እንተደኣ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝደሓነ ሰብ ኮይንካ ወይ ካልእ ሰብ ከምኡ ካብ ዝመሰለ ኩነታት ዝተረፈ እዩ ኢልካጠርጢርካ፣ ንፖሊስ ሽወደን ብናይ ህጹጽ እዋን ቴለፎን (📞 112 ብምድዋል) ክትሕብር ይግባእ። ኩሉ እቲ ምስ ፖሊስ ዝካየድ ርክብ ብጥብቂ ምስጢር ዝተሓዝ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ጉዕዞኻን ኣብ ሽወደን ምስ በጻሕካን ክሕግዙኻ ክደልዩ እዮም። ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ከምቲ ዝብሎ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ገለ ሰባት ንኹነታትካ ክጥቀሙሉ ይደልዩ ይኾኑ።
ንኣብነት መንበሪ፣ መጓዓዝያ ወይ ነጻ ምግቢ ከቕርቡልካ ቃል ክኣትዉልካን ነዚ ተጠቒሞም ድማ ናብ ጾታዊ ተግባራት፣ ስራሕ ወይ ካልእ ዘይትሰማምዓሉ ኣገልግሎታት ጸቕጢ ክገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ወይ ድማ ክጎድኡኻ ወይ ሰነዳትካ ወይ ካልእ ንብረትካ ክወስዱልካ ይደልዩ ይኾኑ።
ብኽብረትካ ነቲ ናይ UNHCR ሓበሬታ ብዛዕባ “ከመይ ድሕንነትካ ትሕሉ” ዝብል ቪድዮ ርኣይ፦
እቲ ቪድዮ ብቋንቋታት ዩክሬንን ሩስያን እውን ይርከብ። The video is also available in Ukrainian and Russian.
ን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ናብ ፖሊስ ምሕባር ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ብኽብረትካ ነቲኣብ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ሽወደን፡ ብቋንቋ ሽወደን ዝተዳለወ ሓበሬታ ተወከስ።