ኣብ ኣሉታዊ ውሳነ ይግባይ ክብል ይኽእል ድየ?

ጉዳይ ዑቕባኻ ብናይ ኖርወይ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን (UDI) እንተ ተነጺጉ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ ይግባይ ብቦርድ ይግባይ ኢሚግሬሽን (UNE) ክስራሕን ክውሰንን እዩ።

ኣሉታዊ ውሳነ ብኸመይ ይግባይ ክትብል ትኽእል?

  • ጠበቓ ክረኽበካ እዩ ንሱ ድማ መልሲ ናይቲ መመልከቲኻ (ምንጻግ) ክህበካ እዩ።
  • እንተደኣ ነቲውሳነ UDI ዘይተሰማሚዕካሉ ኮይንካ፣ እቲ ጠበቓ ይግባይ ክትብል ክሕግዘካ እዩ።
  • UNE ካባኻ ዝያዳ ሓበሬታ እንተድኣ ኣድልይዎ ንኣኼባ ከዘራርበካ እዩ። እዚ ድማ ናይ ቦርድ መስርሕ ፍርዲ ይበሃል። ተርጓሚ ይቐርብ እዩ።
  • UNE ኣብ ናይ ይግባይ ጉዳይካ ውሳነ ቅድሚ ምውሳዱ ነዊሕ ክትጽበ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ሕዚ እዋን UNE ኣብ ጉዳያት ዑቕባ ውሳነታት ክንደይ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ትኽክለኛ ናይ ግዜ ገደብ ክህብ ኣይኽእልን።
  • UNE ኣብ ጉዳይካ ውሳነ ምስ ወሰደ ጠበቓኻ ብዛዕባ ውሳነ UNE ንኽሕብረካ ክረኽበካ እዩ።
  • UNE ምስ UDI እንተዘይተሰማሚዑ ኣብ ኖርወይ ክትጸንሕ ይፍቀደልካ (ኣወንታዊ መልሲ)።
  • UNE ምስ UDI እንተተሰማሚዑ ካብ ኖርወይ ክትወጽእ ክትግደድ ኢኻ (ኣሉታዊ መልሲ)።
  • ኣብ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብ UNE ናይ ምንጻግ እንተመጺኡካ እዚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ስለዝኾነ ካብ ኖርወይ ክትወጽእ / ናብ ዓድኻ ክትምለስ ኣለካ ማለት እዩ።

ናብ መበቆል ሃገረይ ክምለስ ዝሕግዘኒ ሰብ ኣሎ ድዩ?

  • ብሓገዝ ምምላስ ከተመልክትን ናይ ነፋሪት ትኬትን ፋይናንሳዊ ደገፍን ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ማእከል መቐበሊ ዑቕባ ትሓድር እንተኾይንካ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ብዛዕባ ብሓገዝ ምምላስን ኣማራጺታትካን ዝያዳ ሓበሬታ ክህቡኻ ይኽእሉ።
  • ብተወሳኺ ን UDI ኣብ 📞 +47 404 36 196 ክትድውለሉ ወይ ናብ  [email protected] ኢመይል ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ።
  • UDI ንሓገዝ ምምላስ መመልከቲኻ ከሰላስሎ እዩ፡ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ድማ ትኬት ክሕዝን ንመገሻኻ ክትውጥ ክሕግዘካን እዩ። ብዛዕባ IOM ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብምእታው ወይ ብቴለፎን  📞 +47 23 10 53 20 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል። ሰራሕተኛታቶም ዝተፈላለየ ቋንቋታት ይዛረቡ።

< ናብ: ኖርዌይ ዑቕባ ስደት ምሕታት ተመለስ

<< ናብ መእተዊ ገጽ ኖርወይ HELP ተመለስ
>> ኣብ ናይ ሓገዝ መበገሲ ገጽና ካልእ ሃገር ምረጹ