ኣብ ጉዳየይ ጠበቓ ከምኡ ውን/ወይ ተርጓሚ የድልየኒ እዩ

➡️ተርጓሚ የድልየኒ እዩ።

ኣብ ኩሉ ደረጃታት መስርሕ ዑቕባ ብሰበ ስልጣን ኖርወይ ተርጓሚ ክቐርበልካ እዩ።

➡️ብሓገዝ ሰበ ስልጣን ኖርወይ ዝተሰየመ ሕጋዊ ሓገዝ ወይ ውክልና የድልየኒ እዩ።

ኣሉታዊ ውሳነ ይግባይ ክትብል ብጠበቓ ክትውከል መሰል ኣለካ። ቦርድ ይግባይ ኢሚግሬሽን ኖርወይ (Utlendingsnemnda – UNE) ናይ ይግባይ ጉዳያት ብ UDI ምስ ተነጽጉ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። UDI “ናይ ጠበቓ ኣሰራርዓ (lawyer scheme)” ዝበሃል ስርዓት ኣለዎ። ጠበቓ እንተድኣ ኣድልዩካ፣ (ከመይ ጌርካ ከም እተመልክቶ ግለጽ) ካብዚ ኣሰራርዓ ዝመጸ ጠበቓ ድማ ክሕግዘካ ይምደብ። እቲ ጠበቓ ብነጻ ክውክለካ እዩ ዝምደብ። ናይቶም ጠበቓታት ርክብ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦ advokatenhjelerdeg.no ከምኡ’ውን EU e-justice Portal።

➡️ሕጋዊ ሓገዝ ወይ ብኻልኦት ትካላት ኖርወይ ውክልና የድልየኒ እዩ።

ትካል ኖርወይ ንሓተቲ ዑቕባ (NOAS) ኣብ ጉዳያት ምሕታት ዑቕባ ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ እዩ።

ኩሎም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ብናይ ኖርወይ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን (UDI) ወይ ብናይ ኢሚግሬሽን ይግባይ ቦርድ (UNE) ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ ምእንታን ጉዳይ ዑቕባኦም ክምርምር ን NOAS ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም። NOAS ንጉዳይ ዑቕባኻ ክምርምሮ እንተደሊኻ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ።

ናብ NOAS ክትሰዶም ዘለካ ሰነዳት ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሊንክ ተዘርዚሮም ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ክትመልኦ ዘለካ ሰነዳት ቅጥዒ ስልጣን ውክልና (Power of Attorney Form) እዩ እዚ ከኣ እቲ NOAS ንጉዳይ ዑቕባኻን ውልቃዊ ሓበሬታኻን ክሕዝ ዘኽእሎ ቅጥዒ እዩ።

ኩሎም ሰነዳት ኣኪብካ ምስ ወዳእኻ ብፖስታ ወይ ብፋክስ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትሰዶ ትኽእል ኢኻ፦ ✉️ NOAS, Torggata 22, 0183 Oslo. ብተወሳኺ ኣብ  ውሑስ ናይ ኢ-መይል ሊንክ ክትሰዶም ትኽእል ኢኻ ኣብኡ ድማ ነቶም ሰነዳት ብኢንተርነት ክትጽዕኖም ከድልየካ እዩ።

ካልእ ሓፈሻዊ ሕቶታት ን NOAS ምስ ዝህልወካ ብተሌፎን ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፦  📞 +47 22 36 56 60፡ ወይ ብኢ-መይል፦  📧 [email protected]

ናብ ቤት ጽሕፈት NOAS ክትበጽሕ ምስ እትደልይ ኣድራሻኦም እዚ እዩ Torggata 22, 0183 Oslo (ናይ ስራሕ ሰዓታት ሶኒ፣ ሰሉስ፣ ሓሙስን ዓርብን ካብ ሰዓት 9፡30 ንግሆ – 15፡30 ድሕሪ ቀትሪ ረቡዕ፣ መስመር ህጹጽ ግዜ 12፡30 ድሕሪ ቀትሪ – 15፡30 ድሕሪ ቀትሪ)

NOAS ኣብ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ስድራቤት፣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድን ጉዳያት ዜግነትን እውን ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።

ንኻልእ ዓይነት ጉዳያት ኢሚግሬሽን ሕጋዊ ሓገዝ ምስ እትደልይ ብኽብረትካ ንJussbuss ወይ SEIF ተወከስ


< ናብ: ኖርዌይ ዑቕባ ስደት ምሕታት ተመለስ

<< ናብ መእተዊ ገጽ ኖርወይ HELP ተመለስ
>> ኣብ ናይ ሓገዝ መበገሲ ገጽና ካልእ ሃገር ምረጹ