ኩሎም እቶም ብ UNHCR ከምኡ ውን ብመሻርኽትና ዝወሃቡ ሓበሬታታትን ኣገልግሎታትን ንተጠቀምቲ ግዝያዊ ሓለዋ፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ስደተኛታት፣ ተጠቀምቲ ንኡስ ሓለዋን ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ሰባትን ካብ ክፍሊት ናጻ ዝወሃቡ እዮም።
UNHCR ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተጠቀምቲ ግዝያዊ ሓለዋ፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ስደተኛታትን ኣብ ሓደጋ ሃገር ኣልቦነት ዝርከቡ ሰባትን መሰላት ንምሕላውን ዝሓሸ መጻኢ ክህልዎም ዘኽእል ድጋፍ ንምሃብን ይሰርሕ።
ኣብ ኖርወይ UNHCR ንሃገራዊ ሰበ ስልጣናት ምስ ኣህጉራውን ኤውሮጳውን መዐቀኒታት ብምስምማዕ ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ይድግፍ። UNHCR ኣብ ኖርወይ ሓተትቲ ዑቕባ ኣይምዝግብን እዩ። ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ፖሊስ ኖርወይ፣ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽንን ቦርድ ይግባይ ኢሚግሬሽንን እዩ።
UNHCR ኣብ ኖርወይ ብኣካል ዝኽየዶ ቤት ጽሕፈት የብሉን፡ እንተኾነ ግን ኣብ ስቶክሆልም (ሽወደን) ዝመደበሩ ናይ ሃገራት ኖርዲክ (Nordic) ከምኡ ውን ባልቲክ (Baltic) ውክልና UNHCR ንኖርወይ ሓላፍነት ይወስድ።
በዚ ዝስዕብ ረኸበና
እንተድኣ ኣብዚ ‘ HELP’ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ትደልዮ ዝነበርካ ሓበሬታ ዘይረኺብካዮ ብኽብረትካ ብተሌፎን ወይ ብኢመይል ንክትረኽበና ኣይትሰከፍ።
ቴሌፎን፦ 📞 +46 10 10 12 800 (ሰኑይ – ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 10.00-12.00 ብኣቆጻጽራ ስቶክሆልም)
ኢመይል፦ 📧 [email protected]
እንግሊዝኛ ወይ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተኾይንካ
ጻውዒት ቴለፎን ብእንግሊዝኛ ወይ ብሽወደንኛ ጥራይ ክንምልስ እንኽእል እኳ እንተኾንና ኩነታትካ ብእትደልዮ ቋንቋ ብኢመይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ ንሕና ድማ መልሲ ክንህበካ ኢና። መልስና ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ብእንግሊዝኛ ክኸውን እዩ እንተኾነ ግን ንምርዳእ እንተ ተጸጊምካ Google Translate ክትጥቀም ንላቦ ወይ ዝያዳ ግልጺ ንክኾነልካ ሕቶ ዝሓዘ ካልእ ኢመይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ።