እንኳዕ ደሓን መጻእኩም

UNHCR ኖርወይ - ሓገዝ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን

እንቋዕ ናብ UNHCR ዘመሓድሮ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መርበብ ሓበሬታ ‘HELP (ሓገዝ)’ ብደሓን መጻእኩም። ኣብዚ ስደተኛታት፣ ዑቕባ ሓተትቲን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ከምኡ’ውን ኣባላት ስድራቤቶምን ዝሕግዙዎም ሰባትን ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብን ኣብ ኖርወይ ዘሎ ኣገልግሎታትን ዝምልከት ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ነዞምዝስዕቡ ነገራት ክትረኽቡ ኢኹም፦

➡️ነቶም ካብ ዩክሬን ሃዲሞም ኣብ ኖርወይ ሓለዋ ዝደልዩ ሰባት ሓበሬታ
➡️
ካብ ዩክሬን ንዝመጹ መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ሓበሬታ
➡️
መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
➡️
ብኸመይ ዑቕባ ትሓትት
➡️
ናይ ስድራቤት ምጥርናፍ ምሕታት
➡️
ኣብ ኖርወይ ሓገዝ ኣበይ ትረክብ
➡️
ብዛዕባ UNHCR ኣብ ኖርወይ
➡️
ዘይግቡእ ተግባር ብኸመይ ንሕብር

ካብ ኖርወይ ወጻኢ ዲኻ ዘለኻ? ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኣዝማድ ሓገዝ ትደሊ ዲኻ? ብኽብረትካ ኣብ ናይ UNHCR ናይ HELP መርበብ ሓበሬታ እቲ ዝደለኻዮ ሃገር ምረጽ ወይ ድማ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገር UNHCR ተወከስ።

ካብ ዩክሬን ተሰዲድካ ኣብ ፖላንድ፣ ሃንጋሪ፣ ኢጣልያ፣ ስሎቫክያ፣ ሮማንያ ወይ ቡልጋርያ እንተሃሊኻ ብኽብረትካ ኣብ Digital Blue Dot ብዛዕባ መሰላትን ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ሓገዝ ኣበይ ከም እትረክብን ዝምልከት ሓበሬታ ርኸብ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋታት ዩክሬንን ሩስያን እውን ክርከብ ይኽእል እዩ።