ካብ ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ብኸመይ ከም ንከላኸል ዝገልጽ ሓበሬታን ሓገዝን

ሽወደን ንኩሎም ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰሩ ረቛሒታት ኣልጊሳቶም ኣላ እዚ ከኣ ንኩሎም ተጓዓዝቲ ዋላ’ውን ቅድሚ ሕጂ መርመራ ዘይተገብረሎም፣ ካብ ኮቪድ-19 ዘይሓወዩ ወይ ዘይተኸተቡ እንተኾኑ ዝምልከት እዩ።

ኩሎም ነበርቲ ሽወደን (ስደተኛታት፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ሓዊስካ) ጸረ ኮቪድ-19 ብነጻ ክኽተቡ ይኽእሉ። ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዝያዳ ንምንባብ፣ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ቦታ ክታበት ንምርኻብን ቆጸራ ክታበት ብኸመይ ክትሕዝ ከም እትኽእል ዝያዳ ንምንባብን ብኽብረትካ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብጻሕ ወይ ናብ ?1177 ደውል።

ወግዓዊ ሓበሬታ ካብ ሰበስልጣን ሽወደን ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ Informationsverige.se ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ።


ተዛማዲ ሓበሬታ