ምጥርናፍ ስድራቤት

ኣብ ጀርመን መንበሪ ፈቃድ ምስወሰድኩም: ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት መስርሕ ክትጅምርዎ ከምዘለኩም ኣይትረስዑ። በቲ ዝተባህለ ዕለት ማመልከቻ ምስ ዘይትእትዉ፤ ብዙሕ ኣገድስቲ ዝኾኑ ረብሓታት ክሓልፉኹም ይኽእሉዮ’ም። ብተወሳኺ ኣብመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ውልቀሰባት ምኽርን ደገፍን ኪሓትቱ ኣገዳሲ’ዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ።

ዑቅባ ስድራቤት ካብቶም ኣገደስቲ መሰል ደቂሰባት’ዩ። ምስ ስድራቤትኩም ድሕሪ ካብ ሃገርኩም ምህዳምኩም ተጋጢሙ፤ ናብ ጀርመን ምስ ኣተኹም ምስድራኹም ንኽትጥርነፉ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እንተኾነ ግና ፉሉይ ረቓሒታት ክተማልኡ ይግባእ።


ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል? ⬇

ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብዞም ዝስዕቡ ትካላት ምኽሪን ኣገልግሎታትን ብናጻ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

መራኸቢ ሓበሬታ ዑቅባ

  • መራኸቢ ሓበሬታ ዑቅባ: መራኸቢ  ድሕንነት ውድባትን ከምኡውን መሻርኽቲ UNHCR ኣብ ጀርመን’ዩ ። ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሓበሬታት ብዛዕባ ዝስዕቡ ኣርእስቲታት ይህብ።
    • መስርሕ ሓተቲ ዑቅባ:
    • መንበሪ ስደተኛታት ከምኡውን ማሕበራዊ መሰላት:
    • ናብ ትምህርትን ስራሕን ምእታው
    • ምጥርናፍ ስድራቤ
    • ምምላስ
    • ስነ-ማሕበራዊ ደገፍን ሕክምናን
  • እዘን ትካላትውን ፍሉይ ምኽሪ ይህባ እየን። ብዛዕባ እቲ ምኽሪ ዚወከሉ ማእከል ዚገልጽ ኣድራሻታትን ብዛዕባ ሓበሬታ ዑቅባን መርበብ ሓበሬታ: ኣብ ቀረባኻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ከም ናይ ከተማ/ጶስጣ ኮድ ቋንቋ/ወይ ኣርእስቲ እንዳመረጽኩም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣገልግሎት ብናጻ እዩ ዚቐርብ ። https://adressen.asyl.net/language/en/welcome-to-informationnetwork-asylum-and-migration/

ምክትታል ኣገልግሎት ቀይሕ መስቀል ጀርመን

 

ምክትታል ኣገልግሎት ቀይሕ መስቀል ጀርመን ብዛዕባ ሓድነት ምጥርናፍ ስድራቤት ምኽሪ ይህብ’ዩ ።

ቤት ጽሕፈት UNHCR ኣብ ጀርመን ዝርከብ: ውልቃዊ ኣግልግሎት ምኽሪ ከምዘይህብ ክንሕብረኩም ንፈትው።

ስድራኹም ኣበይ ከምዘለዉ ዘይትፈልጡ እተኮይንኩም ወይ ድማ ክትረኸብዎም ምስ ዘይትኽእሉ፤ምክትታል ኣገልግሎት ቀይሕ መስቀል ጀርመን (DRK) ርኸብዎም። https://www.drk-suchdienst.de/en/how-we-help/tracing/ 

ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን ሊብያ ወይ ግብጺ ትነብር ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቅባ ኮይንካ ምስ ስድራኻ ክትጥርነፍ ምስትደልይ፤ኣብዝን ተጠቂሰን ዘለዋ ሃገራት ኣባላት ቤት ጽሕፈት UNHCR  ሕተቱዎም። ብፍላይ ምስ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝሰርሑ ኣባላት ሕተቱ። ዝርዝር ኣድራሻታቶምውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምዝንታው ሓቀኛ ታሪኽ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።


