያት፡ እቲ ልሙድ ናይ ህጹጽ እዋን ቁጽሪ ?112 እዩ። ንህጹጽ ጻውዒት ቴለፎን ናብ ?112 ደውል። ኣብ ህጹጽ ጉዳያት ንፖሊስ ንምድዋል ?112 ደውል። ካብ ፖሊስ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምርካብ ?114 14 ደውል። ናብ ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና ንምድዋል ?112 ደውል። ሓፈሻዊ ሕክምናዊ ምኽሪ ንምርካብ ናብ ?1177 ብምድዋል ን Vårdguiden ተወከስ። T ናብ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ንምድዋል ?112 ደውል።