ኣብ ሽወደን ዑቕባ ቅድሚ ምሕታትካ፣ ኣብ ግዝኣት ሽወደን ወይ ኣብ መእተዊ ወደብ (መዓርፎ ነፈርቲ፣ ናይ መሬት ዶብ መሳገሪ መፈተሺ ነቑጣ ወይ ወደብ ባሕሪ) ክትህሉ ከም ዘለካ ኣስተውዕል።
ብሰንኪ ዓመጽ፣ ስደት፣ ኲናት ናብ ዓድኻ ወይ ናብ’ታ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካላ ሃገር ክትምለስ እንተፈሪሕካ ወይ ኣብታ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ክበጽሓካ ዝግብር ሓደጋ ውሽጢ እንተደኣ ኣለኻ ኮይንካ፣ ኣብ ሽወደን ሓለዋ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ዑቕባ ምሕታት እዩ።
ኩሎም ንኣገባብ ዑቕባ ዝምልከቱ ጉዳያት ብሰበ ስልጣን ሽወደን ብመሰረት ሃገራዊ ሕግታትን ስርዓታትን ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ጉዳያት ዑቕባ ዝነጥፉ ዝሰልጠኑን ብቑዓትን ሃገራዊ ሰበ ስልጣናት ዝመሓደሩ እዮም።
UNHCR ኣብ መስርሕ ሕቶታት ዑቕባ ኣብ ፊንላንድ ኣይሳተፍን እዩ።