ኣብ ኖርወይ ከም ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ መጠን ዘለዉኒ መሰላት እንታይ እዮም?

➡️ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ኖርወይ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ

➡️ብዛዕባ ኣብ ኖርወይ ምስራሕን መሰላትካን ግቡ ኣትካንን ብዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ

መልሲ ናይ መመልከቲየይ እናተጸበኹ እንታይ ኣገልግሎታት ክረክብ ይኽእል?

  • ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙ ናብ ፖሊስ ብቴለፎን ቁጽሪ  112 ደውል። ህጹጽ ነገር እንተዘይሃልዩ ብቑጽሪ ቴለፎን 📞02800 ክትድውል ትኽእል።
  • ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ናብ  📞+47 116 117 ብምድዋል እውን ምስ’ቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
  • ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ኣለካ’ዶ? ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ዝምልከት ናይ ፌስቡክ ገጻት ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ ብሰለስተ ቋንቋታት ይርከብ፦ ብቋንቋታት ኖርወይ፣ ዩክሬንን ሩስያን።
  • ኣብ ኖርወይ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ እንተ ኣመልኪትካን ናይ ኖርወይ መለለዪ ቁጽሪ እንተተዋሂቡካን ካብ መንግስታዊ ሰበስልጣን ኖርወይ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ኤሌክትሮኒካዊ መለለዪ መንነት ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ ከም ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን፣ ፋይናንሳዊ ደገፍ፣ ትምህርቲ ምጅማርን ምምሃርን፣ ናብ ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ ምብጻሕን ካልእን። ብዛዕባ ኤሌክትሮኒካዊ መለለዪ መንነት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን ናትካ ኣብ norge.no ከመይ ጌርካ ከም ትእዝዝ ንምፍላጥን ኣብዚ ጠውቕ
  • ኣብ ኖርወይ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ መልሲ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ኣብ ማእከል መቐበሊ ዑቕባ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ቀሊልን ግዝያውን መዕረፊ ቦታ እዩ። ኣብ ማእከል መቐበሊ ዑቕባ ክትነብር ከለኻ እንታይ ክትጽበ ከም ዘለካ ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ።
  • ህጻናት ንመመልከቲ ኣባል ስድራቤቶም መልሲ እናተጸበዩ ኣብ ኖርወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰል ኣለዎም። እዚ ካብ 6 – 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝምልከት እዩ።
  • ምስ ዜጋታትን ነበርትን ኖርወይ ብማዕረ ክንክን ጥዕና ክትረክብ መሰል ኣለካ።

ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ምስተዋህበኒ መሰለይን ግዴታተይን እንታይ እዩ?

ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ምስተዋህበካ ብዛዕባ መሰላትን ግዴታታትን ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ

  • ናይ ሓባር ሓለዋ ፍቓድካ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ዓመት እዩ ዝወሃበካ።
  • ብህዝባዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣቢልካ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ
  • ኣብ ኖርወይ ክትሰርሕ መሰል ኣለካ
  • ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን / ቅድመ ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰል ኣለዎም።
  • ሰበ ስልጣን ኖርወይ መንበሪ (ሰፈራ) ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክትነብረሉ እትኽእል ቦታ ንምርካብ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ሰፈራ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።
  • ካብ 18 ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሜኻ እንተኾይንካ ኣብ ናይ ምልላይ መደብ ናይ ምጽንባር መሰል ኣሎካ።
  • እቶም ብሕግታት ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዘይተሸፈኑ ኣባላት ስድራቤትኩም በቲ ልሙድ ሕግታት ኣቢሎም ናብ ኖርወይ ንክግዕዙ ናይ ስድራ ቤት ምግዕዝ ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም።
  • ኣብ ምሉእ መስርሕ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበሬታ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተሂብካ ወይ ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንሰበስልጣን እንተዘይጠቒስካ ፍቓድካ ክስረዝ ይኽእል እዩ።
  • ናይ መገሻ ሰነድ ሒዝካ ኖርወይ ክትኣቱን ክትወጽእን መሰል ኣሎካ። እዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገራዊ ፓስፖርት ወይ ብሰበ ስልጣን ኖርወይ ዝቐረበ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክኸውን ይኽእል። ናብ ዩክሬን ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ።

< ናብ: ኖርዌይ ዑቕባ ስደት ምሕታት ተመለስ

<< ናብ መእተዊ ገጽ ኖርወይ HELP ተመለስ
>> ኣብ ናይ ሓገዝ መበገሲ ገጽና ካልእ ሃገር ምረጹ