ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ኣብ ሽወደን ስደተኛ እንተኾይንካ ብኽብረትካ እቲ ብ ቋንቋታት ሽወደንኛ፣ ዩክሬንኛን ራሽያኛን ዝተዳለወ ግብራዊ ሓበሬታ ዝሓዘ ወግዓዊ ናይ ሓበሬታ ፖርታል ሰበ ስልጣን ሽወደን ተወከስ።
ካብ ዩክሬን ዝመጹ ሰባት ኣብ ሽወደን ግዝያዊ ሓለዋ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ ድማ፣ ንተድኣ ብዕለት 24 ለካቲት 2022 ወይ ድሕሪኡ ካብ ዩክሬን ሃዲምካን ነዞም ዝስዕቡ ኩነታት ተማልእ እንተኾይንካን፣ ኣብ ሽወደን ግዝያዊ ሓለዋ ክትረክብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ እንተደኣ
- ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ዩክሬን ዝነብር ዝነበረ ዜጋ ዩክሬን ኮይንካ፣
- ኣብ ዩክሬን ዝርከብ ወጻእተኛ ወይ ሃገር ዘይብሉ ሰብ ስደተኛ ወይ ካልእ ኣህጉራዊ ሓለዋ ደረጃ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዩክሬን ዝነበሮ ኮይንካ፣ ወይ
- ዝኾነ ኣባል ስድራቤት ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓደ ዝኾነ ሰብ ኮይንካ።
ብመሰረት ሕጊ ሽወደን እዞም ዝስዕቡ ሰባት ከም “ኣባል ስድራቤት” ይቑጸሩ፦
- በዓል/ቲ ቤት ወይ መጻምድቲ፡
- ትሕቲ ዕድመ ዘይተመርዓወ ቆልዓ
- ካልኦት ኣብ ሓደ ገዛ ዝነብሩን ጽግዕተኛ ናይቲ ዩክሬናዊ ዜጋ ዝነበሩን ወይ ናይቲ ኣብ ዩክሬን ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ካልእ ኣህጉራዊ ናይ ሓለዋ ደረጃ ዝነበሮ ወጻእተኛ ወይ ሃገር ዘይብሉ ሰብ ናይ ቀረባ ኣዝማድ።
ካብ 30 ጥቅምቲ 2021 ክሳብ 23 ለካቲት 2022 ናብ ሽወደን ዝኣተኻ እንተኾይንካን ድሕሪ ምእታው ኣብ ሽወደን ምጽናሕካ እንተቐጺልካን ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት እንተድኣ ኣማሊእካን፣ ግዝያዊ ሓለዋ ክትረክብ ብቑዕ ትኸውን።
ኣብ ሽወደን ግዝያዊ ሓለዋ ብኸመይን ኣበይን ከም እተመልክት ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ ብቋንቋታት ዩክሬን፣ እንግሊዝ፣ ሩስያን ሽወደንን ዝርከብ መርበብ ሓበሬታ ተወከስ።
ማእከል ሕጊ ስደተኛታት ሽወደን (Asylrättcentrum) ካብ ዩክሬን ሃዲሞም ኣብ ሽወደን ሓለዋ ንዝደልዩ ሰባት ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ ሓበሬታ ኣለዎ (ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ ገጽ ‘Select language (ቋንቋ ምረጹ)’ ዝብል ብምጥዋቕ ቋንቋ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ)።
ንናይ ግዝያዊ ሓለዋ ብቑዓት ዘይኮኑ ሰባት
ንግዝያዊ ሓለዋ ብቑዕ እንተዘይኮይንካ ዋላ’ውን ናይ ቪዛ ምሕረት ወይ ቪዛኻ ግዜ እንተሓሊፉ ብኻልእ ምኽንያት ዑቕባ ክትሓትት ወይ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ ብኸመይ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትኽእል ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ቡልጋርያ፣ ሃንጋሪ፣ ኢጣልያ፣ ሞልዶቫ፣ ፖላንድ፣ ሮማንያ፣ ስሎቫክያ እንተሃሊኻ ብኽብረትካ ኣብ Digital Blue Dot ብዛዕባ መሰላትን ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ሓገዝ ኣበይ ከም እትረክብን ዝምልከት ሓበሬታ ርኸብ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋታት ዩክሬንን ሩስያን እውን ክርከብ ይኽእል እዩ።