Key information on diseases
መምርሒታት ብዛዕባ ስደተኛታት ክንክን ጥዕና ኣብ
ሩዋንዳ
መባእታዊ ክንክን ጥዕና (ማእከል ጥዕና)
- ኣብ ሩዋንዳ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከምእትነብር ኣብ UNHCR (ዩኤንኤችአር)ተመዝጊብኩም እንተኾንኾንኩም፡ ሽዑንመባእታዊ ክንክን ጥዕና ክትቀርቡ መጀመርያ ናብቲ ኣብቲ መዓስከር ዝርከብ መባእታዊ ክሊኒክ ክንክን ጥዕና ክትቀርቡ ኣለኩም። መባእታዊ
- ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናዊ ግልጋሎት ብነጻ እዩ ዝህብ ። ካብ መዓስከራት ወጻኢ ኣብ ዝርከባ መባእታዊ ማእከላት ክንክን ጥዕና ወይ ኣብ ዝኾነ ናይ ብሕቲዊ ትካላት፣ ብስደተኛታት ዝተፈጸመ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና ብ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ወይ መሻርኽቲ ጥዕና ኣይሽፈንን እዩ፣ ብዘይካ ብ ፍሉይ ኩነታት ብUNHCR (ዩኤንኤችአር) ዝተወሰነ ጥራሕ እንተኮዩኑ ።
- ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ከባቢ ከተማ ከም እትነብሩ ኣብ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ዝተመዝገብኩም ስደተኛታት ወይ ኣብ ከተማ ዝርከብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ (ካብ መዓስከር ወጻኢ) ትማሃሩ ተማሃሮ እንተኾንኩም፡ ሽዑ UNHCR(ዩኤንኤችአር) ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና (CBHI) ክትምዝገቡ ክድግፈኩም እዩ። ምዝገባ CBHI ቅድሚ 1 ሓምለ በቢዓመቱ መሰረት ብምግባር ይፍጸም ።እቲ ዝተመዝገበ ሰብ ካብቲ ዕለት ጀሚሩ ክንክን ጥዕና ምርካብ ክጅምር
- ይኽእል።
ኣብ CBHI ዘይተመዝገብኩም ናይ ከተማ ስደተኛ እንተኾንኩም፡ ኣብቲ ዓመት ዉሽጢ UNHCR(ዩኤንኤችአር) ኣብ ምምዝጋብ ክሕግዘኩም እዩ በጃኹም ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ማእከል ማሕበረሰብ፣ መስመራት ሓለዋ ወይ ኢመይል ተወከሱና ናብ [email protected]። ስምኩም፣ ናይ UNHCR (ዩኤንኤችአር) መዝገብ መረጋገጺ ቁጽርኹም ከምኡ’ውን ሕጋዊ ቁጽሪ መንነት ስደተኛ ሙኳንኩም ኣፍልጡና። ሕጋዊ ናይ ስደተኛ መታወቅያ እንተዘይብልኩም በጃኹም ንUNHCR (ዩኤንኤችአር) ሓብሩ።
ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክንክን ጥዕና (ሆስፒታላት)
- ኣብ ሩዋንዳ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትነብሩ ብ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ዝተመዝገብኩም ስደተኛ እንተኾንኩም፣ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ሕክምና ክንክን ጥዕናኹም ዝህልወኩም ወጻኢታት ብUNHCR (ዩኤንኤችአር) ክሽፈነልኩም ንስኩም መጀመርታ ካብቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከብ መባእታዊ ክሊኒክ ጥዕና ሪፈራል የድልየኩም አዩ። ሪፈራል እንተዘይብልኩም፡ UNHCR(ዩኤንኤችአር) ንሕክምና ጥዕናኹም ክኸፍል አይኻልን።
- UNHCR (ዩኤንኤችአር) ምስ መሻርኽቲ ጥዕና Save the Children ( ሴቭ ዘ ችልድረን) /AHA(ኣሃ) ብምትሕብባር፡ ናብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክንክን ጥዕና ንዝግበር ሪፈራል ጥዕና ንምጽዳቕ ዝተነጸሩ ዝክተሎም ኣገባባት ኣለዉዎ ።
ንሓደ ሕሙም ሪፈረ ንምባል ወይ ንዘይመባል (ረፈር ዝተባሃለ ምምላስ) ንምግባር ዝውሰድ ውሳነ፣ንሕክምናዊ ኩነታት ናይቲ ሕሙምን ረብሓ ናይቲ ሕሙምን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብሕክምናዊ ሓኪም ወይ ብሓደ መሻርኽቲ ወሃቢ ክንክን
