ድሕሪ ቃለ መሕትት ዑቕባ እንታይ ውሳነ ክውሰን እዩ?

➡️ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ (ንኣብነት “እወ” እንተ ተባሂልካ)

  • ካብ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ደብዳበ ክመጸልካ እዩ። እቲ ደብዳበ ኣብ ኖርወይ ሓለዋ (ዑቕባ) ከምዝተዋህበካ ዝገልጽ እዩ።
  • ከም ስደተኛ ኣብ ኖርወይ ዘለካ መሰላትን ግቡኣትን ኣብታ ካብ UDI ዝመጸት ደብዳበ ተገሊጹ ኣሎ።
  • እቲ ፖሊስ መንበሪ ካርድኻን ናይ መገሻ ሰነድካን ንክህበካ ቆጸራ ንምሓዝ ከዘራርበካ እዩ። ናይ ውልቂ መንነት ቁጽሪ እውን ክወሃበካ እዩ።
  • እቲ ኣብ ኖርወይ ክትነብር ዘኽእለካ መንበሪ ፍቓድካ፣ ካብታ ውሳነ ዝተዋህበላ ዕለት ጀሚሩ ንሓሙሽተ ዓመት ይጸንሕ። እዚ ማለት እቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ክተሐድሶ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ኣለካ። እቲ ሓሙሽተ ዓመትቅድሚ ምዝዛሙ፣ ነዚ ብዝምልከትመዘኻኸሪ ክመጸካ እዩ።
  • ኣብ ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ከም እትነብር ዝገልጽ ሓበሬታ ክትጽበ ኢኻ።
  • ናብቲ ምምሕዳር ከተማ እትግዕዘሉ ግዜ ምስ በጽሐ ክትሕበርን ንኽትግዕዝ ሓገዝ ክትረክብን ኢኻ።
  • ኣብ ኖርወይ ክትሰርሕ መሰል ኣለካ።
  • ኣብ ኮርስታት ቋንቋን ማሕበራዊ መጽናዕትን ኖርወይ ክትሳተፍ መሰልን ግቡእን ኣለካ። ነዞም ኮርስታት መዓስ ክትጅምሮም ከም እትኽእል ክንገረካ እዩ።
  • ኣብ ኖርወይ ሕጊ ክተኽብርን ክትእዘዝን ኣለካ። ከምኡ ዘይምግባር ኣብ መንበሪ ፍቓድካ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

➡️ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ (ንኣብነት “ኣይፋል” እንተ ተባሂልካ)

  • እቲ ዝተሰየመልካ ጠበቓ ነቲ ኣሉታዊ ውሳነ ክሕብረካ እዩ።
  • ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፣ እቲ ጠበቓ ነቲ ኣንጻር ውሳነ UDI ተቕርቦ ይግባይ  ኣብምድላው ክሕግዘካ እዩ።
  • ንይግባይካ መልሲ እናተጸበኻ ን UDI ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። UDI እንተ ተሰማሚዑ ኣብ ጉዳይ ዑቕባኻ ናይ መወዳእታ ውሳነን መልስን ክሳብ እትረክብ ኣብ ኖርወይ ክትጸንሕ ኢኻ።

< ናብ: ኖርዌይ ዑቕባ ስደት ምሕታት ተመለስ

<< ናብ መእተዊ ገጽ ኖርወይ HELP ተመለስ
>> ኣብ ናይ ሓገዝ መበገሲ ገጽና ካልእ ሃገር ምረጹ