ብዛዕባ UNHCR ኣብ ሽወደን

ኩሎም እቶም ብ UNHCR ከምኡ ውን ብመሻርኽትና ዝወሃቡ ሓበሬታታትን ኣገልግሎታትን ንተጠቀምቲ ግዝያዊ ሓለዋ፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ስደተኛታት፣ ተጠቀምቲ ንኡስ ሓለዋን ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ሰባትን ካብ ክፍሊት ናጻ ዝወሃቡ እዮም።

UNHCR፣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ብሰንኪ ግጭትን ስደትን ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ሓለዋ ይህብ። ህይወት ነድሕን፣ መሰላት ንሕልውን ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ንሕግዝን።

ኣብ ሽወደን UNHCR ንሃገራዊ ሰበስልጣናት ምስ ኣህጉራውን ኤውሮጳውን መዐቀኒታት ብምስምማዕ ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ይድግፍ። UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ መስርሕ ዑቕባ ኣይኮነን። ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን እዩ።

ኣብ ሽወደን ዝርከብ UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ስቶክሆልም (ሽወደን) ዝመደበሩ ውክልና ሃገራት ኖርዲክ (Nordic) ከምኡ ውን ባልቲክ( Baltic) UNHCR እዩ።

ምስ UNHCR ተዘራረብ

ኣብዚ ‘HELP’ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ትደልዮ ዝነበርካ ሓበሬታ እንተዘይረኺብካ ብተሌፎን ወይ ብኢመይል ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ፦

ቴሌፎን፦  📞 +46 10 10 12 800 (ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ብኣቆጻጽራ ስቶክሆልም ካብ ሰዓት 10.00-12.00)

ኢ-መይል፦  📧 [email protected]

እንግሊዝኛ ወይ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተኾይንካ

ጻውዒት ቴለፎን ብእንግሊዝኛ ወይ ብሽወደንኛ ጥራሕ ክንምልስ እንኽእል እኳ እንተኾንና ኩነታትካ ዝገልጽ ብእትደልዮ ቋንቋ ኢ-መይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ ንሕና ድማ መልሲ ክንህበካ ኢና። መልስና ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ብእንግሊዝኛ ክኸውን እዩ እንተኾነ ግን ንምርዳእ እንተተጸጊምካ Google Translate ክትጥቀም ንላቦ ወይ ዝያዳ ግልጺ ንክኾነልካ ዝሓትት ካልእ ኢመይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ።


ተዛማዲ ሓበሬታ