መስመራት ሓገዝ

ካልእ ዓይነት ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ብፍሉይ መስመራት ንዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ትካላት ወይ ትካላት ክተዘራርብ ትኽእል ኢኻ፡ እንተላይ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ፦

  • ህይወትካ ናይ ምሕላፍ ክቱር ሓሳባት እንተሃልዩካ ወይ ከምኡ ዝገብር ካልእ ሰብ ከም ዘሎ እንተፈሊጥካ ናብዚ ተወከስ፦
    • Mind Självmordslinjen (Mind Suicide Line) ናብ 📞 90101 (24/7 ክፉት) ብምድዋል ወይ ድማ ኣብ ናይ ኦንላይን መልእኽቲ (24/7 ክፉት) ርኸቦም፡ እዚ ብእንግሊዝኛን ሽወደንኛን ይርከብ።
    • Jourhavande medmänniska (ኣብ ጻውዒት ዝርከብ ተሳታፊ) 📞 08-702 16 80 (ነፍሲ ወከፍ ለይቲ፣ 21.00-06.00) ብምድዋል ወይ ድማ ኣብ ናይ ኢንተርነት መልእኽቶም (ሰኑይ፣ ሰሉስን ሰንበትን፣ 21.00-24.00) ርኸቦም፡ እዚ ብቋንቋ እንግሊዝን ሽወደንን ይርከብ።
  • ንሕክምናዊ ምኽርን ሓበሬታን ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ኣብ ቀረባ ዝርከብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ህጹጽ ክፍሊ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ 1177 (24/7 ክፉት) ደውል፡ እዚ ብቋንቋ እንግሊዝን ሽወደንን ይርከብ።
  • ንፍርሒ ሞት፣ ሓዘን፣ ጭንቀት ወይ ነብሰ ቅትለት ዝምልከት ናይ ስምዒታውን ድሑር ኣተሓሳስባን ክንክን ንምርካብ ናብ Jourhavande präst (ኣብ ጻውዒት ዝርከብ ካህን) ብ 📞112 (ነፍሲ ወከፍ ለይቲ፡ 21.00-06.00) ብምድዋል ተወከስ ወይ ድማ ኣብ ናይ ኢንተርነት መልእኽቶም (መዓልታዊ፡ ካብ ሰዓት 20.00-24.00) ርኸቦም፡ እዚ ብቋንቋ እንግሊዝን ሽወደንን ይርከብ።
  • ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ወይ ከምኡ ዝዕድሚኡ ካልእ ሰብ እንተፈሊጥካ ከምኡ ውን ሓገዝ ወይ ምኽሪ ዘድሊ እንተኾይኑ፡ ናብ Bris – Barnens rätt i samhället (መሰል ህጻናት) ብ 📞 116 111 (24/7 ክፉት) ምድዋል ወይ ድማ ኣብ ናይ ኦንላይን መልእኽቶም (24/7 ክፉት) ርኸቦም፡ እዚ ብቋንቋ እንግሊዝን ሽወደንን ይርከብ።

ሕቶኻ ንትሕዝቶ ናይዚ ‘HELP’ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ዝምልከት እንተኾይኑ ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ።


ተዛማዲ ሓበሬታ