- ጥዕና ክጸድቕ ኣለዎ።እቲ ውሳነ በቲ ሕሙም፣ስድራቤት ወይ ዘይሕክምናዊ ሰራሕተኛታት ክጽሎ የብሉን። ዝኾነ ይኹን
ንምጽላው ዝግበር ፈተነታት ድማ ናብ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ብ [email protected] ክሕበር ኣለዎ።
- ሪፈራል ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ መንግስታዊ ሆስፒታል ከም ዝፍቀድ ኣስተውዕሉ። ናይ ብሕቲ ትካላት ጥዕና ኣጠቓቕማ ብUNHCR (ዩኤንኤችአር) ኣብ ፍሉይ ኩነታት ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
- ብዛዕባ ናብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክንክን ጥዕና ረፈር ዝሓተትኩምዎ ሕቶ መልሲ እንተዘይረኺብኩም፣ በጃኹም ናብቲ ኣብቲ መዓስከር ዝርከብ ክሊኒክ ጥዕና ዝርከብ ዋና ሓኪም ወይ ነርስ ብምኻድ ሓድሽ ሓበሬታ ንምፍላጥሕተቱ። ንዋጋታት ብገዛእ ርእስኹም ንክንክን ጥዕና ክትሽፍንዎ እንተኽኢልኩም ሽዑ ናብ ዝኾነ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ማእከል ህዝባዊ ጥዕናን ብምካድ ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐትኩም ኣቕሪብኩም አገልግሎት ምርካብ ትክእሉ ኢኹም።
ንደገፍ ሪፈራል ክንክን ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት
ኩሎም ኣብ ሩዋንዳ ኣብ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ዝተመዝገቡ ስደተኛታት፣ ሓተትቲ ዑቕባን ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ህዝብታትን ሓዊሱ ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት፣ ኣብ ከተማታት ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ኣብ ጋሾራን ንካሚራን ኣብ ዝርከቡ ህጹጽ መተሓላለፊ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ተማሃሮ ብመንገዲ ናይ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ደገፍ ናብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክንክን ጥዕና ንኽውከሱ ብቑዓት እዮም።
UNHCR (ዩኤንኤችአር) ነዞም ዝስዕቡ ንሪፈራላት ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉጅለታት ኣብ ግምት ከእቱ እዩ፡-
- ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት
- ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣረጋውያን
- ምስ ጥዕና ተዋልዶ/ጥንሲ ዝተኣሳሰሩ ኩነታት
- ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ግዳያት ስንባደን
- ብብቑዕ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝተሓበረ ህጹጽ/ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ዘለዎም ውልቀሰባት።
UNHCR (ዩኤንኤችአር) ንሪፈራል ነዞም ዝስዕቡ ጉጅለታት ኣብ ግምት ኣይኣቱን እዩ፡-
- ዜጋታት ሩዋንዳ
- ጽግዕተኛታት ናይቶም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ግን ከዓ ኣብ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ከም ስደተኛታት ወይ ሓተትቲ ዑቕባ ዘይተመዝገቡ ሰባት
- ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገን ዘቤታዊ መፍትሒታት ዘይብሎም ሰባት።
ኩነታት ንደገፍ ሪፈራል ክንክን ብቑዓት ዝኾኑ
ንዘሎ ፋይናንሳዊ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዩኤንኤችአር ነዞም ዝስዕቡ ኩነታት ሪፈራል ጥዕና ቀዳምነት ዝህብ እዩ፦