ምጥርናፍ ስድራቤት ከመልክቱ ዝግቦኦም መንእዮም? ⬇

➡ ኣብ ጀርመን ስደተኛ እንተኾንካ (ድሕሪ ዑቅባ ምሕታትን ውይ ብመድብ ዳግማዊ ሰፈራ ናብ ጀርመን ምስትኣትው)፤ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ናብ ጀርመን ክመጹ ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ: ማለት ነዚኦም ዝስዕቡ የጠቓልሉ።

  • ባዓል ቤትካ /ኪ (ንተመሳሳሊ ጾታውን ይምልከት) – እንተኾነ ግና ንምርዑዋት ቆልዑ (ትሕቲ 18 ዓመትን)፤ ልዕሊ ሓደ ሰብ መጻምድቲ ዘለዎም ሰባት እዚ መሰል ኣይምልከቶምን እዩ።
  • ቆልዑ: ዘይተመርዓዉ ቆልዑ (ትሕቲ 18 ዓመት), ምስቲ ቆልዓ ናይ ደም ምትእስሳር ምስ ዘይህልው፤ ነቲ ቘልዓ ብሕጋዊ መገዲ ኸም ዘዕበኻዮ ኸተርኢ ኣሎካ።ብተወሳኽውን እቲ ሕጋዊ መስርሕ ንምጥርናፍ ስድራቤት ክጥዕመካ ኢልካ ዝገበርካዮ ከምዘይኮነ ክተርእይ ይግባእ።
  • ወለዲ፦ ቈልዓ እንተ ዄንካ (ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ) ጥራይ ።
  • ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዓበይቲ ውሉዳት ወይ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጥራይ እዮም ምሳኻ ክጥርነፉ  ዚፍቀደሎም ።ኣብነት ንምጥቃስ ብሰንኪ ስንክልና ወይ ከቢድ ሕማም ተውክልቲ ኽግበረሎም ኸለው ከምኡውን ካልእ ሰብ ኣብ ካልእ ሃገር ክድግፎም ኣብ ዘይክእለሉ ኣጋጣሚታት ።

➡ ኣብ ጀርመን ብሰብሲዲያሪ ፕሮቴክሽን ዕቝባ ኸም ዜድልየካ እንተ ተፈሊጡ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ መምርሒታት ምስ ስድራ ቤትካ ክትጥርነፍ ትኽእል ኢኻ። ብመሰረት እዚኦም ሕግታት፡

  • ንመጻምድትኻን ዘይተመርዓዉ ውሉዳትን (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም) ከምኡውን ወለድኻ (ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ) ክተመልክተሎም ትኽእል ኢኻ።
  • ኣባላት ስድራ ቤትካ ነቲ “’ሰብኣዊ ጕዳይዕ” “humanitarian case category” ዝበሃል ምድብ ብቑዓት ክዀኑ ኣለዎም። እዚ ማለት ድማ ፡
    • ንነዊሕ እዋን ተፈሊኻ ኔርካ ማለትዩ፣ ወይ
    • ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ቈልዓ ክኸውን ከሎ(ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ) ;ወይ
    • ህይወት ወይ ናጽነት ካብ ጀርመን ወጻኢ ዘለዉ ኣባላት ስድራ ቤትኩም ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከሎ ; ወይ
    • ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ኸቢድ ሕማም ስንክልና ወይ ስእነት ወይ ነባሪ ኽንክን ከድልዮ ከሎ።
  • ሰበ-ስልጣን ጀርመን ስድራ ቤትካ ምስ ማሕበረሰብ ጀርመን ብቐሊሉ ኽተሓዋወሱ ከም ዝኽእሉውን ኣብ ግምት ክእትው ይኽእል’ዩ።

ወርሓዊ ነቶም ብካልኣይ ደረጃ ዕቝባ ዝወሰዱ ኣባላት ስድራቤት ጀርመን ልዕሊ 1000 ቪዛ ይወሃቦም ።

➡ ብናይ ግብረ ፡ ሰናይ ፕሮግራም ገይርካ ናብ ጀርመን እንተድኣ ኣቲኻ ስድራቤትካ ምሳኻ ክጽንበሩ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ ። ፍሉይ ናይ ግብረ ፡ ሰናይ ምኽንያታት እንተድኣ ረኺቦም ጥራይ ኢዮም ምሳኻ ክጽንበሩ ዝኽእሉ። ሰበ-ስልጣን ጀርመን ንዅነታት ስድራ ቤትካን ፍሉይ ጸገማት የጋጥሞም እንተ ኣልዩን ኣብ ግምት ኬእትዉ እዮም።

