ኣብ ጉዳየይ ጠበቓ ከምኡ ውን/ወይ ተርጓሚ የድልየኒ እዩ

ሕጋዊ ሓገዝ መንግስቲ ማለት ብመንግስቲ ዝቐርብ ጠበቓ ምህላው እዩ እዚ ከኣ ንዝውክሎም ጠበቓ ገንዘብ ምኽፋል ንዘይክእሉ ሰባት ብነጻ ዝቐርብ እዩ። ናይ መንግስቲ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ነቲ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሕጋዊ ሓገዝ ምዝርራብ ትኽእል ኢኻ።

ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ጉዳይካ ሕጋዊ ሓገዝ ክህብ ዝኽእል ማእከል ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ ምዝርራብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ተርጓሚ እንተድኣ ኣድልዩካ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ተርጓሚ ከቕርበልካ እዩ።


< ወደ “ፊንላንድ ውስጥ የስደተኛነት ማመልከቻ” ተመለስ

<< ወደ ፊንላንድ ዋና ገጽ ተመለስ
>> በ HELP ዋና ገጽ ሌላ አገር ምረጥ