- ህጹጽ ኩነታት ሕርሲ
- ህጹጽ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ኩነታት
- ናብ ከቢድ ቀዋሚ ስንክልና ከብጽሑ ዝኽእሉ ህጹጽ ኩነታት።
ንጥዕና ሪፈራል ብቑዕነት
ብሰንኪ ሕጽረት ምወላ፡ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ነዞም ዝስዕቡ ኩነታት ዘለዎም ውልቀሰባት ካብ መዓስከራት ናብ ካልኣይ ደረጃ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ክንክን ረፈር ክገብር ኣይክእልን እዩ፡-
- ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሐ ውድቀት ኩሊት
- ጠንቂ ዝፍለጥ ወይ ዘይፍለጥ ግን ከዓ ዘይፍለጥ ወይ ዘጠራጥር ፈውሲ ዘለዎም ምብስባስ ሕማማት
- ንውድዓዊ መንሽሮታት(ካንሰር) ሓዊሱ ናይ መወዳእታ ሕማማት
- ክምለስ ዘይኽአል ስንክልና (ናይ ምስማዕ ምጉዳል፣ ዘይፍወስ ዓይነ
- ስውርነት) ሕዱር ኣካላዊ ስንክልና
- ስነ-ጽባቐ ወይ ምጽባቕ ፕላስቲክ መጥባሕቲ ዘድልዮም ኩነታት
- ኩሎም ሕሙማት ኣእምሮ ብደረጃ መዓስከር ብዝርከቡ መድሃኒታት ዝቆጻጸሩ
- ምልክታት ዘይብሉ ምውሳኽ ጸቕጢ ውሽጢ ርእሲ፣ ሱር ዝሰደዱ ሕዱር ሕማም ርእሲ
- ኣብ ማእከል ጥዕና ዝርከብ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ
- ዘይማሓላለፍ ሕማም ወይ ዉሕድ ጽልዋ ዘለዎ
- ስርዓታዊ ግዝረት(ምክንሻብ)
- ብጀካ ራኡይ ምኽንያት ናይ ስራሕ ስንክልና ፣ ሕዱር ስብራት ምስ ቅርጺ
- ምጉዳል (ምቅያር )
- ኣካላት / ኣርቲፊሻል ኣካላት መቅያር
- ክንክን ስኒ ብዘይካ ዕንፍሩር ስኒን ምንቃል ስኒን
- ምርመራ ወይ ሕክምና ንጸገማት መኻንነት
- ምርመራ ወይ ሕክምና ንጾታዊ ስምዒት ጸገማት
- ንውሽጣዊ ኣካላት ወይ ካልእ ስርዓታዊ ምልክታት ዝምልከት ስክፍታ ዘይብሉ ቃንዛ መገጥጠሚ/ጭዋዳታት ኣዕጽምቲ
ምዝሕሓል ኣእምሮን ምዕባለን (ገለ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ዘይመንግስታውያን ትካላት ንኸምዚኦም
- ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክሕዙ ዝኽእሉ ክለለዩ ይኽእሉ)ካልእ ክቡር ሕክምና ፣ ዝተራቐቐ ወይ ካብቲ ንቡር ንዜጋታት ዝረኽብዎ ንላዕሊ ዝኾነ ኩነታት። ንኣብነት መጥባሕቲ ሓንጎል፣ ኩሊት፣ ጸላም ከብዲ፣ መጥባሕቲ ልቢ ወይ ንቅለ ተከላ እዩ።
እዚ እናሃለወ UNHCR (ዩኤንኤችአር) በዚ ኩነታት ዝሳቐዩ ስደተኛታት ብነጻ ሓገዝ ክህቡ ዝኽእሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ወይ ትካላት ግብረ ሰናይ ንምልላይን ምፍታንን ይቕጽል እዩ።
ምሃብ ደገፍ ሪፈራል ክንክን ብካልኣይ ደረጃ
UNHCR (ዩኤንኤችአር) ንጥዕናዊ ሪፈራል ናብ ዞባዊ ሆስፒታላት ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ሪፈራል ንሕሙማት ስደተኛታት ክድግፍ እዩ፣ ምምሕዳር ህጹጽ ኩነታት ሕክምናዊ፣ መጥባሕታዊ፣ ሕክምና ህጻናትን ማህጸንን ዝኣመሰሉ
መስርሕ ሪፈራል ናብ ካልኣይ ደረጃ ክንክን ጥዕና ነዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክኽተል እዩ፡–መስርሕ ሪፈራል ናብ ካልኣይ ደረጃ ክንክን ጥዕና ነዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክኽተል እዩ፡-
- ምምላእ ቅጥዒ ሪፈራል፦ እቲ ናይ ሕክምና ዶክተር ወይ ኣብ መዓስከር ዝመደበሩ መባእታዊ ክሊኒክ ጥዕና ሪፈር ዝገብር በዓል ሞያ ጥዕና ነቲ ናይ ሪፈራል ቅጥዒ ሪፈራል ዝግበረሉ ሆስፒታልን ምኽንያት ሪፈራልን መግበሪኡን አመላኪቱ ይመልኦ።
- ሓበሬታ ሕሙማት፦ ሕሙማትን/ወይ ኣለይትን ብዛዕባ ምኽንያትን መዕለቢን ሪፈራል ይሕበሩ። ኣላዪ ኣብ ዘድልየሉን ዘይርከብን ኩነታት ካብ UNHCR (ዩኤንኤችአር)፣Save the Children( ሴቭ ዘ ችልድረን) ወይ ካልኦት መሻርኽቲ ጥዕና ሓገዝ ክሕተት ይኽእል።
