ናይ ሕቶ ዑቕባ መመልከቲ ኣብ ግዝኣት ፊንላንድ ወይ ኣብ መእተዊ ወደብ (መዓርፎ ነፈርቲ፣ ናይ መሬት ዶብ መሳገሪ መፈተሺ ነቑጣ ወይ ወደብ ባሕሪ) ክቐርብ ይኽእል። ናብታ ሃገር ክትኣቱ ከለኻ ኣብ ዝኾነ ዶብ መደብር ኣብ ዶብ ፊንላንድ ምስ ሓላዊ እቲ ዶብ ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ሕጋዊ ቪዛ፣ ሰነዳት ጉዕዞ ወይ መንበሪ ፍቓድ ፊንላንድ ዘይብልካ ኮይኑ ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ድሮ ኣብ ፊንላንድ እንተሃሊኻ እሞ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ምስ እትደሊ፣ ናብ ፖሊስ ክትቀርብ ይግባእ። ናይተን ኣብ ፊንላንድ ዑቕባ ክትሓተለን እትኽእለለን መደበራት ፖሊስ ኣድራሻን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዑቕባ ንምሕታት ቆጸራ ምሓዝ ኣየድልየካን እዩ።
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሓለዋ ኣብ ፊንላንድ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ብቋንቋታት ፊንላንድ፣ እንግሊዝን ሽወደንን ዝተዳለወ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ናብ ላዕለዋይ ክፋል እቲ መርበብ ሓበሬታ ብምኻድ ካብዞም ዝተጠቐሱ ቋንቋታት ሓደ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ኩሎም ንኣገባብ ዑቕባ ዝምልከቱ ጉዳያት ብሰበ ስልጣን ፊንላንድ ብመሰረት ሃገራዊ ሕግታትን ስርዓታትን ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ጉዳያት ዑቕባ ዝነጥፉ ዝሰልጠኑን ብቑዓትን ሃገራዊ ሰበ ስልጣናት ዝመሓደሩ እዮም። UNHCR ኣብ መስርሕ ጠለብ ሕቶታት ዑቕባ ኣብ ፊንላንድ ኣይሳተፍን እዩ።