ካብ ዩክሬን ሃዲሞም ኣብ ፊንላንድ ሓለዋ ንዝደልዩ ሰባት ሓበሬታ

ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ኣብ ፊንላንድ ስደተኛ እንተኾይንካ ብኽብረትካ ናብቲ ብቋንቋ ፌኒሽ፣ ሽወደንኛ፣ እንግሊዝኛ ወይ ዩክሬንኛ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ተወከስ ወይ ድማ ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ብ  📞 +358 295 790 605 ደውል።

ካብ ዩክሬን ዝመጹ ሰባት ኣብ ፊንላንድ ግዝያዊ ሓለዋ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ፊንላንድ ግዝያዊ ሓለዋ ክትረክብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ እንተድኣ፦

  • ኣብ ዩክሬን ዝነብር ዝነበረን ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ወይ ድሕሪኡ ቁሩብ ግዜ ካብታ ሃገር ክሃድም ዝተገደደ ዜጋ ዩክሬን ኮይንካ
  • ተጠቀሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ኣብ ዩክሬን ኮይንካ
  • ካብቶም ካልኦት ቀወምቲ ነበርቲ ዩክሬን ኮይኖም ግን ድማ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእሉ ሰባት ኮይንካ
  • ካብቶም ድሮ ኣብ ፊንላንድ ዝነብሩ ወይ ዝኣተዉ ዜጋታት ዩክሬን ኮይንካ
  • ካብቶም ኣብ ዩክሬን ብሕጋዊ መንገዲ (ንሓጺር ግዜ ሓዊሱ) ዝነብሩን ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይክእሉን ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ወይ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኮይንካ
  • ኣባል ስድራቤት ናይ ዝኾነ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰባት ኮይንካ

ብመሰረት ሕግታት ፊንላንድ እዞም ዝስዕቡ ሰባት ከም “ኣባላት ስድራቤት” ይቑጸሩ፦

  • በዓል/ቲ ቤት ወይ መጻምድቲ
  • ትሕቲ ዕድመ ዘይተመርዓወ ቆልዓ

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ውሳነ ድሕሪ እቲ መመልከቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን እዩ ዝውሰን። ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ ግዝያዊ ሓለዋ ዝህብ ውሳነ ክወሃበካ እዩ። እዚ ድማ ኩነታትካ ንምርግጋጽ ክትጥቀመሉ ትኽእል። ብዛዕባ እቲ ውሳነ ብፖስታ ክሕበረካ እዩ። ኣወንታዊ ውሳነ ካብ ዝረኸብካሉ ዕለት ኣትሒዝካ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት መንበሪ ካርዲኻ ብፖስታ ክትቅበል ኢኻ። እቲ ኣብ ግዝያዊ ሓለዋ ዝተመርኮዘ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክሳብ 4 መጋቢት 2023 ዓ.ም ቅቡል እዩ።

ግዝያዊ ሓለዋን ኣህጉራዊ ሓለዋን እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፣ ግዝያዊ ሓለዋ ኣበይ ከተመልክት ከም እትኽእልን ኣብ ፊንላንድ ግዝያዊ ሓለዋ ናይ ዘለዎም ሰባት መሰላት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ብኽብረትካ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ብቋንቋታት ፌኒሽ፣ ዩክሬንኛ፣ እንግሊዝኛን ሽወደንኛን ዝተዳለወ ሓበሬታተወከስ። ኣብ ላዕሊ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ካብዞም ዝተጠቐሱ ቋንቋታት ሓደ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ስደተኛ እንተኾይንካ ኣብ ዝርዝር ሓገዝ መርበብ ሓበሬታ UNHCR እቲ ትደልዮ ሃገር ምረጽ ከምኡ ውን/ወይ ድማ ናብ Digital Blue Dot ተወከስ።

ንግዝያዊ ሓለዋ ብቑዓት ዘይኮኑ ሰባት

እንተደኣ ንግዝያዊ ሓለዋ ብቑዕ ዘይኮንካ ኮይንካ፣ ዋላኳ እቲ ናይ ቪዛ ምሕረት ወይ ቪዛኻ ግዜኡ ዝሓለፈ ይኹን፣ብኻልእ ምኽንያት ዑቕባ ክትሓትት ወይ ኣብ ፊንላንድ ክትጸንሕ ትኽእለሉ ዕድል ኣሎካ። ኣብዚ ብኸመይ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትኽእል ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።


<< Back to Help Finland homepage
>> Select another country on our Help homepage