ምልክታ

ሓላፊ ሚኒስትሪ ምሕደራ ህጹጽ እዋን (MINEMA) ምስ ሚኒስትሪ መንእሰያትን ስነጥበብን (MoYA) ብምትሕብባር፡ ንኹሎም ኣብ ሩዋንዳ ዝነብሩ ስደተኛታት መንእሰያት ቀጻሊ ናይ ንግዲ ፕሮጀክትታት ዘለዎምን ከዕብይዎም ዝደልዩን ናይ ንግዲ ውድድርን ሽልማትን ኣብ መንጎ መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ  ዝርከቡ ” ዘርእስቱ ውድድር ብህጹጽ ክምዝገቡ ይሕብር።

ናይ ብቕዓት ረቛሒታት፡

1. ስደተኛ ክኸውን ኣለዎ፡

2. ካብ 16–30 ዓመት ዝዕድሚኡ ክኸውን ኣለዎ፡

3. እቲ ቢዝነስ መኽሰብ ዝፈጥርን ትሕቲ 500,000 RWF ካፒታል ክህልዎን ኣለዎ፡

4. እቲ ኩባንያ/ማሕበር ሕብረት ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመዝገበ ክከውን ኣለዎ (ብኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ሩዋንዳ (RCA)፣ ብኣውራጃ፣ ብዘፈር፣ ወይ ብቦርድ ልምዓት ሩዋንዳ (RDB) ዝተዋህበ ሰነዳት )።

መተሓሳሰቢ፡ ሓንቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ክትሳተፍ ንኽፍቀደላ፡ እንተወሓደ 70% ኣባላታ መንእሰያት ክኾኑ ኣለዎም። ወግዓዊ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ስራሕ ፈጠርቲ ክሳተፉ ዝደልዩ ካብ መሻርኽቲ ትካል ወይ ኣካያዲ ስራሕ መዓስከር መረጋገፂ ደብዳበ ከቕርቡ ኣለዎም።

5. እቲ ቢዝነስ ብመንገዲ YouthConnekt ወይ ብኻልእ ለጋሲ ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኸበ ክኸውን የብሉን።

6. ኣብ ባንኪ ወይ ትካል ማይክሮፋይናንስ/SACCO ሕሳብ ክህልዎ ኣለዎ።

ፋይል መመልከቲ ከማልኦ ዝግባእ፡

1. ናብ ካምፕ ማናጀር ዝተላአከ ደብዳበ፡

2. መግለፂ እቲ ፕሮጀክት፡

3. ዝተመልአ መመልከቲ ቅጥዒ፡

4. ቅዳሕ ናይቲ ምዝገባ ሰነድ ካብ RCA ወይ RDB፣ ወይ ድማ  መረጋገጺ ካብ ኣካያዲ ስራሕ መዓስከር ወይ መሻርኽቲ ትካል ።

ኣበይ ከተመልክቱ ከም እትኽእሉ፡

• ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝነብሩ ስደተኛታት: ቅጥዕታት መመልከቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣካያዲ ስራሕ መዓስከር ምርካብ ይከኣል።

• ኣብ ከተማታት ንዝነብሩ ስደተኛታት: ቅጥዕታት መመልከቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ኣብ ኪጋሊ (ንያሩታራማ) ወይ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ኣብ ጂኮንዶ ምርካብ ይከኣል።

እቲ ዝተመልአ ናይ መመልከቲ ፋይል  ኣብ ንያሩታራማ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክቐርብ ኣለዎ ወይ ብኢመይል ናብ: [email protected] ክለኣኽ ኣለዎ።

አስተዉዕሉ: ምዝገባ ካብ 18 ​​መስከረም 2025 ዝጅምር ኮይኑ ካብ 30 መስከረም 2025 ክዕጾ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮን ኣካለ ጎደሎ ሰባት/ስንኩላንን /ንኽምልከታ/ቱ ኣትሪርና ንላቦ።

ጠቃሚ፡

• ተዓወትቲ ንግዶም ንምጥንኻር ገንዘባዊ ደገፍ ክረኽቡ እዮም።

• 120 ብሉጻት ፕሮጀክትታት ጥራሕ እዮም ዝምወሉ።

• ምዝገባ ብነፃ እዩ፤ ገንዘብ ወይ ካልእ ንብረት ኣየድልን እዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ተወከሱ፡

0788592334 / 0788297702 / 0782133440.