ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ምሕታት

ኣብ ኖርወይ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ናይ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ እንተ ተዋሂብዎ ከመይ ጌረ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከመልክት ይኽእል?

ካብ ዩክሬን ዝሃደመ ሰብ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት እንተኾይንካን ንግዚያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ብቑዕ እንተኾይንካን ሽዑ ዜግነትካ ብዘየገድስ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ናይ ሓደ ካብ ዩክሬን ዝሃደመ ሰብ ናይ ቀረባ ስድራቤት ኣባል ዝበሃል ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፦

  • በዓል/ቲ ቤት
  • ብሓባር ዝነብሩ
  • ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት
  • ካልኦት ኣባላት ስድራቤት፡ ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣካል ናይ ሓደ ገዛ ምስቲ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዝረክብ ሰብ ዝነበሩ (ኣብነታት ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ኣቦሓጎ/እኖሓጎ ወይ ኣሕዋት ክኾኑ ይኽእሉ)

ካብዞም ምድባት ሓደ ዘይኮንካ ግን ከኣ ኣብ ኖርወይ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከተመልክት እንተደሊኻ ሽዑ በቲ ስሩዕ ኣገባባት ኢሚግሬሽን ስድራቤት ክትሓልፍ ኣለካ

ኣብ ኖርወይ ብዛዕባ መስርሕ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ዝምልከት ቪድዮታት ንምርኣይ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሊንክታት ጠውቕ።

ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ንናይ ስድራቤት ኢሚግሬሽን/ዳግመ ጥርናፈ ጉዳያት ኣብ  መስርሕ ኣእትዩ ዘካይድ እዩ።

ኣስተውዕል! መስርሕ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ብነጻ ዝካየድ ኣይኮነን። ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኖርወይ ንዝነብር ኣባል ስድራቤት እውን ናይ እቶት ጠለብ ኣሎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኖርወይ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራይ ዑቕባ እንተ ተዋሂብዎ ከመይ ጌረ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከመልክት ይኽእል?

ኣባል ስድራቤትካ ከም ስደተኛ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ (መከላኸሊ) እንተ ተዋሂብዎ፡ ክልተ ናይ ምምልካት ናይ ግዜ ገደብ ብምምላእ ብዘይ ናይ እቶት ጠለብ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

  1. ንስኻ ከም እቲ ካብ ኖርወይ ወጻኢ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት እተመልክት ሰብ መጠን  ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኣባል ስድራቤትካ መንበሪ ፍቓድ ካብ ዝወሃበሉ እዋን ኣትሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መመልከቲኻ ኣብ መርበብ ሓበሬታ UDI ከተመዝግቦ ኣለካ። መመልከቲኻ ከተመዝግብ ከለኻ እውን ክፍሊት ክትከፍል ኣለካ።
  2. ብድሕሪኡ ኣብቲ ዘለኻዮ ሃገር ዘድልዩ ሰነዳት ንምሃብ ናበይ ክትከይድ ከምዘለካ ክትሕበር ኢኻ።እቲ ወረቓቕቲ ብኣካል ቀሪብካ ከተረክቦ ኣለካ። ኣባል ስድራቤትካ ኣብ ኖርወይ መንበሪ ፍቓድ ምስተዋህቦ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ነቲ ወረቓቕቲ ከተረክቦ ኣለካ።

ንኢሚግሬሽን ስድራቤት ወይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ንምምልካት ናብ www.udi.no/skal-soke ተወከስ

ንመስርሕ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ኣበይ ሕጋዊ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል?

ትካል ኖርወይ ንሓተቲ ዑቕባ (NOAS) ኣብ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ስድራቤት / ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ እዩ።

ኣብ ካልእ ሃገር ዝጠፍአ ኣባል ስድራቤት ንምርካብ ሓገዝ የድልየኒ (ስድራቤት ምክትታል)

ምስ ኣባላት ስድራቤትካ ርክብ እንተ ኣጥፊእካን ንምርኻብ ሓገዝ እንተደሊኻን ምስ ቀይሕ መስቀል ኖርወይ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ብኢመይል መልእኽቲ ክትሰደሎም ትኽእል ኢኻ፦

  • ብኢመይል፦ 📧 [email protected]
  • ብቴለፎን፦ 📞 +47 22 05 40 00 ደውለሎም።
  • ብኣካል፦ ናብ ቤት ጽሕፈቶም በዚ ኣድራሻ ብጻሕ፦ Hausmannsgate 7, 0186 Oslo

ኣገልግሎቶም ብነጻን ዝቐርብን ምስጢራዊን እዩ!

UNHCR ኣገልግሎት ምክትታል ስድራቤት ኣይህብን እዩ።


<< ናብ መእተዊ ገጽ ኖርወይ HELP ተመለስ
>> ኣብ ናይ ሓገዝ መበገሲ ገጽና ካልእ ሃገር ምረጹ