- መሰነይታ ሰራሕተኛታት፦ እንተወሓደ ሓደ መሰነይታ ሰራሕተኛ ካብ መሻርኽቲ ጥዕና ብመሰረት ኩነታት እቲ ሕሙም ይምደብ።
- ህጹጽ ሪፈራል ብብቑዕ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣላዪን ብቐረባ ክከታተል እዩ።
መሳርሒታት ኣምቡላንስ፦ ንሪፈራልካ/ኪ ኣምቡላንስ እንተድኣ ኣድልዩካ/ኪ ሓደ ክወሃበካ/ኪ እዩ።
ኣብ ሆስፒታል እናሃለካ/ኪ
ስደተኛታት ንምክትታልን ምውህሃድን ብቕዓትን ንምርግጋጽን ኣብቲ ዞባዊ ሆስፒታል ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክዳለውሎም እዩ።
እቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ንገዛኹም ንምምላስ ዝኸውን መጓዓዝያ እውን ክዳልዉን ኣድላዪ ሰነዳት ከምዘለኩም ከረጋግፅን እዩ።
ሪፈራል እንተዘይብልካ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ኣብ ካልኣይ ደረጃ ወይ ሳልሳይ ደረጃታት (ሆስፒታላት) ንሕክምናዊ ጥዕናኻ ክኸፍል ኣይክእልን እዩ። ነቲ ዘጋጠመ ሕክምናዊ ወጻኢታት ድማ ባዓልኹም ተሓተቲ ትኾኑ።
ኣወሃህባ ሪፈራል ክንክን ደገፍ ብሳልሳይ ደረጃ
ኣብ ሩዋንዳ ብ ሳልሳይ ደረጃ ክንክን ጥዕና እዞም ዝስዕቡ ህዝባዊ ትካላት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡- ማእከል ሆስፒታሊየር- ዩኒቨርሲታየር ኪጋሊ (CHUK) ፣ሆስፒታል ኒውሮሳይካትሪክ ንደራ ከምኡ’ውን ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ርዋንዳ ወተሃደራዊ ሆስፒታልን ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ዝርከብ ማእከል ሆስፒታሊየር ዩኒቨርሲቲ ቡታረ (CHUB)ን እዩም።
መስርሕ ሪፈራል ናብ ሳልሳይ ደረጃ ክንክን ጥዕና ነዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክኽተል እዩ፡-
- ናብ ሳልሳይ ደረጃ ክንክን ጥዕና ምውካስ ዝከኣል ብኣውራጃ ሆስፒታል (ካልኣይ ደረጃ) ምስ ዝሕተት ጥራይ እዩ።
- ካብ ኣብ መዓስከር ዝመደበሮም ትካላት ጥዕና ቀጥታዊ ሪፈራል ናብ ሳልሳይ ደረጃ ክንክን ጥዕና ኣብ ፍሉያት ኩነታትን ህይወት ዘድሕን ህጹጽ ኩነታትን ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
ውሳነ ሪፈራል ስዒቡ፡-
- እቲ ሪፈር ዝገበረ ኣውራጃዊ ሆስፒታል ነቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ኣካያዲ መደብ ጥዕናን ከፍልጥ እዩ፣ ኣድላዪ ሓበሬታ ዘለዎ ናይ ሪፈራል ቅጥዒ ክህብ እዩ።
- ናይቲ ሳልሳይ ደረጃ መሳለጥያ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ቆጸራ ናይቲ ሕሙም የዳሉ፣ መንበሪን መግብን የረጋግጽ፣ ከምኡ’ውን ምስቲ ካብ መባእታ/ካልኣይ ደረጃ ሪፈር ዝገብረሉ ዶክተር ብጽሑፍ ይረዳዳእ።
ኣብ ከተማ ዝርከቡ ስደተኛታት ፍሉይ ቆላሕታታት፡-
- ኣብ ከተማታት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩለን ከተማታት ናብ ሳልሳይ ደረጃ ክውከሱ ከለዉ ንመዕረፍን መግብን ብቑዓት ኣይኮኑን።
መስርሕ ምጽዳቕ ንፍሉይ ሪፈራላት፡-
- ንምርመራታት ናብ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሳል (ቤተ-ፈተነታት፣ ሲቲ ስካን፣ ኤምኣርኣይ) ምልኣኽ ኣብ ኣድለይቲ ሕክምናዊ ኩነታት ዝተሓጽረ ኮይኑ፡- ንህይወት ዘድሕን ምትእትታዋትን ጽቡቕ ትንበያ ክህልዎ ዝኽእል ኩነታትን ቀዳምነት ይወሃቦ። ኣብ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሳል ንምሕካም ካብ UNHCR ፍቓድ ኣድላዪ እዩ።
ሪፈራል እንተዘይብልካ UNHCR (ዩኤንኤችአር) ኣብ ካልኣይ ደረጃ ወይ ሳልሳይ ደረጃ (ሆስፒታላት) ንሕክምና ጥዐናኽዑም ክኸፍል ኣይክእልን እዩ፡ ንዝገበርክምዎ ናይ ሕክምናዊ ወጻኢታት ድማ ተሓታቲ ባዓልኹም ትኾኑ።