➡ ኣብ ጀርመን ዕቝባ እንተሓቲትካ ንኽትጸንሕ ፥ ሕጋዊ ፍቓድ ክሳዕ ዚወሃበካ ምስ ስድራ ቤትካ ንኽትጽንበር ማመልከቻ ክተእትው ወይ ክተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ: ቅድሚ ንምጥርናፍ ስድራቤት መስርሕ ብቑዕ ንኽትከውን ስድራቤትካ ቅድሚ ናብጀርመን ምእታውካ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ (ኣብ ገሊኡ ፍልይ ዝበለ ዅነታት እንተ ዘይኰይኑ)።

ኣገዳሲ ሓበሬታ: ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ እንተ ሃልዮም ኣብ ጀርመን ምስ ስድራቤትካ ንኽትጥርነፍ: ህጋዊ ወረቀት ክሳዕ ዚወሃበካ ኽትጽበ የብልካን ። ብመሰረት ሕጊ ዳብልን ምስ ስድራ ቤትካ እንደገና ንኽትራኸብ ኣመልከት: መታን ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ብሓንሳብ ክሳለጥ።


ምስ ስድራ ቤትካ ንኽትጥርነፍ ብኸመይ ክተመልክት ትኽእል? ⬇

ኣብ ጀርመን ስደተኛ ኸም ዝዀንካ ብወግዒ ተፈላጥነት እንተ ረኺብካ ወይ ከኣ ብመደብ ዳግማይ ምጥያስ ናብ ጀርመን እንተ ኣቲኻ ፡

  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚነብሩ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣብቲ ኣብ ሃገርካ ዚርከብ ዲፕሎማስያዊ ሚስዮናውነት ጀርመን ወይ ከኣ ኣብታ ዚነብሩላ ሃገር ኣብ ዚርከብ ካልእ ሓላፍነት ዚስምዖም ኤምባሲ፨ኮንስልትነት ኣመልኪቶም ክመልክቱ ኣለዎም። ኣድራሻታት ኤምባሲታት ጀርመን ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ
  • ስደተኛ ምዃንካ ብወግዒ ኻብ እትፍለጠሉ እዋን ኣትሒዝካ ፤ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ነቲ መመልከቲ ወረቐት ክትጅምሮ ኣሎካ ። ነዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ንምምላእ ነቶም ኣብ ጀርመን ሓላፍነት ዘለዎም ወጻእተኛታት “እዋኑ ምልክታ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰነድ ምምዝጋብ እኹል ኢዩ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ብዛዕባ እቶም ኣብ መቕርብካ ዘለዉ ወጻእተኛታት ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ
  •  ነዚኦም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ነገራት ብመዓልቶም ክትገብሮም እንተዘይኪኢልካ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእልዩ። ምስ ስድራ ቤትካ ምእንቲ ኽትሓብር እኹል ኣታዊ ኸም ዘሎካን መዕረፍ ከም ዘሎካን ከተረጋግጽ የድልየካ ይኸውን። ነዚ ክተርእይ እንተዘይኪኢልካ ሰበስልጣን ጀርመን ጉዳይካ ክነጽጕ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ እንተመሊክትካ እኹል ኣታዊ ወይ መንበሪ ኽትረክብ ኣየድልየካን እዩ ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት ⬇

ብዛዕባ ምልክታታት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚነብሩ ኣባላት ስድራ ቤትካ ነቲ ኣመልኪቱ ሓገዝ እንተ ደልዮም ካብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ግብጺ ኢትዮጵያ ዒራቕ ዮርዳኖስ ኬንያ ሊባኖስ ሱዳን ቱርኪ ዚርከብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ምኽሪ (IOM)ኺሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ IOM ዚገልጽ ኣድራሻታት ኣብዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ ; ብዛዕባ እቲ IOM ዚህቦ ሓገዝ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ ።


Related information