ሽወደን ንኩሎም ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰሩ ረቛሒታት ኣልጊሳቶም ኣላ እዚ ከኣ ንኩሎም ተጓዓዝቲ ዋላ’ውን ቅድሚ ሕጂ መርመራ ዘይተገብረሎም፣ ካብ ኮቪድ-19 ዘይሓወዩ ወይ ዘይተኸተቡ እንተኾኑ ዝምልከት እዩ።
ኩሎም ነበርቲ ሽወደን (ስደተኛታት፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ሓዊስካ) ጸረ ኮቪድ-19 ብነጻ ክኽተቡ ይኽእሉ። ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዝያዳ ንምንባብ፣ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ቦታ ክታበት ንምርኻብን ቆጸራ ክታበት ብኸመይ ክትሕዝ ከም እትኽእል ዝያዳ ንምንባብን ብኽብረትካ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብጻሕ ወይ ናብ 📞1177 ደውል።
ወግዓዊ ሓበሬታ ካብ ሰበስልጣን ሽወደን ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ Informationsverige.se ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ።